ብሽክሌታ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሓሙሻይ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ

ሄኖክ ሙሉበርሃን

ምንጪ ስእሊ, Henok Mulubrhan

ወዲ 21 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቲም ኩቤካ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ዓመተ 2021 ብዘመዝገቦ ዓወታት ዝተመሰጠት ጋንትኡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2022 ጀሚሩ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ ምስ ዓባይ ጋንታ ቲም ኩቤካ ውድድሩ ከካይድ ከም ዘፈረመቶ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ሓቢሩ።

ሄኖክ "ዓመተ 2021 ቀዳዊተይ ዓመት'ያ ነይራ" ድሕሪ ምባል "ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ምዃን ካብ ወዲ 17 ዓመት እንከለኹ ዝጸዓርክሉ'ዩ: ሕጂ ድማ እነሆ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ በጺሐዮ" ኢሉ።

እታ ጋንታ ምስቶም ፕሮፈሽናላት ተጻወትቲ ሕጂ'ውን ተጻውቶ ከም ዘላ ብምሕባር: ወግዓዊ ውዕሉ ግን ካብ 1 ጥሪ 2022 ከም ዝጅምርን ምስታ ጋንታ ክሳብ ጥሪ 2024 ንምጽናሕ ከም ዝኸተመን ንቢቢሲ ገሊጹ።

Skip Facebook post

Content is not available

View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of Facebook post

ኣብ ኤርትራ ኣቐዲሞም ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነ፣ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄርን መርሃዊ ቅዱስን ምስ ኣብ ዎርልድ ቱር ዝጻወታ ጋንታታት ብምጽንባር ፕሮፌሽናላት ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ ኮይኖም ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ሓሙሻይ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ ኣሎ።

ሄኖክ: ኣብ ናይ ትሕቲ 21 ዓመት ጂሮ ዲ ኢጣልያ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ሳልሳይ ወጺኡ ምንባሩን: ኣብቲ ውድድር ምስ ቀዳማት 10 ኮይኑ ንኽውድእ ደቂ ጋንትኡ ምሉእ ደገፍ ይገብርሉ ከም ዘለዉ ኣብቲ እዋን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ 2021: ኣብ ውድድራት ጂሮ ዲልከ ማዲዩ በረንታ፤ ጊሮ ዲሊ ኣፐኒኖ፡ ትረፊኖ ቪዛን ጊሮ ዲል ብለቭረድን ምስ ጋንትኡ ኮይኑ ብምውድዳር ዘዕግብ ውጽኢት ከምጽእ ክኢሉ እዩ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ኦስትርያ 24 መስከረም 2018 ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር እናኣካየደ

ምንጪ ስእሊ, Tim de Waele

መግለጺ ስእሊ, ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ኦስትርያ 24 መስከረም 2018 ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር እናኣካየደ

ናቱ ዓወት ነቶም ትሕቲኡ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዘተባብዕ ከም ዝኾነ ብምሕባር "ንኹሎም ናብዚ ክበጽሕ ዝተመነኹሙለይ፣ ዘተባባዕኩሙኒን ዝሓገዝኩሙንን ከምኡ ኸኣ ንኹሉኹም ደገፍተይ ሕጉስ ኢለ ኣለኹ ሕጉስ በሉ" ኢሉ።