ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, TourDuRwanda2020
ካብ ዕለት 23 ለካቲት ጀሚሩ ንሽሞንተ መድርኻት ክካይድ ኣብ ዝቐነየ ዙር ርዋንዳ 2020፡ ሎሚ ኣብ ከተማ ኪጋሊ 89.3 ኪሎ ሜትር ዝሸፍነ ሻሙናይ መድረኽ ተዛዚሙ'ሎ።
ኣብዚ ሎሚ ዝተዛዘመ ውድድር ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ፡ ንመንእሰይ እትውሃብ ጻዕዳ ማልያን ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ እቲ ዙር ንዝውሃብ ማልያን ክዕወተሉ ክኢሉ።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ 2.1 ደረጃ ክብ ዝበለ ዙር ርዋንዳ፡ ብደረጅኡ ምስ ዙር ጋቦን ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ዝመዓራረ ኮይኑ ሓደ ካብ በዳህቲ ዙራት ኣፍሪቃ'ዩ።
ዙር ርዋንዳ ናብ ደረጃ 2.1 ክብ ምስ በለ ምስ ጋንታ ኣስታና ዝወዳደር ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት (2019) ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።
ዙር ርዋንዳ ደረጅኡ 2.2 ኣብ ዝነበረሉ'ውን፡ ኣብ 2010 ኤርትራዊ ዳናኤል ተኽለሃይማኖት ነዚ ውድድር ተዓዊትሉ ነይሩ'ዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካይዱ 2.1 ደረጃ ዘለዎም ውድድራት ዙር ጋቦንን ዙር ርዋንዳን፡ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2014 ምስ ጋንታ ኢሮፕ ካር ብምኻንን ንዙር ጋቦን፥ መርሃዊ ቅዱስ ከኣ ምስ ጋንታ ኣስታና ብምዃን ንዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ክዕወትሉ ክኢሎም ነይሮም እዮም።
ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ዙር ጋቦን ትሮኦፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ብሓንቲ ካልኢት ተበሊጹ ዕዉት ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ካብ ምዃን ከም ዝቦኾረ ዝዝከር'ዩ።
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ርዋንዳ፡ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ጋንታታት ዳይርክት ኢነርጂ፡ እስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን፡ በንዲክሽን፡ ስኮል ኣድርያን ንኣሽቱ ኣካዳሚ፡ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ፡ ኒፖ ዴልኮ ዋን ፕሮቬንስ፡ ባይክ ኣይድ፡ ግርፕመንት፡ ኖቫ ኖርዲክ፡ ቪኖ ኣስታና ሞቶርስ፡ ባይ ሲካሳል፡ ፕሮ ታች ከምኡ'ውን ቲኤስጂ ሳይክሊንግ ቲም ብሓፍሻ ዓሰርት ሽዱሽተ ጋንታታት ተሳቲፈን።ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብዘይካ እቶም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ዝተሰለፉ ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ፡ ምስ ባይክ ኣይድ ዝወዳደር መኽሰብ ደበሳይ፡ ምስ ቲኤስጂ ሳይክሊንግ ጋንታ ዝወዳደር መትከል እዮብ ከምኡ'ውን ምስ ኒፖ ዴልኮ ዝወዳደር ቢንይም ግርማይ ኣብዚ ውድድር ብምስታፎም ቁጽሪ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናብ ሸሞንት ክብ ኣቢልዎ።
ብዘየካ'እዚ ምስ ጋንታ እስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን ዝወዳደር ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዓወት ገብረመድህን'ውን ኣብዚ ውድድር ተሳቲፉ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, @tour_du_rwanda
ውጽኢት ዝሓለፈ መድረኻት
- 23 ለካቲት ቀዳማይ መደረኽ - ኪጋሊ-ኪጋሊ 114.4 ኪ.ሜ ተቀዳዳማይ ጋንታ ቪኖ ኣሰታና ፔዶሮቭ ተዓዊቱ፥ ናትናኤል ተስፋፍዮን ሻውዓይ ኮይኑ ዛዚሙ።
- 24 ለካቲት ካልኣይ መድረኽ - ኪጋሊ- ሁየ 120.5 ኪ.ሜ ተቀዳዳማይ ጋንታ ኒፖ ዴልኮ ኢትዮጵያዊ ክንፈ ሃይለሚካኤል ተዓዊቱ፥ ናትናኤል ተስፋፍዮን ሻውዓይ ኮይኑ ዛዚሙ።
- 25 ለካቲት ሳልሳይ መድረኽ - ሁይ-ሩሲዚ 142 ኪ.ሜ ተቀዳዳማይ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ጆናታን ሬስትረፖ ተዓዊቱ፥ ናትናኤል ተስፋጽዮን ራብዓይ ኮይኑ ዛዚሙ።
- 26 ለካቲት ራብዓይ መድረኽ -ሩሲዚ- ሩባቩ 206.3 ኪ.ሜ ተቀዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብምዕዋት ብጫ ማልያ ካብ ቢንያም ግርማይ ተረኪቡ።
- 27 ለካቲት ሓሙሻይ መድረኽ -ሩባቩ- ሙሳንዘ 84.7 ኪ.ሜ ተቀዳዳማይ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ጆናታን ሬስትረፖ ተዓዊቱ፥ ናትናኤል ተስፋፍዮን ሳልሳይ ኮይኑ ብምዝዛም ብጫ ማልይኡ ዓቒቡ።
- 28 ለካቲት ሳድሻይ መድረኽ ሙሳንዘ- ሙሃንጋ 127.3 ኪ.ሜ ተቀዳዳማይ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ጆናታን ሬስትረፖ ተዓዊቱ፥ ናትናኤል ተስፋጽዮን መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ብምዝዛም ብጫ ማልያኡ ዓቒቡ።
- 29 ለካቲት ሻውዓይ መድረኽ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር (4.5 ኪ.ሜ ኣብ ከተማ ኪጋሊ) ተቀዳዳማይ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ጆናታን ሬስትረፖ ተዓዊቱ፥ ናትናኤል ተስፋጽዮን መብል 21 እኳ እንተወጽአ ብጫ ማልያ ግን ክዕቕባ ክኢሉ።
- 1 መጋቢት ሻሙናይን መዛዘምን መድረኽ -ኪጋሊ- ኪጋሊ 89.3 ኪ.ሜ ተቀዳዳማይ ኒፖ ዴልኮ ድያዝ ተዓዊትሉ።
ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ
- 2010 ዳናኤል ተኽለሃይማኖት ተቀዳዳማይ ጋንታ ኤርትራ
- 2011 ኬል ረይጀን ተቀዳዳማይ ጋንታ ሳኖፊ
- 2012 ሊል ዳረን ተቀዳዳማይ ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ
- 2013 ዳይለን ጊርድልስቶን ተቀዳዳማይ ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ
- 2014 ቫለንስ ንዳይሸንጋ ተቀዳዳማይ ጋንታ ርዋንዳ
- 2015 ጅያን ንሰንጊማና ተቀዳዳማይ ርዋንዳ ካሪሲምቢ
- 2016 ቫለንስ ንዳይሸንጋ ተቀዳዳማይ ጋንት ዳይመንሽን ዳታ
- 2017 ጆሴፍ ኣረሩያ ተቀዳዳማይ ጋንታ ዳይመንሽን ዳታ
- 2018 ሳሙኤል ሙጉሻ ተቀዳዳማይ ጋንታ ዳይመንሽን ዳታ
- 2019 መርሃዊ ቅዱስ ተቀዳዳማይ ጋንታ ኣስታና




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







