ዙር ርዋንዳ 2021፡ ኤርትራዊ ቶማስ ጎይትኦም ኣብ 4ይ መድረኽ 4ይ ወጺኡ

ምንጪ ስእሊ, Tour de Rwanda
ሎሚ ካብ ኪጋሊ ናብ ሙሳነዘ ዝተኻየደ 123.9 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ራብዓይ መድረኽ፡ ተቐዳዳማይ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ ፌሮን ቫላንቲኒ ብ3 ሰዓት፡ 13 ደቃይቕን 43 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ኮይኑ።
ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቶማስ ጎይትኦም ካብ ፌሮን ቫላንቲኒ ብ18 ካልኢት ድሒሩ ብምእታው ራብዓይ ኮይኑ ውድድሩ ብምዝዛም ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝበለጸ ግዜ ኣመዝጊቡ'ሎ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ራብዓይ መድረኽ ቅድድም፡ ናሆም ዘርኣይ መበል 20፡ መሓሪ ተወልደ መበል 28፡ ሴላ ወልደሚካኤል መበል 32 ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ኤርትራዊ ናሆም ዘርአይ ብሉጽ መንእሰይ ብምዃን ተሸሊሙ ነይሩ'ዩ።
ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ኣርባዕተ መድረኻት ተወዳደርቲ 513.6 ኪሎሜትር ሸፊኖም ኣለዉ።
ብሓፈሻ፡ ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ኣርባዕተ መድራኻት፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ መደሊን ሳንቸዝ ቬርጋራ ን513.6 ኪሎሜትር ብ13 ሰዓት፡ 20 ደቒቕን፡ 18 ካልኢትን ቀዳማይ ኮይኑ ብጫ ማልያ ክውንን እንከሎ፡ ኤርትራዊ መትከል እዮብ 9ይ፡ ናሆም ዘርኣይ ኸኣ 10ይ ተሰሪዖም ኣለዉ።
ንናይ ዓቐብ ማልያ፡ ተቀዳዳማይ ጋንታ ታርቴሌቶ፡ ታወግለስ ለኔርት ብ35 ንጥቢ ክመርሕ እንከሎ፡ ኤርትራዊ መሓሪ ተወልደ ብ19 ነጥቢ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብቲ ንዝበለጸ ሸዃዃይ እትወሃብ ማልያ ድማ፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ታርቴሌቶ፡ ታወግለስ ለኔርት ብ22 ነጥቢ ቀዳማይ፡ ኤርትራዊ ቶማስ ጎይትኦም ብ8 ነጥቢ ኣብ 2ይ፡ መሓሪ ተወልደ'ውን 2 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ሻዱሻይ ተርታ ተሰሪዑ ኣሎ።
ንዝበለጸ መንእሰይ ኣብ እትውሃብ ማልያ፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሪዖም ኣለዉ። ናሆም ዘርኣይ ቀዳማይ፡ ሴላ ወልደሚካኤልን መሓሪ ተወልደን ብቕደም ተኸተል ሻዱሻይን ሻወዓይን ተሰሪዖም ኣለዉ።
ንዘበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኣብ ዝውሃብ ማልያ'ውን ኣርባዕተ ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሪዖም ኣለዉ። መትከል እዮብን ናሆም ዘርኣይን ቀዳማይን ካልኣይን፡ ሴላ ወልሚካኤልን መሓሪ ተወልደን ተኸታቲሎም 5ይን 7ይን ብምዃን ተሰሪዖም ኣለዉ።
ብሰንበት ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ቱራት፡ ዙር ርዋንዳን ኣብ ጋቦን ዝካየድ ትሮፒካል ኣሚሳ ባንጎን ጥራይ'ዮም ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎም።
እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ኮይኑ፡ ተቐዳደምቲ ድሮ 4 መድረኻት ዛዚሞም ኣለዉ።
ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሲራክ ተስፎም፡ ሴላ ወልደሚካኤል፡ ኖሆም ዘርኣይ፡ መሓሪ ተወልደን ቶማስ ጎይትኦምን እያ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ዘላ፡ ከምኡ'ውን መትከል እዮብ ምስ ጋንትኡ ትረንጋኑ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ይሳተፍ ብምህላዉ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ዙር ርዋንዳ ብሓፈሻ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለዉ።
ኣብ ዙር ርዋንዳ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ኸኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕውታት እቲ ውድድር ብምዃን ብጫ ማልያ ከምዝወነኑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ምስ ዝዕወተሉ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንዙር ርዋንዳ ኣከታቲሎም ሰለስተ ዓመት ብምዕዋት ታሪኽ ክሰርሑ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Tour du Rwanda/Twitter
ኣብ 2010'ውን ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ዕዉት ዙር ርዋንዳ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር።
ተቐዳዳመቲ ብሕጂ ተሪፍዎም ዘሎ ሓሙሽተ መድረኻት
ሓሙሻይ መድረኽ፡ ካብ ንያጋታረ ናብ ኪጋለ 149.3 ኪሎ ሜተር
ሻዱሻይ መድረኽ፡ ካብ ኪጋሊ ናብ ማውንት ኪጋሊ 152.6 ኪሎ ሜትር
ሻውዓይ መድረኽ፡ ኣብ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4.5 ኪሎ ሜተር ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር
ሻሙናይን ናይ መወዳእታን መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ዝካየድ ናይ 75.3 ኪሎ ሜትር።
ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወቱሉ ተቐዳደምቲ
2020: ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን
2019: ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ
2018: ርዋንዳዊ ሳሙኤል ሙጉሻ
2017: ርዋንዳዊ ጆፍ ኣረሩያ
201:6 ርዋንዳዊ ቫለንስ ንዳይሰንጋ
2015: ርዋንዳዊ ጅን ባስኪ ንስንጊማና
2014: ርዋንዳዊ ቫክንስ ንስንጊማና
2013: ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳይላን ግሪድለስቶን
2012: ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳረን ሊል
2011: ኣመሪካዊ ኬል ረይጀን
2010: ኤርትራዊ ዳንኤል ተክለሃይማኖት





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







