ሰራዊት ኢትዮጵያ ንነፋሪት ኬንያ ኣብ ሶማልያ ብጌጋ ከምዝወቕዕዋ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, @HarunMaruf
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሶማልያ ዝወደቐት ብኬንያ እትውነን ናይ ጽዕነት ነፋሪት፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተሃሪማ ከም እተሓምሸሸት ተገሊጹ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ፤ እታ ነፋሪት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክትፍጽም እያ ብዝብል ብጌጋ ነታ ነፋሪት ከምዝሃረምዋ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ (ኣሚሶም) ገሊጹ።
ኣብ ኣሚሶም ኣዛዚ ዝኾነ ብርጋዴር ጀነራል ኣለሙ ኣየነ ከምዝሓበሮ፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እታ ነፋሪት ኣፍልጦ ከምዘይነበሮምን፡ በቲ እትገብሮ ዝነበረት ዘይተለመደ ምንቅስቓት ጠርጢሮም ከምዝሃረምዋን ገሊጹ።
እታ ነፋሪት ኣብ መጀመርያ ፈተነ ምዕላብ ስለዘይሰለጣ፡ ካልኣይ ግዜ ክትዓልብ ክትብል እያ ተሃሪማ። እታ ነፋሪት ካብዘይተለመደ ኣንፈት እያ ክትዓልብ ትፍትን ነይራ ድማ ተባሂሉ።
እታ ነፋሪት፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ናይ ሕክምና ንብረት ሒዛ እያ ትጉዓዝ ነይራ።
በቲ ሓደጋ ሰለስተ ኬንያውንን ክልተ ሶማልያውያን ሞይቶም። እታ ነፋሪት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶማልያ፡ ጥቓ ከተማ ባርዳሌ እያ ተሃሪማ።
እቲ ኣዛዚ ከምዝሓበሮ፡ ነዚ ጉዳይ ካብ ሶማልያ፤ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ካብ ኬንያ ዝተዋጽኡ ሰብመዚ ሓባራዊ መርመራ ከምዘካይዱ ሓቢሩ።
እታ ነፋሪት፡ ንብረት ኣፍሪቃ ኤክስፕረስ ኤርዌይስ ዝተብሃለ ናይ ኬንያ ትካል ከምዝኾነትን፡ ናውቲ ረድኤት ዝኾኑ ኣፋውስን ናይ ዓሶ መከላኸሊ ዛንዚራታት ፅዒና ካብ ሞቃድሾ ከምዝተበገሰት እዩ ዝግለጽ።
ንብረት ኣቬሽንያ ኬንያ ዝኾነ ኣፍሪቃ ኤክስፕረስ ኤርዌይስ፡ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት፡ ገየሽትን ናውትን ካብ ሶማልያ ከመላልስ ዝፀንሐ ኩባንያ እዩ።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1986 ዝተመስረተ እቲ ትካል፡ ናብ 30 ከባብታት ከምዝበርር፡ መርበብ ሓበሬታ እቲ መገዲ ኣየር ይሕብር፤ መብዛሕትኦም ድማ ከተማታት ሶማሊያ እዮም።
እቲ መገዲ ኣየር፤ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ናይ ውልቀ መገዲ ኣየር ከምዝኾነን፡ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ናይሮቢ ከምዝኾነን'ውን፡ ኣብቲ ድሕረ-ገፅ ተገሊፁ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







