መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መገዲ እንስሳታት የጉዓዕዝ ኣሎ ንዝብል ክሲ ነጺጉ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብህይወት ንዘለው እንስሳታት መሮር ብልዑል ጥንቃቐ ዓለምለኻዊ፣ ኣህጉራዊ፣ ሃገራዊ ሕጋጋትን መምርሒታት ውሽጣዊ ኣሰራርሓን ብምስዓብ ከም ዘጉዓዕዝ ገሊጹ።

እቲ መገዲ ኣየር ነዚ መግለጺ ዘውጽአ፡ ንንግዲ ዝውዕሉ እንስሳታት ዘገዳም ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ከም ዘጓዓዕዝ ሓደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

'ዎርልድ ኣኒማል ፕሮቴክሽን' ዝተሰመየ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ መገዲ ኣየር ካብዚ ተግባር ተቖጢቡ ንእንስሳታት ዘገዳም ምቹእ ክኸውን ኣለዎ ክብል ጸዊዑ።

እቲ መገዲ ኣየር ብወገኑ "ከም ኣባል ዓለምለኻዊ ማሕበር መጉዓዝያ ኣየር፡ ሰብኣውን ሕጋውን ብዝኾነ መልክዕ እዩ ብህይወት ንዘለው እንስሳታት ዘጉዓዕዝ " ብምባል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺጉ።

እቲ ጸብጻብ እንታይ ይብል?

ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ናይ መሮር እንስሳታት ብዝተፈላለዩ መገዲ ኣየራት ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተጓዒዞም ከም ናይ ገዛ እንስሳታት ንምግባር ናብ ዕዳጋ ከም ዝቐርቡ ይነግር።

ቁጽሮም ብርክት ዝበለ ኣጥበውትን ለመም ዝብሉ እንስሳታትን ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዝተጉዓዙ ገሊጹ።

ኣብ ንግዲ እንስሳ ዘገዳም ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናይ መሮር እንስሳታት ብብዝሒ ኣብ ምጉዓዓዝ ዝተዋፈረ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ እቶም እንስሳታት ዝተሓዙሉን ዝጉዓዓዙሉን መገዲ ሕማቕ ምዃኑን ኣብ ብህይወት ዘለው እንስሳታት ኣብ ዝጓዓዓዙሉ እዋን ለበዳ ክኽሰት ከም ዝኽእልን ይሕብር።

ብዙሕ እዋን በቲ መገዲ ኣየር ካብ ዝተጉዓዓዙ እንስሳታት ዘገዳም፡ ጠበቕ፣ ኣባጎብየ፣ ናይ ተመንን ናይ ዕንቅርቢትን ዓሌታት ከም ዝጥቀሱ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

መብዛሕትኦም እቶም ዝተጉዓዓዙ እንስሳታት ዘገዳም ናይ ምጽናት ሓደጋ ዘንጸላለዎም፣ እኹል መረዳእታ ዘይተኣከበሎም ወይውን ቁጽሮም እናጎደሉ ዝመጹ ዘለዉ እዮም ኢሉ።

ዓሌት ህበይ

ምንጪ ስእሊ, World Animal Protection

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቶም እንስሳታት ናብ ጃፓን፣ ደቡብ ኮርያ፣ ታይላንድ፣ ሆንግ ኮንግ፣ ኦማን፣ ማሌዥያ፣ ጀርመን፣ ዓዲ ጥልያንን ብሪጣንያን ናብ ዝርከብወን ሃገራት ኣጓዓዒዙ ኣሎ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ከም ናይ ገዛ እንስሳ ንምግባር፣ ንምዝንጋዕ፣ ንባህላዊ ሕክምናን ንፋሽንን ተባሂሎም ንንግዲ ዝቐርቡ እንስሳ ዘገዳም ምጉዕዓዝ ደው ከብል 'ዎርልድ ኣኒማል ፕሮቴክሽን' ሓቲቱ።

እቲ መገዲ ኣየር ነቶም እንስሳታት ኣብ ዘጓዓዕዘሉ ንዓለምለኻዊ ማሕበር መጉዓዝያ ኣየር (ኣይኤቲኤ) ንዘቐመጦ መምርሒ ከም ዘየኽብር'ውን ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

ኣብቲ ጸብጻብ ዓሌት ኣባጎብየ ዝኾኑ እንስሳ ዘገዳም፡ ብንእሽቶ መትሓዚ ተዓሺጎም ስለ ዝጉዓዓዙ ከም ዝሳቐዩ'ውን ሓቢሩ።

ምላሽ 'ቲ መገዲ ኣየር

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ጸብጻብ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንዝኾነ ዓይነት እንስሳ ዘገዳም ዘጓዓዕዝ ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ብምኽባር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቶም እንስሳታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ተጓዓዒዞም ንዝብል ክሲ ብትሪ ተቓዊሙ።

እቲ መገዲ ኣየር እንስሳ መሮር ቅድሚ ምጉዕዓዙ እቲ ለኣኽን ተቐባልን ሕጋዊ ፍቓድ ከም ዘለዎም ከምኡ'ውን ኣድላዪ ናይ ጥዕና መርመራታት ምግባሮም ከም ዘረጋግጽ ኣፍሊጡ።

ብዘይካ'ዚ እቲ መገዲ ኣየር ነቶም ሓደጋ ምጽናት ዘንጸላለዎም እንስሳታት ዘገዳም ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ክንክን ናብ ዝረኽቡሉ ስፍራ ብምጉዕዓዝ ንሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ሓላፍነቱ ይዋጻእ ምህላው ገሊጹ።