ቃላይ ጣና፡ 13 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ዝተሰወረት ጃልባ ኣስክሬን 7 ሰባት ተረኺቡ

ቃላይ ጣና

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ማእኸል ጎንደር ወረዳ ደንቢያ 13 ዝኾኑ ሰባት ኣሳፊራ ኣብ ቀላይ ጣና ዝተሰወረት ጃልባ ተሳፊሮም ናይ ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ኣስክሬን ተረኺቡ።

ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ንምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኮማንደር ቸርነት ኣስማረ ጸሪሑ ከም ዝጸብጸቦ እታ ጃልባ ሓደጋ ከም ዘጋጠማን፤ በዚ ሓደጋ ህይወቶም ዝጠፍአ ሰባት ድሕሪ ንክልተ መዓልታት ዝተገብረ ኣለሻ ከም ዝተረኽበን ገሊጹ።

እቲ ኣስክሬን ሎሚ ንጉሆ ኣብ ሞንጎ ጎርጎራን ኣዲስ ድንጌን ዝተባህለ ጣብያን ዝርከብ ቀላይ ብማዕበል ተደፊኡ ተንሳፊፉ ከም ዝተረኽበ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ናይቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ሰባት ኣስክሬን ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝቐጸለ እቲ ኮማንደር ተዛሪቡ ኣሎ።

ምኽንያት እቲ ሓደጋ ዘጻሪ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ መርመራ ከም ዝተጀመረ'ውን ተገሊጹ።

እዛ ንኡሽቶ ጃልባ ለይቲ 9 ሓምለ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጉዕዞ ከም ዝጀመረት ክግለጽ እንከሎ፡ ኣዲሰጌ ድንጌ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ጣብያ ኣባን ናብ ጎርጎራ እናተጉዓዘት እንከላ'ያ ተሰዊራ።

ካብ መበገሲ ክሳብ መወዳእታ ዘሎ ጉዕዞ ማይ 15 ኪሎ ሜትሮ ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ።

ፖሊስ ካብ ኣባላት ስድራ ረኺበዮ ብመሰረት ዝበሎ ሓበሬታ እቶም ተጉዓዝቲ ለይቲ ድንሽ ጽዒኖም ኣብታ ጃልባ ዝተሳፈሩ ኮይኖም፡ መወዳእትኦም ናብ ወደብ ጎርጎራ እዩ ነይሩ ኢሉ።

ይኹን'ምበር ኣብቲ ዝሓሰቡዎ ቦታ ከይበጽሑ እንከለው'ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ቑጽሪ ተጉዓዝቲ ካብ 10 ክሳብ 13 ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ክግመት እንከሎ መንነትን ሽምን መብዛሕትኦም ግዳያት ከም ዝተፈልጠ ተሓቢሩ።

እዋን ክራማት ስለዝኾነ፡ ብሓያል ማዕበል ተወሲዶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ወይ ድማ፡ ብበዝሒ ጽዕነት'ታ ጀልባ ንቑልቁል ጥሒላ ክትከውን ከም እትኽእል እቲ ኮማንደር ግምቱ ኣስፊሩ ነይሩ።

እቲ ኮማንደር ወሲኹ'ውን፡ እቶም ሰባት ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ድማ ዝማህመነ ከም ዝኾነ ገሊጹ።