ኤርትራ ሰፊሕ መርመራ ኮሮናቫይረስ ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ "ብዘተኣማምን መገዲ ንምፍላጥ"መንግስቲ ሰፊሕ መርመራታት ኮሮናቫይረስ ከካይድ ከም ዝወሰነ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እዚ "ክሰላሰል ንዝግባእ ደቂቕን ሰፊሕን ገምጋም ንምግባርን ምሉእ ስእሊ ንምርካብን" ሓገዚ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለጺ ሓሓሊፉ 'ብገምራውን ወካልን ቅምሶ' (Random Sampling) ሰፊሕ መርመራት ክካየድ እዩ ኢሉ።
ቀዳማይ መድርኽ መርመራታት፡ ኣብ ኣስመራ ካብ ሰንበት 17 ግንቦት ጀሚሩ ከም ዝካየድ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ "ቀጺሉ፡ ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቅደመ-ግንባር መኸተ ኮሮና ቫይራስ ንእተሰለፉ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ካልኦት ዜጋታትን ክካየድ'ዩ" ኢሉ።
ኤርትራ ዛጊት ክንደይ ሰብ ከም ዝመርመረትን ኣብዚ ብሕጂ ክግበር ዝበሃል ዘሎ መርመራ'ውን ክንደይ ሰባት ከም ዝሳተፉ ኣይተነጸረን።
ኣብ መኸተ ኮሮናቫይረስ ስትራተጂ መንግስቲ ኤርትራ፡ "ሕማም ኮሮና ቫይራስ ምስኣተወን ኣስፋሕፍሐን፡ ንልኹፋት ምሕካም ኣብ ክንዲ ምትኳር፡ ለበዳ ንኸይኣቱ ምቅላስ፡ እንተኣትዩ ድማ፡ ብኣድማዕቲ ዘይሕክምናዊ ስጉሚቲታት ምቑጻይ" ምኳኑ እቲ መግለጺ የነጽር።
በዚ መሰረት ኤርትራ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ምሉእ ዕጽዋ ብምእዋጅ ከተተግብር ምጽንሓ እቲ መግለጺ ይነግር
ብተወሳኺ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መገድታት መከላኸሊ ለበዳ እቲ ቫይረስ፡ ናብታ ሃገር ዝኣትው ኩሎም ገያሾን ምስቶም ምልክታት ዝተርኣየሎም ዝተራኸቡን ምውሻብ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝተዘርግሑ 78 መወሸቢ ነቒጣታት፡ 3,486 ሰባት ከም ዝተወሸቡ ሓቢሩ።
ካብቶም ዝተወሸቡ 2400 ነቲ 'ግቡእ መስርሕ' ሓሊፎም ነናብ ቤቶም ክፋነው ከለው፡ ልዕሊ 1,000 ሰባት ጌና ኣብቲ ማእከላት መወሸቢ ምክትታል ይግበረሎም ምህላው ገሊጹ።
ኤርትራ 39 በቲ ባይረስ እተጠቕዑ ሰባት ከም ዝረኸበትን ኩሎም ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከም ዝተፋነውን እኳ እንተኣፍለጠት፡ "ባህርይን ሓድገኛነትን ናይዚ ለበዳ'ዚ ብምንግዛብ፡ ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺርናዮ ክንብል ኣይንኽእልን" ይብል እቲ መግለጺ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







