ኤርትራዊ ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ" ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, GMP
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ቅድሚ ክልተ ሰሙን መጥቃዕቲ ኣጋጢሙዎ ብሰሉስ ህይወቱ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ፡ ጉዳዩ ከም ገበን ቅትለት ከም ዝረአ ፖሊስ ገሊጹ።
ብ26 ጥሪ ኣብ ከተማ ማንቸስተር፡ ዱባይ-ካፈ ኣብ ዝተባህለ እንዳ ሻሂ ኣብ ዝተኸስተ ኣምባጋሮ መጉዳእቲ በጺሕዎ ኣብ ሆስፒታል ክሕከም ዝጸንሐ ወዲ 33 ዓመት ኣማኑኤል ገብርኤል ስምኦን ሰሉስ ንግሆ ዓሪፉ።
ተማሃራይ ሕክምና ኣማኑኤል፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ዕረፍቲ እኳ እንተጸንሐ ኣብ ከተማ ሊድስ ትምህርቱ ክቕጽል ኣብ ምድላው ምንባሩ ፖሊስ ዓባይ ማንቸስተር ገሊጹ።
ስድራቤቱ፡ ኣማኑኤል "ዓብዪ ሕልሚ ዝነበሮ በሊሕ መንእሰይ" ምንባሩ ይገልጹ።
ነቲ ንኣማኑኤል ናብ ሞት ዘብጽሐ መጥቃዕቲ ዝምርምር ዘሎ፡ መርማሪ ፖሊስ ካርል ጆነስ፡ ብዛዕባ እቲ "ዘሕዝን" ዝበሎ ፍጻመ ሓበሬታ ዘለዎም ሰባት ምስክርነቶም ክህቡ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ'ሎ። ይኹን እምበር ዛጊት ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጥርጡር ከም ዘየሎ መራኸቢ ብዙሓን ካብቲ ከባቢ ጸብጺበን።
ኣብ 2008 ናብ ብሪጣንያ ኣትዩ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ማንቸስተር ሕክምና ከም ዘጽንዐን፡ ሓኪም ክኸውን ሕልሚ ከም ዝነበሮን ይግለጽ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







