ነፋርቲ ቦይንግ 737 ማክስ፡ ናይ ፈተነ በረራ ከካይዳ እየን

ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ

ምንጪ ስእሊ, Boeing

ኩባንያ ቦይንግ፡ 737 ማክስ ነፈርቱ ብዝምልከት፡ ኣብ'ዚ ሰሙን ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍ እዩ ዝጽበዮ ዘሎ።

እተን ነፈርቲ፡ ንበረራ ውሑሳት ድየን ኣይኮናን ዝብል ንምጽራይ፡ ተቖጻጸርቲ ፈተነታት ክገብሩለን እዮም።

ውሕስነት መጓዓዝያ ኣየር ኣመሪካ ካብ ዝቆጻጸሩ ኣካላትን ካብቲ ኩባንያን ዝተውጻጽኡ ኣብረርትን ሰብሞያ ቴክኒክን ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ፈተነታት ከካይዱ እዮም።

ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ፡ ኣዝየን ተጠለብቲ እየን ነይረን።

ዓሌት ናይዘን ነፈርቲ ዝኾና፡ ክልተ ነፈርቲ ድሕሪ ምውዳቐንን 346 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ግን፡ በረራ ከይገብራ ተኣጊደን እየን።

እቲ ሎሚ ዝጅምር ፈተነታት፡ ንኩባንያ ቦይንግ ኣዝዩ ኣገደሲ እዩ።

እንተኾነ፡ ዋላ'ኳ እቲ ፈተነታት ጽቡቕ እንተኸይዱሎም ገና፡ ንኣዋርሕ ዝቕጽል ናይ ውሕስነት ምርመራታት ክግበር እዩ።

እተን ነፈርቲ በረራ ከይገብራ ካብ ዝእገዳ 15 ኣዋርሕ ኮይንወን ኣሎ።

ዋንነተን ናይ መገዲ ኣየር ላየን ከምኡ ድማ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾና ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ ኣብ 5 ወርሒ ኣፈላላይ ድሕሪ ምውዳቐን እዩ እዚ ስጉምቲ ተወሲዱ።