ሴካፋ ትሕቲ 23፡ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንጽባሕ ቀዳም ተሳሒቡ

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት

ምንጪ ስእሊ, Embassy of the state of Eritrea in Addis Ababa

ኣብቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝካየድ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ግጥም ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኣአንጋዲት ሃገር ኢትዮጵያን ብሃንደበት ካብ ሰንበት ንጽባሕ ቀዳም ከምዝተሰሓበ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ፌስብክ ገጹ ሓቢሩ።

እቲ ኢምባሲ "በዚ ዝተገበረ ሃንደበታዊ ዳግመ ስርርዕ መኽፈቲ ግጥማት ሃገራዊት ጋንታና ቀዳማይ ናይ ምድብ ሓደ ግጥማ ቀዳም 17 ሓምለ ሰዓት 4፡ 00 ድ/ቀ. ኣብ ኣህጉራዊ ስታድዩም ባህርዳር ኣንጻር ኣአንጋዲት'ቲ ግጥም ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ትሕቲ 23 ዓመት ከተካይድ'ያ" ኢሉ።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሎሚ 16 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ መዕረፊ ሆቴሎም ናይ ኮቪድ መርመራ ከምዝተኻየደሎም ሓቢሩ።

ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት 2021 ኣብ ኢትዮጵያዊት ከተማ ባህርዳር እዩ ክካየድ፡ ካብ 18 ክሳብ 31 ሓምለ ክካየድን መኽፈቲ እቲ ግጥም ዕለት 18 ሓምለ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሞንጎ ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሞንጎ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጸወታ ክካየድ ምዃኑን እዩ መደብ ወጺኡ ነይሩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብዚ ግጥም እዚ ንምስታፍ ብረቡዕ ናብ ከተማ ባህርዳር ምእታዋ ይዝከር።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር: ኣብ ሰለስተ መድብ ተኸፊለን ትሽዓተ ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን።

ኣብ ምድብ ሓደ ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳ: ታንዛንያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን።

ኣብ ምድብ ክልተ ኣአንጋዲት ሃገር ኢትዮጵያ፡ ብሩንድን ኤርትራን።

ኣብ ምድብ ሰለስተ ኸኣ ሃገራውያን ጋንታታት ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ተመዲበን ኣለዋ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ እዩ ክህልዋ።

ኣአንጋዲት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ'ውን ብተመሳሳሊ ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታ ኣንጻር ሃገራዊት ብሩንዲ ክህልዋ እዩ።

ውድድራት ሴካፋ ንሃገራውያን ጋንታታት ብሩንዲ፤ ጅቡቲ፤ ኤርትራ፤ ኢትዮጵያ፤ ኬንያ፤ ሶማልያ፤ ሱዳን፤ ደቡብ ሱዳን፤ ታንዛንያ፤ ኡጋንዳን ዛንዚባርን ዝሓቁፍ ኮይኑ፤ ሃገራውያን ጋንታታት ሶማልያ፡ ሱዳንን ዛንዚባርን ግን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ኣይሳተፋን እየን ዘለዋ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር፡ ሃገራዊት ጋንታ ዲሞክራስያዎት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዕድምቲ ኮይና እያ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ዘላ።

ኣብ 2019 ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሴካፋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ከምዝተዓወተትሉ ዝዝከር ኮይኑ: ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ፍጻመ ብሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ 3 ብ 0 ተሳዒራ ተሸላሚት ብሩር መዳልያ ኮይና እያ ውድድራ ዛዚማ ነይራ።