ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020፡ ኤርትራ ብ13 ኣትሌታት ክትውከል እያ

ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ካልኦትን

ምንጪ ስእሊ, Eritrean Ministry of Information

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ካልኦትን

ኣብቲ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ 2021 ኣብ ቶክዮ ጃፓን ዝካየድ ዓለምለኻዊ ውድድር ኦልምፒክ፡ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 13 ኣትሌታት ንኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ እዮም።

ኤርትራ ኣብቲ ውድድር ብጉያ፡ ምሕንባስን ቅድድም ብሽክለታን እያ ክትሳተፍ።

ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዕውት ናይ ግዜ ውድድር ቅድድም ብሽክላታ ኤርትራ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኒኤል ገብረእግዝኣብሄርን ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2019 ሞሳና ደበሳይን እያ ተወኪላ ዘላ።

ኤርትራ ብቅድድም ብሽክለታ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክስ ክትሳተፊ እዚ ንካልኣይ ግዜኣ ኮይኑ፡ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2012 ኣብ ሎንዶን ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ሳምሶም ሰለሙን'ውን ኣሰልጣኒ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኮይኑ ተመሪጹ ኣሎ።

መርሃዊ ቅዱስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣብ ኦሎምፒክ ክወዳደር ምሕራዩ ዓቢ ሓጎስ ከምዝተሰመዖን ምስ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ብምዃን ምድላዋቶም ኣጻፊፎም ከምዘለዉን ኣካፊሉና።

"ኣብ ኦሎምፒክ ክሳተፍ እዚ ናይ መጀመርታይ እዩ፡ ሓደ ኣትሌት ክወዳደሮ ኣለኒ ኢሉ ዝሓልሞ ጥርዚ ናይ ስፖርታዊ ኦሎምፒክ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ናብዚ ምብቀዐይ ኣዝየ ሕጉስ'የ" ኢሉ።

ኤርትራ፡ ኣብ 3000 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዩ ብኣትሌት የማነ ሃይለስላሰ ክትውከል እንከላ ኣብ 5000 ኸአ ኣትሌት ራሄል ዳንኤልን ወይኒ ቐሊትን ክትወከል እያ።

ኣብ ናይ 10 ሽሕ ውድድር ጉያ ብኣትሌት ኣሮን ክፍለ ክትውከል እንከላ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ብኣትሌት ዶልሺ ተስፉን ኣትሌት ወይኒ ቐላትን ክትሳተፍ እያ።

ኣብ ማራቶን ኮኾብ ተስፋጋብርን ናዝሬት ወልዱን ክወዳደራ እየን።

ኣብ ውድድር ምሕንባስን'ውን ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ እያ ኣብ ኦሎምፒክ ትወዳደር ዘላ ኮይና: ሓምባሲ ዳንኤል ክርስትያን ኣብ 200 ሜትሮ ንኤርትራ ወኪሉ ክወዳደር እዩ።

ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2000 ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ እያ ክትሳተፍ ጀሚራ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብ 2000 ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ 5000 ሜትሮ ብኣትሌት ቮላታ ኣስመሮም ኣብ ናይ 10 ሽሕ ኸኣ ብኣትሌት ዮናስ ክፍለ እያ ተሳቲፋ።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ነብያት ሃብተማርያም ኣብ ናይ 5000 ሜትሮ ንኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ውድድር ተሳቲፋ ነይራ።

ኤርትራ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክስ ሓንቲ መዳልያ እያ ኣብ ከብሓ ዘላታ።

ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክስ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሳልሳይ ኮይኑ ብምውጻእ ንዕኡን ንሃገሩን ነሓስ መዳልያ ምግዛሙ ይዝከር።

ፕረዚደን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ: ነዞም ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ሎሚ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ [ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ] ረኺቡ ሰናይ ትምኒቱ ከምዝገለጸሎም ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።