ደስበለ መሓሪ፡ "ብሕጊ እትምእዘዝ ዴሞክራስያዊት ኤርትራ'የ ክርኢ ዝደሊ"

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ኣብ ጀነራል ዊንጌት ተማሂሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንሰለስተ ዓመት ተማሂሩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ናይ ትምህርቲ ዕድል ስለዝረኸበ ኣብ 1974 ናብ ሃገረ ቤልጂም ኣምሪሑ። እንተኾነ ትምህርቱ ከይወደኣ በቲ ዝነበረ ውዕውዕ ሃገራዊ ስምዒትን ናይ ቃልሲ መንፈስን ተደፋፊኡ ኣባል ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ።
ኣብ 1977 ናይ ካድረ ትምህርቲ ንክመሃር ንሳሕል ወሪዱ። ትምህርቱ ምስ ወደአ ከኣ ብምሉእ ግዜኡ ተወፍዩ ክሰርሕ ናብ ኢጣልያ ከተማ ሚላኖ ተመዲቡ - ክሳብ ናጽነትን ድሕሪኡን ንሓያሎ ዓመታት ንሰውራን ሃገርን ኣገልጊሉ።
ንሱ ዝብህጋ ኤርትራ፡ ብሕጊ እትምእዘዝ ዴሞክራስያዊት ኤርትራ ፡ ምስ ጐረባብታ ኮነ ምስ ካልኦት ሃገራት ብሰላም እትነብር ሃገር እያ።
ብተወሳኺ፡ ፍትሒ ዝሰፈኖ ሃዋህው ተፈጢሩ፡ ኣብ ምርድዳእን ምስምማዕን ዝተሞርኲሰ፡ ባህሊ ዝዕቐበሉን ዝበዓለሉን ሕብረተሰብ እትሓቑፍ ኤርትራ ክትህነጽ እዩ ድልየተይ ይብል።
ኣገዳስነት ትምህርቲ
ኣብቲ እዋን ካብ ድኽነት ዝገላግል እንኮ ዕድል ትምህርቲ ጥራሕ'ዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ስለዝነበረ ኩሉ ተምሃራይ ተገዲሱ ይምሃርን የጽንዕን ምንባሩ ይዝክር ደስበለ።
ንሱ እውን ከም ኩሎም መዘናታቱ ካብ መባእታ ኣትሒዙ ኣብ ትምህርቱ ልዑል ተገደስነት ብምሕዳር ናብቲ ዝደልዮ ሸቶ ዘብጽሕ መስመር ክኽተል ጀሚሩ ነይሩ።
ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ሰውራን ቃልስን ዝበሃል ነገር መጺኡ ካብቲ ሓዲድ ኣውጺኡዎ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ብርቱዕ ድሌት ትምህርቲ ግን ምስዚ ናይ ሕጂ እዋን ፈጺሙ ከምዘይነጻጸር ይገልጽ።
እቲ ደስበለ ዝተማህረሉ ጀነራር ዊንገት ብዙሓት ብትምህርቶም ጸብለል ዝበሉ ተማሃሮ ዝመሃርሉ ኮሌጅ እዩ ነይሩ።
እቲ ኮሌጅ ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ቀለም ትምህርቲ፡ ብክኢላታት ዝእለ፡ ብግብሪ እተሰነየ፡ ከም ግራውንድ ቴንስ፣ ኣትሌቲክስ፣ ቮሊቮል፣ ባስኬት ቦል፡ ኩዕሶ እግሪ ዝኣመሰለ እስፖርታዊ ትምህርቲ ይህብ ነይሩ።
እቲ ክፍሊ ዝተፈላለየ ዓይነት መደባትን እኹል መሳርሕን ስለዝነበሮ ከኣ ዳርጋ ነብሲ ወከፍ ተማሃራይ ጽቡቕ ንጥፈታት ስፖርት ነይሩዎ። ደስበለ እውን ንጡፍ ተጻዋታይ ባስኬት ቦልን ኩዕሶ እግርን ኣትሌትን ነይሩ።
ሓደ እዋን ቤት ትምህርቱ ምስ ኣብያተ ትምህርቲ "ኤሊት" ቤት-ትምህርትታት ኣሜሪካን ስኩል፣ ቅዱስ ዮሴፍ፣ ኢንግሊዝ ስኩልን ኩዕሶ መርበብን ኩዕሶ እግርን ተወዳዲሮም ተዓዊቶም።
ንሱ ከኣ ኣብ ማእከላይ ርሕቀት ጉያ እግሪ (1500/ 3000) ዝለዓለ ደቓይቕ ኣመዝጊቡ ቀዳማይ ወጺኡ። ናቱ ሪኮርድ ከኣ ንሓያሎ እዋናት ከይተሰብረ ከምዝጸንሐ ይዝክር።

ምንጪ ስእሊ, Desbele Mehari
ኣብ ዝሓዞ ስራሕ ተጊሁን ተወፍዩን ዝሰርሕ ደስበል፡ ብምሉእ ግዚኡ ኣብ ቃልሲ ምስተጸንበረ እውን እንተኾን ኣብ ንጥፈታት ፖለቲካ ልዑል ተገዳስነት ስለዝነበሮ ፍቱው ምንባሩ መሳርሕቱ ይምስክሩ።
ካብቲ ቀንዲ ንጥፈታት ከኣ ንህዝቢ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ብምሃብ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ብኹሉ ዝኽእልዎ ዘበሉ ብጉልበትን ንዋትን ንክደጋገፍ ምውዳብ እዩ ነይሩ።
ኣብ ርእሲኡ ከኣ ምስ ወጻእተኛታት ብምርኻብ ፍትሓውነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምርዳእን ዘድሊ ሓገዛት ንኸበርክቱ ምትብባዕን እዩ። ሳላ እቲ ምስ ማሕበራትን ሞያውውያን ዝተመስረተ ዝምስገን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ከኣ ብዙሓት ጉጅለታት ሓካይም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንሜዳ እናኣተዉ ኣገልግሎት ሕክምና ይህቡ ነይሮም።
ምስ ግዜ ተሳትፎን ኣበርክቶን ሓፋሽ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየን እናሰፍሐን መጺኡ ተራ ሓፋሽ ውዱባት ኣብ ቃልሲ ሓርነት ብፍሉይነቱ ክዝከር በቒዑ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሰዲደን ዝነበራ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ "ኩለንተናይ ንሃገረይ!" ብምባል ዘዘለወን ብምውፋይ ነቲ ቃልሲ እንግድዓ ከምዝኾነኦ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ስኑድ እዩ።
ብቐረባ ምስ ኣዴታት ዓዲ ጥልያን ዝዋሳእ ዝነበረ ደስበለ ከኣ "እቲ ሽዑ ዝነበረን ዝተገብረን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ክድገም ኣይሕሰብን እዩ" ብምባል ነቲ ዝነበረ ተወፋይነት ኣድኒቑ ኣይጸግቦን።
ብዙሕ መንእሰይ፡ ከምዚ ናይ ሕጂ፡ ኣብ ኢጣልያ ናይ ትምህርትን ስራሕን ዕድል ስለዘይረክብ ከም መሰጋገሪ ስደት እዩ ዝጥቀመላ ነይሩ።
እቲ ዝበዝሐ ናብ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ሽወደን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ካናዳን'ዩ ዝቕጽል ነይሩ። እቶም ኣብ ጥልያን ዝተርፉ ብፍላይ ከኣ እተን ኣዴታት ኣብ ሃገር ዝእለን ዝናበን ስድራ ዘለወንን ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ምስተወደባ፡ "አሕዋትና ህይወቶም እናኸፈሉስ ንሕና'ዶ ጉልበትናን ገንዘብናን ክንበቕቕ" ብምባል ኩለንትአን ንሃገራዊ ቃልሲ ዝወፈያ ኣዴታት እየን" ይብል ደስበለ ብዓይነ ሕልናን ኣድናቖትን ነቲ ዝሓለፈን ዝተገብረን ልዑል ናይ ሞራልን ቁጠባን ኣበርክቶ እናዘከረ።
ኣዴታት ዓዲ ጥልያን ትማል ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ጥራሕ ዘይኮነ ትማል ኣብ ኩናት ዶባት 1998-2000 እውን ሃገር ተወሪራ ምስተባህለ ወርቀን ከይተረፈ ዝነበረን ነጊፈን ንምክልኻል ሃገር ወፍየን እየን።

ምንጪ ስእሊ, Desbele Mehari
ስደት ኤርትራውያን
ጃምላዊ ስደት ኤርትራውያን ምስ መግዛእታዊ ግፍዕን ጭኮናን እዩ ጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ 60ታት፡ ምስ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ ሃይለስላሰ ኣብቲ ቃልሲ ዝተጀመረሉ መታሕት ኤርትራ ብርቱዕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብምክያድ ህዝቢ ክቐትልን ከበሳብስን ዓድታት ከንድድን ምስ ጀመረ ህዝቢ ከካብ ቦትኡ ተፈናቒሉ ናብ ሱዳን ኣምሪሑ።
እቲ ንትምህርቲ ድዩ ንስራሕ ናብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝግበር ዝነበረ ቁጠባዊ ስደት ኣዝዩ ውሑድ እዩ ነይሩ።
ዝበዝሕ ሰብ ከኣ ተማሂሩ ክምለስ እዩ ነይሩ ትጽቢቱ። ግፍዒ ምስ መረረን ቃልሲ ምስ ከረረን ግን ዘበነ ስደቱ ተናዊሑ ድሕሪ ናጽነት ጥራሕ ክምለስ ጥራሕ እዩ ነይሩ ተስፍኡ።
ሕማቕ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ 80ታት፡ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣብ ኩናት ሓድሕድ ኣትዮም ጀብሃ ንሱዳን ምስ ኣተውን ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ምስ ተሰዱ ከኣ ቑጽሪ ስደተኛታት ወሲኹ።
ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ዴሞክራሲያዊ ኣሳታፊ መንግስቲ እንተዝምሰረት ከኣ ብዙሓት ካብኣቶም ንዓዶም ምተመልሱ ይመስለኒ ክብሉ ግምታቱ ብምቕማጥ፡ እዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ስደት ግን ፖለቲካዊ ባህሪ ዝሓዘ ምኻኑ ይዛረብ።
"ድሕሪ'ዚ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ናጽነት፡ ኩሉ ሰብ ክመሃር፡ ብሰላምን ቅሳነትን ህይወቱ ክመርሕ፡ ሃገር ክትምዕብል ዝነበረ ትጽቢት በኒኑ። እቲ መንእሰይ ከኣ ምሕደራን ህይወትን መንግስቲ ኣቦታቱ መሪሩዎ ናብ ስደት ክውሕዝ ክትርእዮ እንከለኻ ዓቢ ክሳራን ስምብራትን እዩ" ይብል።
ኢጣልያ መእተዊ ስደተኛታት በሪ ብምዃና፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ደቡብ ሲቺልያ፡ ኣብ ፓሌርሞን ካታንያ፡ ሮማ፡ ፊረንሰ፡ ቦሎኛን ሚላኖን ዝነብር ኤርትራዊ ነቲ መስመር ስደት መንእሰያት ብዓይኑ ስለዝርእዮን ብግብሪ ስለዝጸልዎን ኣብ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ፡ ክንድዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ባሕሪ መርከብ ተገምጢላቶም ሞይቶም፤ ክንዲዚ ጠፊኦም ክንድዚ ከኣ ሃለዋቶም ኣይተረኽበን ክበሃልን ስቓይ እቶም ውጻእ መዓት ኣብ ቴሌቪዥን ክርእዮ እንከሎ ከይደቀሰ እዩ ዝሓድር።
ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ ደሃይ አሕዋቶምን ስድረኦምን ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት ቴሌፎን ደዊሎም ኣብ ጥልያን ናብ ዘለው እዮም ዝሓቱ።
ስለዚ፡ ሕጂ ደኣ ምስ ምኽልካል መራክብ ህይወት ኣድሕን ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን እቲ ጉዕዞ ስደት ሃዲኡ ኣሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታትሲ ከቢድ ስቓይ ሓሊፉ።
"ብሰሃራ ሊብያን ባሕርን፡ ትሕቲ ዕድመን ኣደ ቖልዑ ደቀንስትዮን ከይተረፈ ዝርከቡዎም ብዙሓት ለይለይ ዝብሉ ህጻናት እዮም ዝመጽኡ ነይሮም። መንግስቲ ጥልያን ከኣ ነቲ ዝመጽኦም ዝነበረ ዋሕዚ ዝበቅዕ ምድላውን ቅርጽን ስለዘይጸንሖም ግቡእ ኣቀባብላ ኣይነበሮምን። ስለዚ እቲ ብባሕሪ ዝመጽአ ሰብ ኣብ ፎቖዶ መገድታት ሮማን ሚላኖን ዛሕ ኢሉ ኽትርእዮ እንከለኻ ዓቕልኻ እዩ ዝጸበካ"
"ብዙሓት ስደተኛታት፡ ብዘይ መግብን መሕደርን ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ተዘርጊሖም ይውዕሉ ስለዝነበሩ፡ ኤርትራውያን አሕዋትን ኣዴታትን በብዓቕሞም ተወዲቦም ግዝያዊ ናይ መግብን መደቀስን ሓገዝ ክንገብረሎም ፈቲንና ነይርና ግን ኩሉ ልዕሊ ዓቕምና እዩ" ብምባል ነቲ መሪር ሃለዋት ይገልጾ።

ትጽቢትን ክውንነትን ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ
ደስበለ መሓሪ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ብኣልያን ምሕደራን መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝቃወሙ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ውፉያት ኣባለት ሓፋሽ ውዱባትን ተጋደልትን እዩ።
ንሱ "ድሕሪ ናጽነት ከም ትጽቢት ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክትከል ዘይምኽኣሉ ከቢድ ጥልመት እዩ" ይብል፡ መትከልን ዕላማን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ መንግሰቲ ምምስራት ምንባሩ ብምዝኽኻር።
እተን ትማሊ ዝሓሸ መጻእን ርህውትን ብልጽግትን ኤርትራ ክርእያ ብኹለንተአን ዝተወፈያ ኣዴታት እውን ኣብ ፈቐድኡ "መብጽዓ ሰማእታትና ተጠሊሙ'ሎ" እናበላ ኣብ ኣኼባታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ድምጸን ይህባ ምህላወን ብምዝኽኻር፡ "ትጽቢት ትማልን ክውንነት ሎምን ፈጺሙ ኣይራኸብን'ዩ" ይብል ደስበለ።
"ድሕሪ ናጽነት ኩሎም እዞም ዝተሰደድና ንዓድና ንምለስን ኣብ ቁጠባን ህንጸትን ሃገር እጃም ክህልወና ልዑል እምነት ነይሩና" ዝብል ደስበለ፡ "ሕጂ ግን ተካእትን ተረክብቲ ሕድርን መንእሰያት ኤርትራ ሰኣን ፍትሓዊ ኣልያን ምሕደራን ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ሚላኖ ክትርእዮም ነብሰ ስጋኻ እዩ ዝቕንጠጥ" ክብል በቲ ኩነታት ከምዝቑንዞን፡ ዋላ እውን ኣብ ደገ ወጺአን ድምጸን እንተዘየስመዓ፡ ብዙሓት ኣዴታት ኣኣብ ገዝኣን ኮይነን ክበኽያ ይውዕላ ምህላወን ይሕብር።
ንሓደ ገረብ ካብ ሰራውሩ ነቒልካ ናብ ካልእ ቦታ ክተንቀሳቕሶ እንከለኻ፡ ከምቲ ቅድም ዝነበሮ ክጥጥዕን ክዓብን ኣይክእልን እዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ካብቲ ዝዓበየሉ ባህሊ፤ ቋንቋ፤ መሬትን ሕብረተሰብን እንተፈሊኻዮ ከምቲ ዝግባእ ክምዕብል ይሽገር ይኸውን ግን ከኣ ምስ ግዜ ክለምዶን ክርዕሞን ይኽእል እዩ።
እዚ ሕጂ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ተሰዲዱ ዘሎ ዜጋ ዕድል ተዋሂብዎ ንሃገሩ ክምለስ እንተኺኢሉ ከኣ፡ ውዒሉ ሓዲሩ እውን ኣይተርፎን እዩ፤ በቲ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ሕብረተሰባትን ዝቐሰሞ ትምህርትን ፍልጠትን ነታ ሃገር ብዝያዳ ክሰርሓላን ከማዕብላን ዕድል ኣሎ" ክብል መጻኢ ተስፍኡ ይገልጽ ደስበለ።
ሰላም ኢትዮ ኤርትራ
ኣብ 2018፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ምስ ከተማ ኩሉ ሰብ ብሓጎስን ብተስፋን'ዩ ተቐቢልዎ። እቲ ንኽልቲኡ ህዝብታት 'ጂሆ' ሒዝዎ ዝነበረ 'ኣይሰላም ኣይ ኩናት' ተፈቲሑስ፡ ዶብ ክሕንጸጽ፡ እሱራት ክፍትሑ፡ ቅዋም ክትግበር፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ግዜኡ ክምለስ፡ ስደት ከብቅዕ ትጽቢት ነይሩ።
እንተኾነ፡ ካብቲ ዝነበረ ትጽቢት ቁሩብ ዘተስፉ ናይ ለውጢ ምልክታት እውን ስለዘይተገብረን "ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ቐንዲ ዘገድስ ናይ ኢትዮጵያ ርግኣት እዩ" ምስተባህለን ብፍላይ ኣብዚ እዋን፡ እቲ ተስፋ ደኺሙ፡ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ተዓጽዩ፡ ስደት መንእሰያት ካብ ዝነበሮ ምስ ነሃረ ግን ብዝያዳ ከምዝተሻቐለን ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Desbele Mehari
ተዘክሮ ወዲ ትምህርቱ መለስ ዜናዊ
ምስ መለስ ዜናዊ፡ ቀንዲ ስሙ ለገሰ ካብ 1968 ክሳብ 1972 ኣብ ጀነራል ዊንጌት ኣብ ሓደ "ሰክሽን" ተማሂሮም።
እቲ 'ጱጰ' ኢሎም ዝጽውዑዎ ዝነበሩ ሓጺርን ሓፊስን ለገሰ (መለስ) ብዙሕ ገጻት ዘለዎ መጻሕፍቲ ዘነብብ ብርቱዕ ኣንባቢን፡ ልዑል ነጥቢ ዘምጽእ ተማሃራይ ምንባሩን ይዝክሮ ደስበለ።
ዳሕራይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተው፡ መለስ ሳይንስ ስለዝመረጸ፡ ደስበለ ከኣ ኣርት ስለዝሓረየ ሳሕቲ ይራኸቡን ከም ደቂ ክፍሊ ነበር ከኣ ግቡእ ሰላምታ ይለዋወጡን ምንባሮም ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







