መገዲ ኣየር ኬንያ ናብ ቻይና ዝግበሩ በረራታት ሰሪዙ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, Nur Photo/Getty Images

መገዲ ኣየር ኬንያ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብን ናብን ቻይና ዝግበሩ በረራታት ሰሪዙ።

እቲ ቫይረስ ዛጊድ ኣብ ቻይና ልዕሊ 200 ሰባት ዝቐተለ ኮይኑ፡ ኣብ ካልኦት 18 ሃገራት ድማ 98 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም እዮም።

ኣብ ኣፍሪቃ ሽዱሽተ ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ከይኾኑ ስግኣት ዝነበረ ኮይኑ፡ ብዝተገበረ ምርመራ ግን ኩሎም ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ኬንያ፡ ካብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዝመጸ ሓደ ተምሃራይ፡ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ክትትል ክግበረሉ ቀኒዩ እዩ።

መገዲ ኣየር ኬንያ እቲ ክልከላ ንኽንደይ ግዘ ክጸንሕ እዩ ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስ ሚኒስትሪታት ጥዕናን ጉዳያት ወጻእን ይመክር ከምዘሎ ሓቢሩ።

እንተኾነ ናብ ርእሰ ከተማ ታይላንድ ዝኾነት ባንኮክ፡ ዝገብሮ በረራ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ናብ ቻይና ዝገብሮም በረራታት ከምዘየቋርጽ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ተጓዓዝቱን ሰራሕተኛታቱን በቲ ቫይረስ ከይልከፉ ንምክልኻል ድማ ምስ ሰብመዚ ቻይና ይሰርሕ ከምዘሎ እቲ መገዲ ኣየር ገሊጹ።