ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጽዕነት ነፋሪት፡ ኣብ ቻይና ተባሪዓ

ዝተባረዓት ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ናይ ጽዕነት ነፋሪት ቦይንግ 777 ሎሚ ኣብ ቻይና ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢምዋ።

እታ ነፋሪት፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ‘ፑዶንግ ሻንጋይ’ እናጸዓነት እንከላ ባርዕ ከምዘጋጠማ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊጹ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ “ኩሎም ሰራሕተኛታት ደሓን እዮም” ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እታ ናይ ጽዕነት ነፋሪት፡ ካብ ሻንጋይ ብኣዲስ ኣበባ ኣቢላ ናብ ብራዚል ክትበርር መደብ ተታሒዙላ ዝነበረት ምዃና ተገሊጹ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝምልከቶም ተሓባቢሩ ነቲ ባርዕ ከምዝተቖጻጸሮን፡ መንቀሊ ናይቲ ባርዕ’ውን “ብዝምልከቶም ሰብ መዚ” ይጻረ ምህላዉን ገሊጹ’ሎ።