ምኽንያት ንብዙሓት ልዕሊ ዓቕሞም ዝዀነ ወሰኽ ዋጋ በረራ መገዲታት ኣየር እንታይ’ዩ?

ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ክውዳእ ቀሪቡ ዘሎ ዓመተ ፈረንጂ [2022]፡ ብርክት ዝበሉ መገዲታት ኣየር ምስራዝ ጉዕዞታት፣ ምጥፋእ ኣቕሓን ምድንጓይ በረራታትን ዝተርኣየሎም ኰይኑ፡ በዚ ብዙሓት ዓማዊል ምንክልባት ክበጽሖም ተራእዩ’ዩ።

ብርክት ዝበሉ መገዲታት ኣየር ድማ፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮም እቶትን ብዝሒ ተጉዓዝትን ክመልሱ ይደልዩ እዮም።

ይኹን’ምበር፡ ኣብዚ ዓመት ኣብቲ ኢንዳስትሪ ተራእዩ ዘይፈልጥ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ትኬት ይርኣይ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ዝመጽኡ ሰለስተ ተጉዓዝቲ፡ ነፍሲ ወከፎም 28 ሽሕ ብር ከም ዝኸፈሉ ይዛረቡ።

እዞም ሰለስተ መሓዙት፡ ብማእኸላይ ገምጋም፡ ሓደ ሰዓትን 45 ካልኢትን ንዝወስድ ናይ ኢኮኖሚ ክፍሊ በረራ በጺሕኻ መምለሲ ብድምር 84 ሽሕ ብር ከፊሎም ኣለው።

ዋጋ በረራ፡ ተጉዓዝቲ ብዝመርጽዎ ናይ በረራ ሰዓትን መዓልትን ከምኡ’ውን ‘ኢኮኖሚን ቢዝነስን ክላስ’ ዝተፈላለየ እዩ።

እንተዀነ’ውን፡ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብፍላይ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብነፋሪት ዝግበር ጉዕዞ በቲ ዓቕሚ ዘለዎ ጥራይ ዝድፈር ኰይኑ’ዩ።

ሓደ ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ተጉዓዚ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዘሎ ዋጋ በረራ ፈጺሙ ዝድፈር ስለ ዘይኰነ፡ “ብሞያሌ ብኣውቶብስ ክጉዓዝ ተገዲደ’የ” ይብል።

መገዲ ኣየር ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [2021] ንበረራ ብዙሕ ገንዘብ ብምኽፋል ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኰይኑ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣለው ካብ ዝብሃሉ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ኤየር ፍራንስ ዝለዓለ ናይ ትኬት ዋጋ ከም ዘኽፍል ተገሊጹ’ዩ።

እቲ መገዲ ኣየር [ኬኪው] ናብ 24 ሃገራት ኣፍሪቃ ክበርር እንከሎ ዘኽፍሎ ዋጋ ብምጽናዕ’ዩ፡ ዝኸበረ መገዲ ኣየር ተባሂሉ።

ኣፍሪካን ኮምፐቲሽን ፎረም ዝተባህለ ድረ ገጽ፡ መገዲ ኣየር ኬንያ ንበረራ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝሓትት ይጠቅስ።

ይኹን’ምበር፡ መገዲታት ኣየር ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን’ውን፡ ንትኬት ብዙሕ ገንዘብ ካብ ዘኽፍሉ መገዲታት ኣየር ኣፍሪቃ እዮም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኲናት ዩክረይንን፡ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ዋጋ በረራታት ወሰኽ’ኳ እንተርኣየ፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝግበሩ በረራታት ኣዝዮም ክቡራት ዝዀኑሉ ምኽንያት ግን ንብዙሓት ዘዘራርብ ጉዳይ ኰይኑ’ዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብብሪቲሽ ኤየርዌይስ ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ ናብ ናይሮቢ በጺሕካ መምለሲ ትኬት ዝቘረጸ ዙሪች፡ ኣስታት 800 ፓውንድ ከም ዝኸፈለ ይዛረብ።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዓብዪ ጕያ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ካብ ናይሮቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምኻድ መደብ ዘውጽአት ሚሸል፡ ዋጋ ትኬት ልዕሊ 800 ዶላር ኰይኑ ከም ዝረኸበቶ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 1

እዚ በቲ ሕጂ ዘሎ ሸርፊ ወጻኢ ኬንያ፡ ኣስታት 97 ሽሕ ሽሊንግ እዩ።

ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ናይሮቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ በረራ በጺሕካ መምለሲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኰነ ኬንያ ኤየርዌይስ ካብ 19 ሽሕ ክሳብ 25 ሽሕ ሽሊንግ እዩ ነይሩ።

ሕጂ እዚ በረራ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ’ዶ ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት?

ኮቪድን ኲናትን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድም ኢሉ፡ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ “ብዘይ ጥርጥር” ኣብ ዋጋ ትኬት [በረራ] ወሰኽ ከስዕብ ከም ዝኽእል ሓላፊ ኢንዳስትሪ ኣየር ዊሊ ዋልሽ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ጸቕጥን ኲናት ዩክረይንን ስዒቡ፡ ድሕሪ 2008 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዋጋ ነዳዲ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ወሰኽ ኣርእዩ’ዩ።

ዓለምለኸ ማሕበር ኣገልግሎት ኣየር [IATA]፡ እቲ ኢንዳስትሪ ብ2019 ዕዳግኡ ብ58.4 ሚኢታዊት ብምጉዳሉ ኣብ 2021 ልዕሊ 15 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝኸሰረ ኣፍሊጡ እዩ።

እቶም ኣብዚ ኢንዳስትሪ ዝርኣዩ ወሰኽ ዋጋታት ድማ፡ ናብ ዓማዊል ዝመሓላለፉ ከም ዝዀኑ ዝገልጽ ሓላፊ እቲ ማሕበር ዋሊ ዋልሽ፡ “ብዘይ ጥርጥር በረራ ኣየር ንዓማዊል ኣዝዩ ክኸብሮም’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ልዑል ዋጋ ነዳዲ፡ ኣብ ልዑል ዋጋታት ትኬት ክርኣይ’ዩ”።

ብኻልእ ወገን፡ እቲ ኢንዳስትሪ ልዑል ንሕንሕ ዝርኣየሉ ብምዃኑ፡ መገዲታት ኣየር መኽሰቦም ኣብ ዝውስኹ መገዲታት ትኹረት ከም ዝገብሩ ይግለጽ።

ነዚ ድማ፡ ቑጽሪ ተጉዓዝቲ ኣብ ዝውስኹሎም ብፍላይ ናይ በዓላት እዋናት፡ ዋጋ በረራ ክውስኹ ይስትውዓል።

ናይዚ ሓደ ምኽንያት፡ መገዲታት ኣየር ኣብዞም እዋናት ወሰኽ ዋጋ በረራ ንምግባር ዝቐሎም ምዃኑ’ዩ። እዚ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ኣቐዲሞም ትኬት ከም ዝገዝኡ ስለ ዝፈልጡ ብዙሕ ትኬት ንምሻጥ ዝቐለለ መገዲ ይዀነሎም።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ንድሓር ዝተርኣየ ምኽባር ዋጋ በረራታት ነቲ ተራ ሕብረተሰብ ፈጺሙ ዝድፈር ዋጋ ከም ዘይዀነ ብዙሓት ተጠቀምቲ ይገልጹ።

ሓላፊ ዝዓበየ መገዲ ኣየር ዓለምና ዝዀነ ዴልታ፡ ኤድ ባስቲያን ብደረጃ ዓለም ዝርኣይ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ዋጋ በረራ ብ10 ሚኢታዊት ክውስኽ ምኽንያት ክኸውን እዩ ክብል ኣብ ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብ2019 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] 200 ሚሊዮን ዓማዊል በዚ መገዲ ኣየር ክበሩ እንከለው፡ በዚ መገዲ ኣየር ዴልታ ኣብ ዓለም ልዑል ቑጽሪ ተጉዓዝቲ ብምሓዝ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ነይሩ።

እቲ ናይ መወዳእታ ጽልዋ “ብርግጽ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዝዕረየሉ ቦታ ዝውሰን ክኸውን’ዩ” ክብል ባስቲያን ተዛሪቡ።

ካብ ቀረባ ግዜያት ናብዚ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዋጋ በረራታት ካልኦት ዓበይቲ መገዲታት ኣየር ኣዝዩ ክቡር ኰይኑ እዩ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 2

ተነሓናሕቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ሓሓሊፉ ትሑት ዋጋ በረራ ከቕርቡ ከም ዝኽእሉ ዝጠቅስ ዋና ኦፊሰር ኦፕሬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ ያደቻ፡ “ብሄራዊ መገዲ ኣየር እንተዀይኑ መንግስቲ ክድግፎ ይኽእል’ዩ” ኢሉ።

“ከምቲ ዝፍለጥ፡ ኣብ እዋን ኮቪድ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ካልእ ሓደ ትካልን’ዮም ኣብ እዋን ኮቪድ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ናይ ምድሓን ገንዘብ [bailout] ዘይተቐበሉ። ንሕና ወጻኢታትናን ኣታዊታትናን ኣመዛዝንና ኢና ንሰርሕ”።

ኣብ ዓመተ 2022፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ኢንዳስትሪ ኣየር ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ በረራ፡ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስዒቡ ዝመጽአ ምዃኑ ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኬንያ ኣብ ኢትዮጵያ ፌሊክስ ምዋንጋንጊ ይዛረብ።

ነዚ ንምርዳእ፡ ኣብ ዝዀነ ነገር እንርእዮ ዋጋ፡ በቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ጠለብን ቐረብን ዝውሰን ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኣብ በረራ ኣየር እውን ዝተፈለየ ከም ዘይኰነ ይገልጽ።

እዚ፡ ኣብ መላእ ኢንዳስትሪ ኣቪየሽን ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ ክብሃል ከም ዝኽእል፡ ዝገልጽ ፌሊክስ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ ዝነበሩ ድጎማታት ድሕሪኡ ምቕይያር ምርኣዮም ሓቢሩ።

ኣቶ ለማ ያደቻ፡ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ በረራ ከብርህ እንከሎ፡ እቲ ሓደ ምኽንያት መንግስታት ካልኦት ሃገራት ዘንብሩዎ “ግብሪ” እዩ ይብል።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ዋጋ በረራ፡ ዝወጽእ ወጻኢ ተሞርኲዙ እዩ ዝትመን።

በዚ መሰረት፡ እቲ መገዲ ኣየር ድማ፡ ናብ ካልእ ሃገር ክጉዓዝ እንከሎ ዘውጽኦ ወጻኢ ኣስሊሑ ከምኡ’ውን ዘቕርቦ ኣገልግሎት ኣብ ግምት ብምእታው ዋጋ ከም ዝትምን ይገልጽ።

ካልእ፡ ዋጋ ትኬት ዝኸበረሉ ምኽንያት ብደረጃ ዓለም ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ምዃኑ፡ እቲ ኦፊሰር ኦፕሬሽን ይዛረብ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክፍሊት ኣገልግሎት መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝወሰኸ ይጠቅስ።

ኣቶ ለማ፡ ኣብ መገዲታት ኣየር ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ተጉዓዝቲ ካብ ምምጋብ ጀሚሩ፣ ዝዓርፍሉ ቦታ ብምድላው፣ መግቢ ብምቕራብ፣ ነዳዲ ብምምላእ፣ ናይ ጽርየት ስራሕትን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝህቡ ዘኽፍሉዎ ዋጋ ምውሳኹ ዋጋ ትኬት ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“እዞም ወጻኢታት፡ እናወሰኹ ኣብ ዝመጽእሉ ግዜ ድማ ንሕና ወጻኢታትና እነከሓሕሰሉ ክፍሊት ንሓትት”።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብዝረኽቦ እቶት ንርእሱ ከም ዘመሓድር ዝዛረብ ኣቶ ለማ፡ እቲ መገዲ ኣየር “ሰሪሑ ካብ ዝረኽቦ እቶት ድማ ወጻኢታቱ ክሽፍን ኣለዎ” ይብል።

መገዲ ኣየር ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስለምንታይ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝግበር በረራ ይኸብር?

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝግበሩ በረራታት፡ ብመንጽር ካብ ኣፍሪቃ ናብ ካልእ ኣህጉር ዝግበር በረራ ኣዝዮም ክቡራት እዮም።

ናይዚ ምኽንያት፡ ኣብቲ ኣህጉር ኣገልግሎት ዝህቡ መገዲታት ኣየር ኣዝዮም ውሑዳት፤ ምናልባት’ውን ብሽም ክርቁሑ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ።

“ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝሰርሑ መገዲታት ኣየር ሒደት’ዮም። እዚ፡ እቲ ቐረብ ክውሕድ ስለ ዝገብሮ፡ ኣብ ዕዳጋ ኣብ ዝህሉ ዋጋ በረራ ለውጢ ክርኣይ ገይሩ’ዩ። ብቐሊሉ፡ ውሑዳት መገዲታት ኣየር ኣለው ማለት፡ እቲ ዋጋ ይኸብር ማለት እዩ” ክብል ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኬንያ ኣብ ኢትዮጵያ ፌሊክስ ምዋንጋንጊ ይገልጽ።

ብኻልእ ወገን፡ ድሕሪ ኮቪድ ኣብ ቀንዲ ዕዳጋታት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ወሰኽ ከም ዘሎ ዝገልጽ ፌሊክስ ምዋንጋንጊ፡ “እዚ ማለት፡ ጠለብ ክውስኽ እንከሎ ዋጋ በረራ ይወስኽ ማለት እዩ” ይብል።

ይኹን’ምበር፡ እቲ በረራ ዋላ’ውን ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ እንተዀነ፡ እቲ ትኬት ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ዓማዊል ዝሽየጥ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን ብምባል፡ ኣብዚ ‘ፖይንት ቱ ፖይንት ትራፊክ’ ብዝብሃል መገዲ ናይ ዋጋ ውድድር ከም ዝግበር ይሕብር።

ብተወሳኺ፡ ሓደ ዓሚል ናይ በረርኡ ትኬት ደንጒዩ ዝገዝእ እንተዀይኑ፡ እቲ ዝኸበረ ዋጋ እዩ ዝረክብ ኢሉ።

መገዲታት ኣየር ዝኸፍሉዎ ‘ኣይታክስ' [ኣይ ገቨርምንት] ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓይነት ግብሪ ድማ፡ ኣብ ምኽባር ዋጋ ትኬት ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ፌሊክስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረዲኡ።

እዚ ማለት፡ መገዲታት ኣየር ንመንግስቲ ዝዓርፉላ ሃገር ዝኸፍሉዎ ክፍሊት ኣገልግሎት'ዩ።

"ንኣብነት ካብ ናይሮቢ ናብ ኢንተቤ ክኽየድ እንከሎ፡ ንመንግስቲ ዝኽፈል ክፍሊት ኣሎ። ሓሓሊፉ እቲ ንመንግስቲ ዝኽፈል ግብሪ ኣስታት 30 ሚኢታዊት ዋጋ ትኬት እዩ" ብምባል ኣብሪሁ።

ዋና ኦፊሰር ኦፕሬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ ያደቻ እውን በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለው ሕግታት ታክስ፡ ኣብ ወሰኽ ዋጋ በረራ ናይ ባዕሎም ተራ ዘለዎም ኰይኑ፡ ገለ ሃገራት እቶት ኣታዊ ከም ዘኽፍላ ይግለጽ።

እቲ መገዲ ኣየር ብቐዳምነት ኣብ ዝሰርሓሎም ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ‘ኮስት ኦፍ ቢዝነስ’ ኣዝዩ ልዑል’ዩ” ዝብል ኣቶ ለማ፡ በዚ ምኽንያት ዋጋ ትኬት ከም ዝኸብር ገሊጹ።

“ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ እቲ መገዲ ኣየር ዝበረላን ሃገር ስምምዕ ‘ታክስ ኣቮይዳንስ’ እንተሃልዩ፡ እቲ ግብሪ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኢና ንኸፍል” ዝብል እቲ ሓላፊ እዚ ስምምዕ እንተዘይሃልዩ ግን፡ ኣብ ዋጋ ትኬት ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእለ ሓቢሩ።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ግብሪ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዝዩ ልዑል ከም ዝዀነ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ፡ ማይ ምቕያር፣ ነዳዲ ምምላእን ካልኦት ‘ናይ ግራውንድ’ ስራሕቲ ዝሰርሑ ትካላትን ዝሓቱዎ ክፍሊት ልዑል እዩ ይብል።

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መገዲታት ኣየር ኢመሬት፣ ጃፓንን ኤየር ኤዥያን፡ ዋጋ ነዳዲ ጀት ንምሽፋን ኣብ ዋጋታት በረራ ወሰኽ ካብ ሞንጐ ዘርኣዩ መገዲታት ኣየር ይጥቀሱ። ነዳዲ ጀት፡ እቲ ዝለዓለ ወጻኢ መገዲታት ኣየር ከም ዝዀነ ይግለጽ።

ብኻልእ ወገን፡ ሓደ ትኬት ኣብ ዝቑረጸሉ መዓልቲ ዝምርኰዝ ከም ዝዀነ ዝጠቅስ ኣቶ ለማ፡ ንኣብነት ሓደ ዓሚል ካብ ዝበረሉ ዕለት ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝዓደጐ እንተዀይኑ፡ ዋጋኡ ዝንክየሉ ምኽንያት እቲ መገዲ ኣየር ነቲ ገንዘብ ተቐቢሉ ስለ ዝሰርሓሉ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ምጉዳል ዋጋ ከም ዝህሉ የብርህ።

ብኣንጻሩ፡ እትበረሉ እዋን ኣብ ዝኣኸለሉ ግዜ ዝቑረጽ እንተዀይኑ “ቢድ ፕራይሲንግ” ብዝብሃል መገዲ ከም ዝሽየጥ ጠቒሱ።

‘ቢድ ፕራይሲንግ’ ማለት፡ ዓማዊል ነተን ዝተረፋ መናብር ይወዳደሩን ዝሓሸ ዋጋ ዝኸፈለ ነቲ መንበር ይረኽቦን ማለት እዩ።

ምኽባር በረራታት ሓጺር ሰዓት

ሓጺር ሰዓታት ዝወስዱ በረራታት ዋጋኦም ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ድማ፡ ቅርታ ብዙሓት ዓማዊል እዩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ናይሮቢ ናብ ዱባይ ዝገብሮ በረራ፡ ካብቲ ካብ ናይሮቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ በረራ ዝተሓተ ዋጋ ትኬት ኣለዎ።

ካብ ናይሮቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ በረራ ብማእኸላይ ገምጋምካብ ሰዓትን ፈረቓን ክሳብ ክልተ ሰዓታት ዝወስድ ኰይኑ፡ ካብ ናይሮቢ ካብ ዱባይ ዝግበር በረራ ሽዱሽተ ሰዓታት ክወስድ ይኽእል።

መገዲ ኣየር ኬንያ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ንበረራ ሓጺር ሰዓታት ዘኽፍሎ ገንዘብ ልዕል ዝበለ እዩ ዝብል ነቐፌታ ይበጽሖ’ዩ።

ፌሊክስ ምዋንጋንጊ ናይዚ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ፡ ብቐንዱ መብዛሕትኦም በረራታት ብውሑዳት መገዲታት ኣየር ዝሳለጡ ምዃኖም እዩ ይብል።

ይኹን'ምበር፡ ካብ ናይሮቢ ናብ ዱባይ ዝግበር በረራ፡ ነዊሕ ሰዓት ስለ ዝወስድ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ካብ ዝወስድ በረራ ዝዛየደ ዋጋ ክህልዎ ይግባእ ማለት ኣይኰነን።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ መገዲታት ኣየር ንዝህቡዎ ኣገልግሎት ‘ቫሊዩ ቤዝድ ፕራይሲንግ’ ዝጥቀሙ ብምዃኑ እዩ ይብል ፌሊክስ።

“ዋጋ ኣነ ዘቕርቦ ኣገልግሎትን ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋን ክንደይ ዝኣክል እዩ? ዝብል ይርኣይ። እዚ ዋጋ ኣብ ዕዳጋ ብዘሎ ውድድር ይውሰን። ስለዚ ነዊሕ ርሕቐት ዘለዎም በረራታት ካብቲ ሓጺር ርሕቐት ብተዛማዲ ትሑት ዋጋ ክህልዎም ዝገብር ናይ ቐረብ ዓቕሚ እዩ”።

ምኽባር እዞም በረራታት ቑጽሪ እቲ ኣገልግሎት ዝህቡ መገዲታት ኣየር ውሑድ ምዃን ድማ ካልእ ምኽንያት ምኽባር ዋጋታት ከም ዝዀነ እቲ ሓላፊ የብርህ።

ንኣብነት መብዛሕትኡ ግዜ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ወይ ናይሮቢ - ኣዲስ ኣበባ ዝግበሩ በረራታት ኣገልግሎት ዝህቡ መገዲታት ኣየር ‘ኬኪው’ን ‘ኢቲ’ን እዮም።

ካብ ካልኦት ሃገራት ዝብገሱ መገዲታት ኣየር ነዚ ኣገልግሎት ክህቡ እንተኽኣሉ’ውን፡ እቲ ዝወስዱዎ ሰዓት ግን ነዊሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ይጠቅስ።

እዚ ኣገልግሎት ‘ቫያ ኬርየርስ’ ዝብሃል ኰይኑ፡ ነዚ ከም ኣማራጺ ዝጥቀሙ ተጉዓዝቲ መጠን ዝኸፍሉዎ ገንዘብ እንተነከየሎም’ውን እቲ ኣብ ዝደልዩዎ ቦታ ንምብጻሕ ዝወስደሎም ግዜ ግን ዝነውሐ’ዩ ዝኸውን ክብል ሞያዊ መብርሂኡ ይህብ።

ይኹን'ምበር፡ ሓደ ሰብ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቐጥታ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክመጽእ እንከሎን፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ኣብ ናይሮቢ ዓሪፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽእ እንከሎን ዝረኽቦ ምቾት ሓደ ዓይነት ኣይኰነን ይብል ዋና ኦፊሰር ኦፕሬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ።

“እቲ ነፋሪት፡ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ዝመጽእ ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ ኣቘራሪጹ ዝጉዓዝ እንተዀይኑ፡ እቲ ተጉዓዚ ምቾት ኣይህቦን። ስለዚ ብቐጥታ ክመጽእ እንከሎ፡ ዋጋ ይውስኽ፤ እናቈራረጸ ክምጽእ እንከሎ ድማ ዋጋኡ ክንኪ ይኽእል” ኢሉ።

ዋጋ ትኬት ክንኪ ድዩ?

ህልዊ ዓለማዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋጋ ትኬት ክንኪ’ዩ ምባል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ እቲ ተንታኒ ይዛረብ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፣ ምኽባር ዋጋ ነዳድን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘለው ጐንጺታትን፡ ዋጋ በረራ ኣብ ቀረባ እዋናት ክንኪ’ዩ ዝብል ግምት ከም ዘየሎ ሰብ ሞያ እቲ ኢንዳስትሪ ይገልጹ።

ፌሊክስ ግን ምናልባት “ድሕሪ ሓደ ዓመት” ዝብል ግምቱ የቐምጥ።

“መገዲታት ኣየር፡ እቲ ዋጋ በቲ ዘለዎ’ዶ ይቐጽል ኣብቲ ዕዳጋ ካልኦት መገዲታት ኣየር ይወሰኹ ዝብል ጸቕጢ ኣለዎም” ዝብል ፌሊክስ፡ ናብቲ ዕዳጋ ተወሰኽቲ ኣማራጺታት ክመጽኡ ምግባር ነቲ ዋጋ ከረጋግኦ’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

“እዚ ኣብ ዓመት፡ ክልተ ጊዜ ዝጉዓዝ ዝነበረ ሓደ ዓሚል ብዕጽፊ ንክጉዓዝ ክገብሮ’ዩ ማለት እዩ። ይኹን’ምበር፡ ዋጋ በረራ ምናልባት ንሓደ ዓመት ኣብ ዘለዎ ዝቕጽል ይመስለኒ። ምኽንያቱ መገዲታት ኣየር መኽሰባቶም ክመልሱ ይደልዩ’ዮም”።

እንተዀነ፡ ዓማዊል ክልተ ኣማራጺታት ተጠቒሞም ዝሓሸ ዋጋ በረራ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ እቲ ሓላፊ ይጠቅስ።

እቲ ሓደ፡ መገዲታት ኣየር ወግዓዊ ዝገብሩዎ ‘ፕሮሞሽናል ፌር’ [መወዓውዒ ዝነከየ ዋጋ] ኰይኑ፡ እቲ ካልእ ድማ እትጉዓዘሉ ግዜ ኣቐዲምኻ ብምትላም ብዝሓሰረ ዋጋ ትኬት ምዕዳግ እዩ።