ረኣይን ሰማዕን ስኢኑ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ፍሉጥ ጋዜጠኛ

Zororo Makamba

ምንጪ ስእሊ, Zororo Makamba

ብኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምልካፉ ሰኣን ረኣይን ሰማዕን ንበይኑ ህይወቱ ዝሓለፈ፡ መንእሰይ ጋዜጠኛ ዚምባብወ፡ ኣማውትኡ ንስርዓት ሓለዋ ጥዕና ናይታ ሃገር እዩ ኣቃሊዑ ተባሂሉ።

ዞሮ ማካምባ ወዲ 30 ዓመት እዩ ነይሩ። ሓዉ ንሓደ ብውልቀ ዝውነን ጋዜጣ ከምዝተዛረቦ፡ ንበይኑ ክጸንሕ ምስተገብረ፡ ሰኣን ረኣይን ሰማዕን ንበይኑ ኣብ ፍርሕን ጭንቅን ከምዝነበረ ተዛሪቡ።

እዚ ኣንባብን ኣቕራብን ዜና፡ ብኮሮናቫይረስ ምስተለኸፈ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዚምባብወ ሃራሬ ዝርከብ ሆስፒታል ዊልኪንስ እዩ ተወሲዱ። ንበይኑ ድማ ተዓጽዩ።

ንቤተሰቡ ብቴሌፎን ብዛዕባ ኩነታቱ ምስተዛረበ፡ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ብህይወት ኣይተረኽበን።

ንበይኑ ካብ ዝዕጾ ሰለስተ መዓልቱ ጥራሕ እዩ ገይሩ።

ዞሮ ማካምባ

ምንጪ ስእሊ, State of the Nation

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ዘቕርቦ መደብ፡ ርእይቶ እንትህብ

'ስቴት ኦፍ ዘኔሽን' ኣብ ዝብል መደቡ፡ ብዘቕርቦም ፖለቲካውን ማሕበራውን ትንታነታት እዩ ዝፍለጥ። ናይ ዚምባብዌ፡ ፈላማይ በቲ ቫይረስ ህይወቱ ዝሰኣነ ሰብ ድማ ኮይኑ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዚምባብወ ድማ ከቢድ ስንባደ ኣስዒቡ። ማካምባ ወዲ ርኹባት እዩ፡ ኣብታ ዓዲ ድማ ህቡብ ጋዜጠና እዩ።

እዚ ኩሉ ግን ንህይወቱ ኣየትረፈሉን። ባሊህ ዝብሎ'ውን ኣይረኸበን።

'ብህይወት ክተርፍ ምኸኣለ'

ዓብዪ ሓው ንማካምባ "እዚ መንግስቲ ዝረብሕ ምድላዋት ኣይገበረን" ክብል ንደይሊ ኒውስ ዝባሃል ጋዜጣ ተዛሪቡ። ሓው ረአዪን ሰማዕን ስኢኑ ተዓጽዩ ሰኣን ግቡእ ክንክን ከምዝሞተ እዩ ዝኣምን።

ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና እታ ሃገር ግን፤ እቲ ጋዜጠኛ ቅድሚ ሕዚ ብዝነበሮ ሕዱር ጸገም ጥዕና ንሞት ከምዝተሳጠሐ እዩ ዝገልጽ።

ቅድም ክብል ናይ ሳምቡእ መጥባሐቲ አካይዱ ከምዝነበረ ይገልጽ።

ስድራ እቲ ጋዜጠኘኛ ድማ ነዚ ኣይከሓዱን። እንተኾነ፡ ህይወቱ ንምትራፍ ዝኾነ ጻዕሪ ኣይተገብረን እዮም ዝብሉ።

ገለ ሰባት ቅድሚኡ ናብ ባንኪ ምእታዎም ኢዶም እንትሕጸቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገለ ሰባት ቅድሚኡ ናብ ባንኪ ምእታዎም ኢዶም እንትሕጸቡ

ሕማም ኮሮናቫይረስ ካብ ኤስያ ጀሚሩ ናብ ኤውሮጳ ካብኡ ድማ ንሰሜን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ክዝርጋሕ እንተሎ፡ ሒደት ሃገራት እየን ቅድመ ምድላዋት ገይረን።

መንግስቲ ዝምባብወ፡ እቲ ሕማም ክሳብ ናብታ ዓዲ ዝኣቱ ዝገበሮ ቅድመ ጥንቃቐ ኣይነበረን ተባሂሉ እዩ ዝሕመ።

መተንፈሲ መሳርሕታት ሓዊሱ፡ ኣድላዪ ዝበሃሉ ናውቲ ኮነ እኹል መደቀሲ ዓራታት ኣብታ ዓዲ የለዉን። ኣብ ዝምባብወ ዝገደደ እኳ እንተኾነ፡ ብርግጽ ዓለማዊ ጸገማት ምዃኖም ኣይዝንጋዕን።

'ዓለም ክትፈልጦ ዝግባእ'

እሙን እዩ፡ እዚ ሕጽረታት ዓለማዊ ጸገም ምዃኑ። ብዙሓት ሃገራት፡ ብበዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተጻቢበን እየን። ዚምባብወ ግን ሓደ ሰብ እያ ክተድሕን ዘይከኣለት።

ሓዉ ናይቲ ዝሞተ ጋዜጠኛ ከምዝብሎ፡ ዞሮ ማካምባ ካብ ኣመሪካ ኣብ ዝተመለሰሉ እዋን፡ ምልክታት ምስረአየ፡ ናብ ሕክምና ከይዱ ተመርሚሩ። ሓኪሙ ተራ ሰዓል ከምዝኾነ'ዩ ነጊርዎ - ይብሉ ኣባላት ስድርኡ።

እንተኾነ፤ ዓርቢ መጋቢት 20 ኩነታቱ እናገደደ መጺኡ፤ ተመርሚሩ ድማ። ቀዳም ንጎሆ፤ ውጽኢቱ ክሳብ ዝንገሮ ኣይተወሸበን ጸኒሑ።

በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዘ ምስተረጋገጸ ድማ፡ ዋላ መተንፊ መሳርሒ ኣይሃሉ'ምበር ድሒሩ እንተኾነ'ውን ኣብ ሆስፒታል ንበይኑ ክውሸብ ተገይሩ። ሰኑይ ድማ ሞይቱ።

ምምሕዳር ከተማ ሃራሬ፡ ዕሽሽነትን ምድንጓይን ከምዝነበረ ኣይኣምንን። ነቲ ዝቐረበ ነቐፌታ'ውን ኣይቕበልዎን። ኣባላት እቲ ሆስፒታል ህይወት ናይቲ ጋዜጠኛ ንምትራፍ ዝከኣሎም ኩሉ ገይሮም ዝብል ብተደጋገሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊጹ እዩ።

መተንፈሲ መሳርሒ ከምዘይብሎም ግን ኣሚኖም እዮም። "ኩሎም ሕሙማት መተንፈሲ ይግበረሎም ማለት ኣይኮነን" ድማ ኢሉ ዶክተር ናይቲ ሆስፒታል።

ካብ መንግስቲ እኹል ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ድማ እቲ ዶክተር ተዛሪቡ። "እቲ ሓላፍነት ብዘይ ገንዘባዊ ድጋፍ እዩ ተዋሂቡና" ኢሉ።

ዶኳትር ዝምባወ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዶኳትር ዝምባወ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ገይሮም ነይሮም

ብርግጽ መንግስቲ፡ እኹል ምድላው ከምዘይገበረ፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣብ ትዊተሩ ኣሚኑ እዩ። ዜጋታት፡ እዚ ስክፍተኦም ምግላጾም ልክዕ እዩ - ይብል።

ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንግዋ ግን፤ ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ምድላው ዓቕሚ እናፈጠረትልና ትኸይድ ኣላ ኢሉ።

ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን፡ ካብ ገዛ ናይ ዘይምውጻእ ፖሊሲ ከምዝእወጅ'ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ስለዚ፡ ጋዜጠኛ ማካምባ ብቐሊሉ ህይወቱ ዝሓለፈሉ ሆስፒታል ዊልክንስ፡ መርአያ ናይቲ ሃገራዊ ምዝንጋዕ እዩ ተባሂሉ ይንቀፍ ኣሎ።

መብዛሕተአን ማእከላት ጥዕና ናይታ ሃገር ፤ ጽሩይ ማይን፣ ዓይኒ-ምድሪ የብለንን። ጸረ-ቃንዛ ክኒን ዘይብለን ማእኸላት ሕክምና'ውን ኣለዋ።

ገለ ሐሓካይም፡ መጠቕለሊ ሻሽ [ባንዴጅ] ሓጺቦም ደጊሞም ክጥቀሙ ከምዝግደዱ ይዛረቡ። ሰብ-ስልጣን መንግስቲ ናብ ወጻኢ ከይዶም እዮም ዝሕከሙ።

ሞት እቲ ህቡብ ጋዜጠኛ ስዒቡ ግን፤ ገለ ሰብ-ሃብቲ፡ ብወለንተኦም ናይ ሕሙማት መጽንሒ ማእከላት የዳልው ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

ማካምባ ኣየርክበሉን'ምበር፡ ካብ መንግስቲ ቻይናን ቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማ ዝወፈዮ ገለ ናውቲ ሕክምና ኣብተን ሆስፒታላት በጺሑ ኣሎ።

ሓደ ወናኒ ውልቀ ሚድያ፡ "ገለ እንተዘይገይርና፡ ኣማውታ ጋዜጠኛ ማካምባ ጽባሕ ናይ ኩላትና ዕድል እዩ። ረኣይን ሰማዕን ስኢኑ ንበይኑ ተዓጽዩ ሞይቱ" ኢሉ።