ኤርትራውያን ነበርቲ ኢጣልያ ኣንጻር ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, AM
ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢጣልያ፡ ዝተኣከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዝመሓደራ ትካላት ጥዕና ብምዕጻውን ንደናግል ካብ መንበሪ ኣባይተን ብምዝንባሉን ኣብ ፒያሳ ሳንታ ማሪያ ሮማ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለው።
እቶም ብባቡርን ኣውቶቡሳትን ንሓሙሽተ ሽዱሽተ ሰዓታትን ልዕሊኡን ተጓዒዞም ኣብ ሮማ ዝተኣኸኸቡ ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት የስምዑ ኣለዉ።
ካብ ሚላኖ መጸኡ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሳተፍ ዘሎ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ኣቶ ደስበለ መሓሪ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምስ ህዝቢ ዘረሓሕቖ ተግባራት ይገብር ምህላው ገሊጹ።
"ባርያስ ሓጋዚኣ እንተረአየት መዲዳ ትሓብእ!" ንዝበሃል ምስላ ብምጥቃስ፡ "በዚ መንግስቲ ወሲዱዎ ዘሎ ውሳነ ዘይሩ ዘይሩ ዝጉዳእ ህዝቢ እዩ!" ኢሉ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ፡ ብዓቕማ ንህዝቢ ኣገልግሎት ክትህብ ምጽንሓ'ውን ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, AM
ኣቶ ደስበለ፡ " ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ትካላት ጥዕና መንግስቲ ብስእነት መድሃኒትን መሳርሕን ከምቲ ዝድለ ኣገልግሎት ምሃብ ኣብ ዝተጸገማሉን ህዝቢ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ንሕክምና ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውሳድ ኣንጻር ህዝቢ ዝቐንዐ ውሳነ ኮይኑ እዩ ዝርደኣኒ!' ይብል።
መንግስቲ ኤርትራ ብረቡዕ 12 ሰነ 2019 ንኹለን ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ክመሓደራ ዝጸንሓ 22 ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ክዕጸዋ ብምእዛዝ፡ ነፍሲ ወከፍ ክሊኒክ መፍትሓ ክተረክብ ኣገዲዱ።
እቲ መምርሒ ምስተመሓላለፈን ኣባላት ጸጥታ ናብተን ክሊኒካትን ሆስፒታላትእ ምስተዋፈሩን፡ ኣቡናትን ካህናትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን " መንግስቲ ዘጉደልናዮ ነገር እንተልዩ ከነዐሪ ይሕተተና እምበር፡ ኣገልግሎት ጥዕና ምኽልካል ምስ ህዝቢ ምብኣስ እዩ" ብምባል ቅሬታኦም ኣስሚዖም ነይሮም።
ነባሪት ኢጣልያ ተሬዛ ተወልደ እውን " ንሕና ብዙሕ ግዜ መንግስቲ ንዝወስዶ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ተኣኪብና ስለዘይንቃወሞ፡ ሕጂ መንግስቲ ንኩሎም ኣመንቲ እስላምን ክርስትያንን ብሓባር ኣገልግሎት ንዝህብ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያናት ኣብ ምዕጻው በጺሑ ስለዘሎ ዓገብ ክንብል ኢና ኣብ ሮማ ተረኺብና ዘሎና" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, AM
እንተኾነ መንግስቲ ነቶም ሕቶ ዘቕረቡ ኣቡናትን ካህናትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምላሽ ኣይሃበን።
ነተን ንተግባራቱ ተቓዊመን ዝነቐፈኦን "እቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምዘይብሉ" ዘርኢ ፍጻመ እዩ ዝበላ ከም ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ዳኔላ ክራቨዝ ንዝኣመሰላ ግን እቲ ተግባር "ሕጊ ተኸቲልና ኢና ዓጺናየን!" ክብል ምላሽ ምሃቡ ይዝከር።
ነባሪ ቦሎኛ ስዒድ ነጋሽ ብወገኑ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ካብ ዝጅመር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝተፈጸመ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, AM
ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምጅማር መስርሕ ሰላም ዝተለወጠ ነገር ከምዘየለ በንጻሩ እኳ ደኣ ብዙሕ ነገር ከም ዝተበላሸወ ብምግላጽ፡ " መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕጂ እውን ማእሰርትን ሃድንን ዜጋታት፡ ዓፈና ሓበሬታን ሓሳብካ ምግላጽን ከም ዘይገደፈ፡ ብምህጋርን ምግባትን ትካላት ጥዕና ካቶሊካውያን ቤተ-ክርስትያን ኣረጋጊጹልና ኣሎ" ክብል ርእይትኡ ሂቡ።
ካቶሊካዊት ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ርእሲ እቲ ዝህብኦ ዝነበራ ጥዕናዊ ኣገልግሎት፡ ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ኣገልግሎት ብምቕራብ ይፍለጣ።

ምንጪ ስእሊ, AM
ከምኡ እውን ሰብኣዊ ኣገልግሎት ማለት፡ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ናይ ኮምፐዩተር ስልጠና፡ ናብራ ዕብየት ንደቂ-ኣንስትዮ፡ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣብ ቀረብ ማይ፡ ስልጠና ማእለማን ኢደ ጥበብን፡ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ይሰርሓ።
ልቓሕ ብምሃብ ከኣ ኣታዊታት ብምዕባይ ስድራ-ቤታት ማል ብምውህላል ህይወተን ንምምሕያሽ ክድግፋን ከተባብዓን ጸኒሐንን ኣለዋን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







