ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ኤርትራዊ ናሆም ዘርአይ ብሉጽ መንእሰይ ብምዃን ተሸሊሙ

ኣርማ ዙር ርዋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Tour de Rwanda

መግለጺ ስእሊ, ኣርማ ዙር ርዋንዳ

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ: ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዓወት ኣመዝጊቦም።

ሎሚ ካብ ከተማ ንያንዛ ናብ ጊኩምቢ ኣብ ዝተኻየደ 171.3 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ: ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቢ ኤንድ ቢ ንውድድሩ ብ4 ሰዓት፡ 23 ደቒቕን፡ 57 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ምስ ጋንታ ትረንጋኑ ዝወዳደር ኤርትራዊ መትከል እዮብ ግዜ ከይከሰረ ሓሙሻይ ብምውጻእ ውድድሩ ወዲኡ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር: ናሆም ዘርኣይ መበል 12፡ ሴላ ወልደሚካኤል መበል 13: መሓሪ ተወልደ መበል 23: ቶማስ ጎይትኦም መበል 51 ደረጃ ሒዞም ኣለዉ።

ኣብዚ ሰለስተ መድረኻት ኣሰላሲሉ ዘሎ ዙር ርዋንዳ፡ ተቐደዳማይ ጋንታ መደሊን ሳንቸዝ ቨርጋራ ብረያን ንውድድሩ ብ10 ሰዓት፡ 5 ደቒቕን 2 ካልኢትን ብምዝዛም ይመርሕ ኣሎ።

ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ ድማ: ኤርትራዊ መትከል እዮም ምስ ናይ ሳንቸዝ ተመሳሳሊ ግዜ ብምምዝጋብ ኣብ 9ይ ደረጃ፡ ናሆም ዘርኣይ ኸኣ ካብ ሳንቸዝ ሽዱሽተ ካልኢት ድሒሩ ኣብ 10ይ ደረጃ ተሰሪዑ።

ንዝበለጸ መንእሰይ ኣብ እትውሃብ ማልያ፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሩዖም ኣለዉ።

ናሆም ዘርኣይ ክሳብ ሕጂ ንዝተኻየደ ሰለስተ መድረኻት ብ10 ሰዓት፡ 5 ደቒቕን፡ 08 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ፡ ኤርትራዊ ሴላ ወልደሚካኤልን መሓሪ ተወልደን ኸኣ ብቕድም ተኸተል ሻዱሻይ ሻውዓይን ደረጃ ተሰሪዖም ኣለዉ።

ኣብቲ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ እትውሃብ ማልያ'ውን ኣርባዕተ ኤርትራውያን ምስ ቀዳማት ዓሰርተ ተሰሪዖም ኣለዉ።

መትከል እዮብን ናሆም ዘርኣይን ብቕደም ተኸተል ቀዳማይን ካልኣይን ክኾኑ እንከለዉ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ማይን ኬንት ካብ መትከል እዮብ ብ58 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ሳልሳይ ይርከብ።

ኣብቲ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ዝውሃብ ሽልማት ኤርትራውያን ሴላ ወልደሚካኤልን መሓሪ ተወልደን'ውን ተኸታቲሎም ሓሙሻይን ሻዱሻይን ተሰሪዖም ኣለዉ።

ኣብ 2019 ንዙር ርዋንዳ ዝተዓወተሉ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ

ምንጪ ስእሊ, Heinz Zwicky

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2019 ንዙር ርዋንዳ ዝተዓወተሉ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ

ንዕዉት ሓኳሪ ኣብ እትውሃብ ማልያ ድማ: ተቐዳዳማይ ጋንታ ታርተልቶ ፡ ታውግለስ ሌናርት 21 ነጥቢ ብምውህላል ይመርሕ ኣሎ።

ንዝበለጸ ሸዃዃይ (ቮላችስታ) ኣብ እትውሃብ ማልያ ተቐዳዳማይ ጋንታ ታርተልቶ ፡ ታውግለስ ሌናርት 14 ነጥቢ ብምውህላል ክውንና እንከሎ፡ ኤርትራዊ መሓሪ ተወልደ ድማ ብ4 ነጥቢ ኣብ ሻዱሻይ ታርታ ተሰሩዑ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ሰለስተ መድረኻት: ጋንታ ቤ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ንውድድራ ብ30 ሰዓታትን 15 ደቂቕን 50 ካልኢትን ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ: ኤርትራ ካብ ቀዳመይቲ ብ7 ደቂቕን 57 ካልኢትን ድሒራ ኣብ ሻዱሻይ ተርታ ተሰሪዓ ኣላ።

ብሰንበት ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ኮይ:ኑ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ቱራት ዙር ርዋንዳን ኣብ ጋቦን ዝካየድ ትሮፒካል ኣሚሳ ባንጎን ጥራይ'ዮም ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎም።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ኮይኑ፡ ተቐዳደምቲ ድሮ ንሰለስተ መድረኻት ዛዚመሞ ኣለዉ።

ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሲራክ ተስፎም፡ ሴላ ወልደሚካኤል፡ ኖሆም ዘርኣይ፡ መሓሪ ተወልደን ቶማስ ጎይትኦምን እያ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ዘላ፡ ከምኡ'ውን መትከል እዮብ ምስ ጋንትኡ ትረንጋኑ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ይሳተፍ ብምህላዉ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ዙር ርዋንዳ ብሓፈሻ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለዉ።

ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2020 ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን

ምንጪ ስእሊ, TourDuRwanda2020

መግለጺ ስእሊ, ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2020 ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን

ኣብ ዙር ርዋንዳ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ኸኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕውታት እቲ ውድድር ብምዃን ብጫ ማልያ ከምዝወነኑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ምስ ዝዕወተሉ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንዙር ርዋንዳ ኣከታቲሎም ሰለስተ ዓመት ብምዕዋት ታሪኽ ክሰርሑ'ዮም።

ኣብ 2010'ውን ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ዕዉት ዙር ርዋንዳ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፋ ዘለዋ ጋንታታት ብዓል መን እየን?

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ርዋንዳ ሓሓሙሽተ ተጻወትቲ ሒዘን 15 ጋንታታት እየን ዝሳተፋ ዘለዋ።

ኣብዚ ብሓፈሻ 75 ተጻወትቲ ዝሳተፍዎ ዘለዉ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ፡ ጋንታ ዳይረክት ኢነርጂ፡ ጋንታ መደሊን፡ ጋንታ በንዲክሽን ኢግኒተ፡ ጋንታ ቢ ኤንዲ ቢ፡ ጋንታ ኣንድሮኒ፡ ኤርትራዊ መትከል እዮብ ዝወዳደረላ ጋንታ ተረንጋኑ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ፡ ጋንታ እስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን፡ ጋንታ ባይክ አይድ፡ ጋንታ ስኮላ ኣንድረን ንያንሽቱ፡ ጋንታ ታርተሎቶ ኢሶሬክስ፡ ጋንታ ፕሮ ታችን ጋንታ ዋይልድላይፍ ጀነረሽን ይሳተፋ ኣለዋ።።

ኣብዚ ካብ 2 ግንቦት ጀሚሩ ክሳብ 9 ግንቦት ኣብ ሸሞንተ መድረኻት ዝካየድ ቱር ርዋንዳ ተቐዳደምቲ ኣብ ሸሞንቲኡ መድረኻት 913.3 ኪሎ ሜተር'ዮም ክሽፍኑ።

ተቐዳዳመቲ ሕጂ ተሪፍዎም ዘሎ ሓሙሽተ መድረኻት

ራብዓይ መድረኽ ካን ኪጋሊ ናብ ሙሳንዘ 123.9 ኪሎ ሜተር።

ሓሙሻይ መድረኽ ካብ ንያጋታረ ናብ ኪጋለ 149.3 ኪሎ ሜተር።

ሻዱሻይ መድረኽ ካብ ኪጋሊ ናብ ማውንት ኪጋሊ 152.6 ኪሎ ሜተር።

ሻውዓይ መድረኽ ኣብ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4.5 ኪሎ ሜተር ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ።

ሻሙናይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ዝካየድ ናይ 75.3 ኪሎ ሜተር።

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወሉ ተቐዳደምቲ

2020: ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን

2019: ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ

2018: ርዋንዳዊ ሳሙኤል ሙጉሻ

2017: ርዋንዳዊ ጆፍ ኣረሩያ

201:6 ርዋንዳዊ ቫለንስ ንዳይሰንጋ

2015: ርዋንዳዊ ጅን ባስኪ ንስንጊማና

2014: ርዋንዳዊ ቫክንስ ንስንጊማና

2013: ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳይላን ግሪድለስቶን

2012: ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳረን ሊል

2011: ኣመሪካዊ ኬል ረይጀን

2010: ኤርትራዊ ዳንኤል ተክለሃይማኖት