መንግስቲ ኤርትራ፡ ህዝቢ ንመምርሒታት ኮሮናቫይረስ ብዕቱብ ክፍጽም ኣተሓሳሲቡ

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ኣስመራ

መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብቶም ኣብ ሕክምና ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሑ ትሽዓት ሰባት እቶም ሸውዓተ ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነው ድሕሪ ምሕባር፡ "ኣብ ትግባረ ንዘሎ ናይ ምክልኻል መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ብዕቱብ ክፍጽምን ብእኡ ክቕየድን" ኣተሓሳሲቡ።

ኤርትራ: ብ 18 ሚያዝያ፡ 4 ተወሰኽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ድሕሪ ምግላጻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ መዓልታት ዝኾነ ሓዲሽ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ኣይረኸበትን።

እንተኾነ ግን፡ "እዚ ተመዝጊቡ ዘሎ እወታዊ ጐድንታቱ፡ ከዛንየናን ግጉይ ስእሊ ክህበናን ኣይግባእን" ክብል እቲ መግለጺ ተዛሪቡ።

"ብዘይካ'ዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለምን ከባቢናን ጌና የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ምግንዛብ የድሊ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 3000 ብመሬት፡ ብባሕርን ብኣየርን ናብታ ሃገር ዝኣተዉን፡ ምስኣቶም ርክብ ዝነበሮም ሰባትን ከም ዝተወሸቡ'ውን እቲ ናይ ሎሚ መግለጺ ይሕብር።

እታ ሃገር፡ ብ 21 መጋቢት 2020 ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ድሕሪ ምርካባ፡ ክሳብ 18 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ቁጽሪ ናብ 39 ክብ ኢሉ ነይሩ።

ካብዞም 39 ኣቐዲሞም 30 ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ሕማም ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተመለሱ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታ የመልክት።

ምስዞም ናይ ሎሚ ድማ፡ ካብቶም 39 እቶም 37 ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን 2 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ እዮም ዘለዉዋ።

ኮሮና