ኤርትራ፡ ዳዊት የማነ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓመተ 2021 ኮይኑ
![ቻምፕዮን ኤርትራ 2021 ዳዊት የማነ [ማእከላይ] መርሃዊ ቅዱስ [ጸጋማይ] ከምኡ'ውን መትከል እዮም [የማናይ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/1746D/production/_119114359_shabait.png.webp)
ምንጪ ስእሊ, Shabait
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጽርግያ ውድድር ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዓመተ 2021 ዳዊት የማነ ቻምፕዮን ክኸውን እንከሎ ካብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ከኣ ተቐዳዳማይ ጋንታ ሰምበል ኤፍሬም ገብረህይወት ቀዳማይ ኮይኑ።
25 ሰነ ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ብናይ ደቂ ኣንስትዩን ደቂ ተባዕትዩን ዝጀመረ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2021 ትማሊ'ዩ ተዛዚሙ።
እቲ ናይ ትማሊ ውድድር ኣብ መስመር ሳላዕዳዕሮ-መንደፈራ-ሰላዕዳዕሮ ዝተካየደ ኮይኑ 155 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን'ዩ ነይሩ።
ካብ ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስቤኮ ዳዊት የማነ ንውድድሩ ብሰለስተ ሰዓት፡ 48 ደቂቕን 42 ካልኢትን ብምዝዛም ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓመተ 2021 ኮይኑ ተሸሊሙ።
ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስን ካብ ጋንታ ኣስታን መትከል እዮብን ካብ ጋንታ ትረንጋጉ ብቅደም ተኸተል ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ሰምበል ኤፍሬም ገብረህይወት ንውድድሩ ብሰለስተ ሰዓት 50 ደቒቕን 3 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኤሪቴል ጰጥሮስ መንግስ ካልኣይ ሃገር ዓንደማርያም ካብ ጋንታ ኤሪቴል ሳልሳይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።
1998 ዝተወለደ ዳዊት የማነ: ብመሰረት እዚ ናይ ትማሊ ውጽኢት፡ ንምሉእ ዓመት ኣብ ዘካይዶ ውድድራት ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ እዚ ዓመት ምዃኑ ዝሕበር ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቐበ ማልያ ገይሩ እዩ ውድድራቱ ከካይድ።
ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ከምዝተኻየደ ወደብቲ እቲ ውድድር ንቴሌቪዥን ኤሪ ቲቪ ሓቢሮም።
ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኤርትራ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ
2020፡ ብምኽንያት ኮረና ውድድር ኣይተኻየደን
2019: ናትናኤል ብርሃነ
2018: መርሃዊ ቅዱስ
2017: ሜሮን ብርሃነ
2016: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
2015: ናትናኤል ብርሃነ
2014: ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር
2013: ሜሮን ተሾመ
2012: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
2011: ፍረቃልሲ ደበሳይ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel
ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ምስ ጋንታ ኣስታና ዝወዳደር ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ካብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ኣድያም ተስፋለም ተዓዊታ።
ካብ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ-ተባዕትዮ ጴጥሮስ መንግስ፡ ካብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ዳናይት ፍጹም ክዕወቱ እንከለዉ፡ ካብ ማእከላይ ዕድመ፡ ጁንየር፡ ድማ ሚልክያስ ቅዱስን ሞናሊዛ ኣርኣያን ቀዳሞት ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ መንገዲ ኩትሞኣውሊዕ-ሕምብርቲ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ተቐዳዳማይ ባይክ አይድ መኽሰብ ደበሳይ ካልኣይ: ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስቤኮ ዳዊት የማነ ኸኣ ሳልሳይ ኮይኖም ውድድሮም ከምዝዛዝሙ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
መርሃዊ ቅዱስ ክሳብ ዝምጽእ ዓመት ኣብ ዝገብሮ ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ሃገሩ ቻምፕዮን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ዝሕብር ምልክታ ባንዴራ ዘለዋ ማልያ ገይሩ እዩ ውድድሩ ከካይድ።

ምንጪ ስእሊ, Luc Claessen
ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ዝኾኑ
2020፡ ብምኽንያት ኮረና ውድድር ኣይተኻየደን
2019: ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሁር
2018: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
2017: መኽሰብ ደበሳይ
2016: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
2015: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
2014: ናትናኤል ብርሃነ
2013: መትከል ክፍላይ
2012: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
2011: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







