መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ታርታ 200 ብሉጻት መገዲ ኣየራት መበል 20 ተሰሪዑ

የኢትዮጵያ አየር መንገድ አውሮፕላን

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጉዓዓዞ ብዝሒ ገያሾ ካብ ብሉጻት 200 መገዲ ኣየራት ኣብ መበል 20 ተርታ ምስርዑ ዓለምለኻዊ ማሕበር መጉዓዝያ ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር ነቲ ደረጃ ዝረኸበ ንልዕሊ 16 ሚልዮን ገያሾ ኣገልግሎት ብምሃቡ ከም ዝኾነ እቲ ማሕበር ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ገሊጹ።

ብመሰረት እዚ መዐቀኒ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተሰርዐ መገዲ ኣየር ኤምሬትስ ኮይኑ ንልዕሊ 78 ሚልዮን ገያሾ ኣገልግሎት ሂቡ።

መገዲ ኣየር ኣየርላንድ ራይኔይር ልዕሊ 64 ሚልዮን፣ መገዲ ኣየር ቐጠር ድማ ልዕሊ 57 ሚልዮን ገያሾ ብምጉዕዓዝ ኣብ መበል ካልኣይን ሳልሳይን ተርታ ተሰሪዖም ኣለው።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ካብ ዝሃሰዮ ዓውድታት ሓደ መጉዓዝያ ኣየር ኮይኑ፤ ብዙሓት መገዲ ኣየራት ሰራሕተኛታት ካብ ምጉዳል ክሳዕ ምሉእ ብምሉእ ስራሕ ደው ምባል በጺሖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ መገዲ ኣየራት ኣብ ቅልውላው ክኣተውን ስራሕ ደው ከብሉን ክግደዱ እንከለው፤ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግና ነቲ ከቢድ እዋን ጽዕነት ኣብ ምምልላስ ኣድሂቡ ብምስራሕ ክሰግሮ ከም ዝኸኣለ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መጉዓዝያ ኣየር ብዝፈጠሮ ጽልዋ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝሰኣነ ተገሊጹ እዩ።

እቲ ለበዳ ኣብ ታሪኽ መገዲ ኣየራት ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ከም ዘስዓበ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ልዕሊ 90% ናይ ገያሾ በረራታት ደው ኢሉ ምንባሩ ዝሓበረ ኣቶ ተወልደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ክሳብ ሰነ እቲ ትካል ካብ ምጉዕዓዝ ገያሾ ክረኽቦ ዝግባእ ከባቢ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝሰኣነ ገሊጹ።

ኣብዚ ምስ ስግኣት ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ድሕነት ገያሾ ኣሻቓሊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን'ውን እቲ መገዲ ኣየር ኣድላዪ ለውጥታት ብምግባር ድሕነት ገያሾ ምርግጋጽ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ምዃኑ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ብዕብየቱ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ንገያሾ መድሕን ጥዕና ኮቪድ-19 ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ 'ሼባ ኮምፎርት' ዝተሰመየ ውሕስነት ገያሾ ኣብቲ መገዲ ኣየር ተሳፊሮም ኣብ ጉዕዞኦም ብኮቪድ-19 ምስ ዝልከፉ ክሳዕ 100,000 ብር ዝበጽሕ ናይ ሕክምና ወጻኢታቶም ክሽፍነሎም እዩ።

ብዘይካ'ዚ ንመወሸቢ ን14 መዓልትታት፡ መዓልታዊ 150 ዩሮ ከም ዝሽፍነሎም ካብቲ መገዲ ኣየር ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብ1945 እዩ ብስርሓት ኣመሪካ ብዝኾና ነፈርቲ ስርሑ ጀሚሩ።