ኣብረርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ‘ደቂሶም’ እታ ነፋሪት መዕለቢኣ መዕርፎ ኣየር ሓሊፋ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብረርቲ ናይ ሓንቲ ካብ ሱዳን ዝተበገሰት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ “ድቃስ ስዒርዎም” ነቲ ክዓልብሉ ዝግብኦም መዓርፎ ነፈርቲ፡ መገዲ ኣየር ቦሌ፡ ከምዝሓለፍዎ ተገሊጹ።

ነዚ ሓበሬታ ቀዲሙ ዝጸብጸበ ‘ዘ ኣቭየሽን ሄራልድ’፡ ሰኑይ 15 ነሓሰ (ኣ.ኣውሮጳ) ካብ ካርቱም ሱዳን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረ በረራ ዝነበሩ ክልተ ኣብረርቲ፡ ብምኽንያት ድቃስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ንምዕላብ ብራኸ ከምዘይነከዩ ሓቢሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዕለት ኣብ መንጎ እቶም ኣብረርትን ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየርን ርክብ ተቋሪጹ ምንባሩ ከረጋግጽ እንከሎ፣ እቲ ጠንቂ እንታይ ከምዝነበረ ይጻረ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ሎሚ ዓርቢ 19 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብረርትን ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየርን ርክብ ብምንታይ ምኽንያት ከም እተቋረጸ እኳ እንተዘይገለጸ፡ እቲ ዝተጀመረ መርመራ ክሳዕ ዝዛዘም፡ ክልቲኦም ኣብረርቲ እታ ነፋሪት ካብ ስራሕ ከምእተኣገዱ ገሊጹ።

ነፋሪት ቁጽሪ በረራ ኢቲ343 ቦይንግ 737-800 ብ37ሽሕ ጫማ ብራኸ እያ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ትበርር ኔራ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር፡ እታ ነፋሪት ብራኸ ክትንኪ ምእንቲ ነቶም ኣብረርቲ ንምርካብ ዝገበርዎ ተደጋጋሚ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ዘኣቭየሽን ሄራልድ ጸብጺቡ።

ነቶም ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ምላሽ ዘይሃቡ እቶም ኣብረርቲ፡ ኣብ መዕለቢኦም ከምዝበጽሑ ዘመልክት፡ ካብ ስርዓተ በረራ እታ ነፋሪት ብዝወሃብ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ከምእተበራበሩ ተገሊጹ።

‘ኣውቶፓይለት’፡ እታ ነፋሪት ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወሃባ ትእዛዝ፡ ብራኸ፡ ፍጥነትን መስመር በረራን ሓልያ ናብ መዕለቢኣ ክትበርር ዝገብር ስርዓት እዩ።

ኣብ 'ፍላይትራዳር24' ምርኣይ ከምዝከኣል እንተወሓደ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልትታት፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓልታዊ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ በረራ ክፍጽም እንከሎ፣ እቲ በረራ ካብ 1 ሰዓትን 25 ደቓይቕን ክሳዕ 1 ሰዓትን 29 ደቓይቕን እዩ ዝወስድ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 15 ነሓሰ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝበረረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግና ድሕሪ 1 ሰዓትን 49 ደቓይቕን ከምዝዓለበት እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እታ ነፋሪት ብሰላም ክትዓልብ እንከላ፡ እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ሓበሬታ ድሕነት ገያሾ ቅድሚ ኩሉ ዝስራዕ ምዃኑ ሓቢሩ።

‘እቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ’

ንቢቢሲን ካልኦት ዓለም ለኸ ማዕከናት ዜናን ትንተና ዓውዲ መጓዓዝያ ኣየር ዝህብ፡ ኣሌክስ ማቸራስ፡ "ኣብቲ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ፍጻመ ኣዝዩ ዘሻቕል'ዩ" ኢሉ።

"እታ ናብ መዕርፎ ቦታ እናተቐረበት ዝነበረት በረራ ET343 ንምንታይ ብራኸኣ ትሕት ክትብል ዘይከኣላት?" ክብል ድማ ይሓትት።

ድሕሪ ምዝርጋሕ እቲ ጸብጻብ፡ ኣሌክስ ማቸራስ ሓዊሱ ብዙሓት ነቲ ፍጻመ ምስ ድኻም ስራሕ ኣብረርቲ ከምዘተኣሳስርዎ ገሊጾም።

እዚ ተንታኒ ኣቬሽን፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣብረርቲ ዝፍጠር ዘሎ ጸቕጢ ስራሕ፡ ንውሕስነት በረራ ስግኣት ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ሓደጋ ነፋሪት ጀት2 ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ማሕበር ኣብረርቲ መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ (BALP)፡ ሓደጋ ነፋሪት ጄት2፡ ኣብ ልዕሊ ኣብረርቲ ዝህሉ ምድርራብ ስራሕ፡ ንጥዕና ኣብረርቲን ድሕንነት በረራን ኣሉታዊ ኩነታት ይፈጥር ከምዘሎ ከም መርአያ ጠቒሱ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ገሊፁ ነይሩ።