ኢትዮጵያ፡ ግብፂ፡ ብራዚል. . . ብዓለምለኻውያን በፃሕቲ ዝተመረጻሉ ምስጢር እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ዓለምለኻዊ ቱሪዝም ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ምንቕቓሕ የርኢ ኣሎ። ኣብ 2025፡ 1.5 ቢልየን በፃሕቲ ዓዲ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጓዒዞም።
ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ዝርዝር እዘን ሃገራት ተኻቲታ ኣላ።
ሕቡራት ሃገራት ብመሰረት ዘቐመጦ ዓለማዊ መለክዒ ቱሪዝም፡ ቅድሚ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝነበረ ኵነታት ብምንጽጻር ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝግበር ምብፃሕ ገያሾ ብኣርባዕተ ሚእታዊት ወሲኹ።
ኣውሮጳ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ኣሃዝ በፃሕቲ ዓዲ ብምእንጋድ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣሃዝ በጻሕቲ ዓዲ ኣብ 2024 ካብ ዝነበረ ብ6 ሚእታዊት ዛይዱ ተራእዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2025 ጥራይ፡ 800 ሚልዮን ሰባት ንኣውሮጳ በጺሖም።
ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ካብ ዘአንገዳ ሃገራት፡ ብራዚል 37 ሚእታዊት፣ ቡታን 30 ሚእታዊት፣ ግብፂ 20 ሚእታዊት፣ ኢትዮጵያ 15 ሚእታዊት፣ ሲሸልስ 13 ሚእታዊት ብምሓዝ ብቕደም ሰዓብ ይስርዓ።
ኣካያዲ ስራሕ ትካል ሬቪጎርቴ ዝተባህለ ትካል በጻሕቲ ዓዲ ስቲቨን ቪጎር፡ "እዘን ሃገራት በፃሕቲ ዝመርፅወን፡ ፍሉጣት ቦታታት እናዀና ይመጽኣ ኣለዋ፡" ይብል።
ኣብ ዝርዝር ዓለማዊ ቱሪዝም - ባሮሜትር (World Tourism Barometer) ዝሰፈራን ልዑል ዋሕዚ ቱሪዝምን ዘለወንን ሃገራት ከነላልየኩም።
ኢትዮጵያ
ኣብ 2025 ዓለምለኻዊ ዋሕዚ በጻሕቲ ዓዲ ኢትዮጵያ፡ 15 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ። እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘሎ ጠቕላላ ዕብየት ቱሪዝም ሸሞንተ ሚእታዊት ይሕዝ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዝርዝር ልዑል ዞባዊ ዕብየት ቱሪዝም ካብ ዝተርኣየለን ሃገራት ሓንቲ እያ።
ብሰንኪ ደማዊ ኲናት ትግራይ ተዘሓሒሉ ዝነበረ ቱሪዝም፡ በረራታት ምስ ተጀመሩ ምምሕያሽ ከም ዘርኣየ ተገሊጹ። ኣብ ጽላት ወፍሪ ካብ ዘሎ ምምሕያሽ ብተወሳኺ፡ በፃሕቲ ናብ ኢትዮጵያ ይኸዱ ኣለው።
ከም 'ቪዚት ኢትዮጵያ' ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት፡ ከምኡ'ውን ምምሕያሽ ሆቴላትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን፡ ድሌት በፃሕቲ ልዑል ንክኸውን ካብ ዝደረኹ ምኽንያታት እዮም።
መስራቲ ትካል ኒውፓዝ ኤክስፐዲሽን ዮርግ ሳላስ-ጉቬራ፡ "ንነዊሕ እዋን ዓማዊልና ዝዀኑ ተጓዓዝቲ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምኻድ ድሌቶም ወሲኹ። ንዓመታት ናይ መገሻ መደቦም ክልውጡ ዝፀንሑ በፃሕቲ ዓዲ'ውን፡ ኣብዚ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ንምጋሽ ድሉዋት'ዮም፡" ይብል።
ዝተፈላለየ ናይ ኣደባባይ ፅንብላት ዝስሕቦም መናእሰይ ብዝሖም እናዛየደ ከም ዝመፅአ'ውን የረድእ።

ኣካያዲ ስራሕ ቲምቡክቱ ጆኒ ፕሪንስ ከም ዝብሎ፡ ካብ 2024 ክሳብ 2025 ኣብ ዘሎ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ንምኻድ ዘሎ ድሌት ብ40 ሚእታዊት ወሲኹ።
"በፃሕቲ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያን ግብፅን ብዘይፍርሒ ክገሹ ጀሚሮም'ዮም። ኣብዚ ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ንምብፃሕ ዝተመዝገቡ ጕጅለታት ትምህርቲ ልዕሊ 20 እዮም፡" ብምባል የረድእ።
ኢትዮጵያ ብፍላይ ምርምር ቅሪተ ኣካል፣ መፅናዕቲ ስነ-ሰብ ከምኡ'ውን ተፈጥሮ ንዝስሕቦም በፃሕቲ፡ ተመራፂት ምዃና ሳላስ-ጉቬራ ይጠቅስ።
ሓወልቲታት ኣኽሱም፡ ጎቦታት ገርዓልታ፡ ኣብያተ ክርስትያን ላሊበላ፡ ጐቦታት ሰሜንን ቤተመንግስቲ ጎንደርን ሕርያ በፃሕቲ ዓዲ ካብ ዝዀኑ ቦታታት እዮም።
ኣብ እምባታት (ኣኽራናት) ሰሜን ንጭላዳ ህበይ ዝርእዩን ናብ ሩባ ኦሞ ዝጓዓዙን በፃሕቲ'ውን ብዙሓት እዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናት ንዘቝፀሩ ከም ኣሸንዳ ዝኣመሰሉ ሃይማኖታውን ባህላውን ፅንብላት ንምርኣይ'ውን በፃሕቲ ዓዲ ይጓዓዙ።
ግብፂ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ግብፂ፡ መጠን ዋሕዚ በፃሕቲ፡ ብ20 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ። ካይሮ፡ ድሕሪ ኮሮና ቫይረስ ቱሪዝመን ብቕልጡፍ ካብ ዝሓወየ ሃገራት ምዃና ትጥቀስ።
ሳላስ-ጉቬራ ከም ዝብሎ፡ ንነዊሕ እዋን ብሃንቀውታ ትፅቢት ክግበረሉ ዝፀንሐ ዓቢይ ቤተ-መዘክር ግብፂ ምኽፋቱ፡ ንበፃሕቲ ዓዲ ይስሕብ ኣሎ።
"ንልዕሊ 20 ዓመታት ትፅቢት ክግበረሉ ዝፀንሐ ሙዝየም እዩ። እቲ ቤተ-መዘክር ክሳብ ዝኽፈት ክፅበዩ ዝፀንሑን ካልኦት መስሕባት ንምብጻሕ መደብ ሒዞም ዝነበሩን በፃሕቲ'ውን ይመፅኡ ኣለዉ፡" ይብል።
እቲ ቤተ-መዘክር ኣብ ጥቓ ፒራሚዳት ዝርከብ ምዃኑ ድማ፡ ንበፃሕቲ ቀሊል ክኸውን ኣኽኢሉ።
ፕሪንስ ከም ዝብሎ፡ ቍፅሪ በፃሕቲ ናብ ግብፂ ካብ 2024 ክሳብ 2025 ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ብ50 ሚእታዊት ወሲኹ።
ግብፂ ንድሕነት በፃሕቲ ዓዲ ውሕስቲ ሃገር ምዃና፡ ስድራ ምስ ደቈም ንኽገሹን ደቀንስትዮ'ውን ንብሕተን ናብታ ሃገር ከቕንዓን ምኽንያት ኰይኑ።
ኣብ ዓመተ 2027፡ ከውሊ ፀሓይ ኣብ ግብፂ ንምርኣይ ዝፅበዩ ዘለዉ በፃሕቲ'ውን ይጥቀሱ።
ኣብ ሩባ ናይል ዝግበር ምዝዋር፡ በጻሕቲ ካብ ዝመርፅዎም ንጥፈታት ሓደ እዩ።
ኣብ ኣውሮጳ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ዝሰርሐ ትካል 'ቦት ባይክ ቱርስ'፡ ንግብፂ ኣብ ዝርዝሩ ኣእቲዩዋ ይርከብ።
ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ላውረንስ ዊንክል፡ "ብብሽክለታ ንመስሕባት ቱሪዝም ምዛር ልሙድ'ዩ። ግዜ ወሲድካ ነፍስወከፍ መስሕብ ምብፃሕ ይከኣል'ዩ፡" ይብል።
ብራዚል

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ብራዚል፡ ዓመታዊ እተመዝግቦ ቁፅሪ በፃሕቲ ዓዲ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ 2025 ዋሕዚ ቱሪዝም እታ ሃገር፡ ብ37 ሚእታዊት ዓብዩ።
ዓለምለኸ ትካል ቱሪዝም ብራዚል ብልፍንቲ መንግስትን ሰብ ሃብትን መዓርፎ ነፈርቲ ብምዝማንን ሓደስቲ መስመራት ጕዕዞ ነፈርቲ ብምዝርጋሕን ንበፃሕቲ ዓዲ ንምስሓብ ይፍትን።
ብራዚል ዓለምለኸ ቱሪዝም ንምዕባይ ዝወሰደቶም ስጕምቲታት ልዑል ለውጢ ኣምፂኦም'ዮም።
ፕረዚደንት ቤት ፅሕፈት ዓለምለኸ ቱሪዝም ማርሴሎ ፍሬክሶ፡ "ሓደስቲ መስመራት ጕዕዞ ነፈርቲ ምዝርጋሕ ኣብ ዓለምለኸ ቱሪዝም ብራዚል ፅልዋ የሕድር ኣሎ፡" ይብል።
ምክትል ፕረዚደንት ማይነር ሆቴልስ ማርኮ ኣማራል'ውን በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።
ኣብ ሪዮ ዝተኻየደ ኦሊምፒክ ከምኡ'ውን ዋንጫ ዓለምን ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ፡ ዓንዲ ሑቐ ቱሪዝም ብራዚል እዮም።
ብራዚል ብሙዚቃን መግብን ፅቡቕ ሽም ረኺባ እያ። ቍፅሪ ንተፈጥሮ ቀዳምነት ዝህቡን ምስ ስድርኦም ዝጓዓዙን በፃሕቲ ዓዲ'ውን ወሲኹ'ዩ።
ብራዚል ልዕሊ 9 ሽሕ ኪሎሜትር ገምገም ባሕሪ ኣለዋ። ጥንታውያን ማሕበረሰብ ዝርከቡላ'ውን እያ።
ኣካያዲት ስራሕ ትካል ግሎባል ቪዥን ኣክሰስ ጂዜል ኣብራሆ ከም ትብሎ፡ መስሕባትን ዝካየዱ ፍፃመታት ወይ ክስተታት ብግቡእ ምፍላጥ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ።
ኣብ መስሕባት ቱሪዝም ዝዀኑ ከባብታት ንዝነብሩ ማሕበረሰባት፡ ቀዳምነት ምሃብ'ውን ትጠቅስ።
ሲሸልስ

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ሲሸልስ ንዋሕዚ ቱሪዝም ብ13 ሚእታዊት ከተዕቢ ክኢላ፤ ኣብ ደረጃ ቱሪዝም ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ካብ ዝጥቀሳ እያ።
ምኒስትሪ ቱሪዝም እታ ሃገር፡ ኣብ መንጐ መንግስትን ሰብሃፍትን ንዘሎ ልፍንቲ የተባብዕ።
ፀሓፊት ምኒስትሪ ቱሪዝም ሲሸልስ ሸሪን ፍራንሲስ ከም ትብሎ፡ እዚ ልፍንቲ፡ ቱሪዝም እታ ሃገር ንኽዓቢ ዕዙዝ ግደ ተፃዊቱ'ዩ።
ሲሸልስ መስሕብ ሕፅኖት ዘሕልፉ በፃሕቲ ኰይና፡ ሕጂ ካልኦት መስሕባት'ውን ንዓለም ተለሊ ኣላ።
ኣካያዲት ስራሕ ኣናናትራ ማያ ሲሸልስ ቪላስ ናጂ ኤስታ፡ "ኣብ ገምገም ባሕሪ ካብ ምዝንጋዕ ብተወሳኺ መንጫዕጫዕታ ማይ፡ ፀወታ ወሰን ሓዊ ከምኡ'ውን ምግቢ ነቕርብ፡" ትብል።
መብዛሕትኡ ግዜ ንሲሸልስ ዝበጽሑ መፃምዲ እዮም።
መስሕባት ቱሪዝም ሲሸልስ ንተመገብቲ ኣትክልቲ ዝኸውን ዝርዝር መግቢ ብምድላውን ብኻልኦት መንገድታትን፡ መስሕባት በፃሕቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ኣማራጺታት ንምስፋሕ ይፍትኑ።
ሲሸልስ 30 ሚእታዊት ውቅያኖሳዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ብጥብቂ ዝሕሎ ብምግባር ትፍለጥ።
ቡታን

ኣብ ጥቓ እምባታት ሂማለያ ትርከብ ቡታን፡ ኣብ ከባቢ 1970 (ኣ.ኤ) እያ፡ ንፈለማ እዋን ኣፍ-ደገኣ ንበፃሕቲ ክፉት ገይራ።
ኣብ 2025 ጥራሕ ዋሕዚ በፃሕቲ ዓዲ 30 ሚእታዊት በፂሑ።
በፃሕቲ ዓዲ ንዘላቒ ዕብየት ቡታን ዝውዕል መዓልታዊ 100 ዳላር ይኸፍሉ።
እዚ ድማ መስሕባት ቱሪዝም ንምዝማንን ነታ ዓዲ ንምጥቃምን ይውዕል።
ቀዳማይ ምኒስትር ቡታን ነበር ዶክተር ሎታይ፡ "ሃገርናን ባህልናን ንክርእዩ፡ ንዅሎም ዓይነታት በፃሕቲ ንዕድም። ካብኦም ንምምሃር'ውን ድሉዋት ኢና፡" ኢሉ።
ቡታን ከም ጠቕላላ መጠን ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ፡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሓጐስ ብምፍላጥ'ውን ስምይቲ ኰይና ኣላ።
ኣካያዲ ስራሕ ሂማልያ ኤኮስ የሲን ጎል፡ ቡታን "ዘመናዊ መስሕባት በፃሕቲ ንዝሰልቸዎም በጻሕቲ እንኰ ኣማራፂት ኰይና ኣላ፡" ይብል።
ናብ ብዙሓት ሃገራት እንተገሹ'ውን ፡ "ዓሚቕ ስምዒት" ዝህብ ጉዕዞ ንዝብህጉ በፃሕቲ ዓዲ መስሕብ ብምዃን ሽማ ኣጥሪያ እያ።
እታ ሃገር ኣኽራናት ዝበዝሓ (ብእምባታት ዝተሓፀረት) ስለ ዝዀነት፡ ብዙሓት ብሞተር ሳይክል እናዘሩ ክበጽሑዋ ይመርጹ።
ንውሕ ንዝበለ ብፅሞና ንምሕሳብ ንምርግጋእን ቡታን ተመራፂት መስሕብ በፃሕቲ እያ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







