ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሌጎስ ካብ መሐንበቢ መስመር ወጺኣ ከምዝነበረት ተገሊፁ

ፅዕነት ካብ ሞንጎ ዘመላልሳ ቦይንግ 777 መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto

መግለጺ ስእሊ, ፅዕነት ካብ ሞንጎ ዘመላልሳ ቦይንግ 777 መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ካብ መሐንበቢ መስመር ወጺኣ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ስራሕ ከም ዝተመለሰት ተገሊፁ።

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁፅሪ በረራ ኢቲ 3905 ኣብ ናይጄርያ መዓርፎ ነፈርቲ ሌጎስ ምስ በፅሐት፡ ናብ መዕረፊኣ እናኸደት እንከላ ካብ መሐንበቢ መስመር መንገዲ ወጺኣ ከም ዝነበረት ተገሊፁ።

ናብ ካርጎ (ፅዕነት) ተቐይራ ዝነበረት ገዛፍ ነፋሪት ገየሽቲ ቦይንግ 777-300 እቲ ክስተት ምስ ኣጋጠማ ናብ ስርሓ ከም ዝተመለሰት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣረጋጊፁ።

እቲ መገዲ ኣየር ከም ዝገለፆ፡ እታ ነፋሪት ካብ ኣዲስኣበባ ናብ ሌጎስ ፅዕነት ሒዛ ምስ ተጓዓዘት፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሌጎስ ብምዕላብ፡ ናብ መዕረፊ ክተምርሕ ከላ ብፀገማይ ክንፊ እታ ነፋሪት ዝርከብ ጎማ፡ ካብቲ ኣስፓልቲ ወጺኡ።

እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድማ ፀጋማይ ጎማ እታ ነፋሪት፡ ኣብ ጭቃ ተረግሪጉ የርእይ።

በዚ ምኽንያት እቲ መገዲ ኣየር ዘውፅኦ መግለፂ፡ እታ ነፋሪት ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከይበፅሓ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመለሰት ሓቢሩ።

እቲ መገዲ ኣየር ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ሌጎስ ንዝገበርዎ ድጋፍ ኣመስጊኑ፤ እንተኾነ እታ ነፋሪት ካብቲ ኣስፓልቲ ክትወፅእ ዝገበራ ምኽንያት ኣይገለፀን።

'ፍላይት ግሎባል' ዝተብሃለ ድረ ገፅ ድማ፡ እዚ ክስተት ምስ ኣጋጠመ፡ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝነበረ ሓበሬታ ሜትሮሎጂ፡ ዝኾነ ዓይነት ዘፀግም ኩነታት ኣየር ምንባሩ ኣየርኣየን ኢሉ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁፅሪ ገየሽቲ ብምንካዩ፡ ብዙሓት ነፈርቲ ተጉዓዝቲ ፅዕነት ከግዕዛ ከም ዝቐየረን ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።