መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዓማዊሉ ውሕስነት ኮቪድ-19 ክህብ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 21 መስከርም 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ንተጓዓዝቲ ውሕስነ (ኢንሹራንስ) ኮሮናቫይረስ ይህብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝወሃብ ውሕስነት በቲ መገዲ ኣየር ንዝጓዓዙ ጥራይ ኮይኑ፤ ናብ ዝመጽኡሉ ምምላስ፣ ንማእኸል መወሸቢን ካልእ ወጻእታት ሕክምናን ከምዝሽፍን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ።
'ሼባ ኮምፎርት' ዝብል ስያመ ዝተወሃቦ እዚ ኢንሹራንስ፡ ተጓዓዝቲ ኣብ እዋን መገሽኦም ብኮቪድ-19 እንተተታሒዞም ንወጻእታት ሕክምና ዝኸውን ክሳብ 100 ሽሕ ዩሮ ክሽፍን ምዃኑ ሓቢሩ።
ናብ መወሸቢ ማእኸል ንዝኣትዉ ሰባት ድማ መዓልታዊ 150 ዩሮ [ናይ 14 መዓልታት 2100 ዩሮ] ከምዝኸፍለሎም ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።
እቲ መገዲ ኣየር፡ ተጓዓዝቲ ጥዕንኦምን ድሕነቶምን ተሓልዩ ንኽጓዓዙ ብዝብል ነቲ ውሕስነት ከምዝጀመረ ይገልጽ።
"ነብሰ ምትእምማን ተጓዓዝቲ ክውስኽ ክነገብር ኢና" ዝበለ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፡ እዚ መስርሕ ውሕስና ብምጅማርና ሕጉሳት ኢና ክብል ምዝራቡ እቲ ዝወጸአ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ እዋን ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ድሕነት ተጓዓዝቲ ኣብ ስግኣት ብምእታዉ፡ ኣገደስቲ ለውጥታት ብምግባር ድሕነት ተጓዓዝቲ ንምውሓስ ቀዳምነት ከምዝህብ ሓቢሩ'ሎ።
እቲ ውሕስነት (ኢንሹራንስ) ካብ 21 መስከረም ክሳብ መጋቢት 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ከምዝጸንሕ እቲ መግለጺ የነጽር።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







