ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020፡ ኤርትራ ብ13 ኣትሌታት ክትውከል እያ

ምንጪ ስእሊ, Eritrean Ministry of Information
ኣብቲ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ 2021 ኣብ ቶክዮ ጃፓን ዝካየድ ዓለምለኻዊ ውድድር ኦልምፒክ፡ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 13 ኣትሌታት ንኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ እዮም።
ኤርትራ ኣብቲ ውድድር ብጉያ፡ ምሕንባስን ቅድድም ብሽክለታን እያ ክትሳተፍ።
ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዕውት ናይ ግዜ ውድድር ቅድድም ብሽክላታ ኤርትራ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኒኤል ገብረእግዝኣብሄርን ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2019 ሞሳና ደበሳይን እያ ተወኪላ ዘላ።
ኤርትራ ብቅድድም ብሽክለታ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክስ ክትሳተፊ እዚ ንካልኣይ ግዜኣ ኮይኑ፡ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2012 ኣብ ሎንዶን ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ሳምሶም ሰለሙን'ውን ኣሰልጣኒ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኮይኑ ተመሪጹ ኣሎ።
መርሃዊ ቅዱስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣብ ኦሎምፒክ ክወዳደር ምሕራዩ ዓቢ ሓጎስ ከምዝተሰመዖን ምስ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ብምዃን ምድላዋቶም ኣጻፊፎም ከምዘለዉን ኣካፊሉና።
"ኣብ ኦሎምፒክ ክሳተፍ እዚ ናይ መጀመርታይ እዩ፡ ሓደ ኣትሌት ክወዳደሮ ኣለኒ ኢሉ ዝሓልሞ ጥርዚ ናይ ስፖርታዊ ኦሎምፒክ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ናብዚ ምብቀዐይ ኣዝየ ሕጉስ'የ" ኢሉ።
ኤርትራ፡ ኣብ 3000 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዩ ብኣትሌት የማነ ሃይለስላሰ ክትውከል እንከላ ኣብ 5000 ኸአ ኣትሌት ራሄል ዳንኤልን ወይኒ ቐሊትን ክትወከል እያ።
ኣብ ናይ 10 ሽሕ ውድድር ጉያ ብኣትሌት ኣሮን ክፍለ ክትውከል እንከላ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ብኣትሌት ዶልሺ ተስፉን ኣትሌት ወይኒ ቐላትን ክትሳተፍ እያ።
ኣብ ማራቶን ኮኾብ ተስፋጋብርን ናዝሬት ወልዱን ክወዳደራ እየን።
ኣብ ውድድር ምሕንባስን'ውን ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ እያ ኣብ ኦሎምፒክ ትወዳደር ዘላ ኮይና: ሓምባሲ ዳንኤል ክርስትያን ኣብ 200 ሜትሮ ንኤርትራ ወኪሉ ክወዳደር እዩ።
ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2000 ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ እያ ክትሳተፍ ጀሚራ።
ኣብ 2000 ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ 5000 ሜትሮ ብኣትሌት ቮላታ ኣስመሮም ኣብ ናይ 10 ሽሕ ኸኣ ብኣትሌት ዮናስ ክፍለ እያ ተሳቲፋ።
ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ነብያት ሃብተማርያም ኣብ ናይ 5000 ሜትሮ ንኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ውድድር ተሳቲፋ ነይራ።
ኤርትራ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክስ ሓንቲ መዳልያ እያ ኣብ ከብሓ ዘላታ።
ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክስ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሳልሳይ ኮይኑ ብምውጻእ ንዕኡን ንሃገሩን ነሓስ መዳልያ ምግዛሙ ይዝከር።
ፕረዚደን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ: ነዞም ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ሎሚ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ [ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ] ረኺቡ ሰናይ ትምኒቱ ከምዝገለጸሎም ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







