መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከሲሩ

ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም
መግለጺ ስእሊ, ዋና ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዝተፈጠረ ምትእጉጓል በረራታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ኣፍሊጡ.

ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፡ ብደረጃ ዓለም ዝተኸሰተ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ታሪኽ መገዲታት ኣየር ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ከምዘኸተለ ተዛሪቡ።

ካብ ለካቲት ክሳብ መወዳእታ ሰነ ኣብ ዝነበረ እዋን ሓደ ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ኣይተ ተወልደ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን ብዙሓት መገዲ ኣየራት ዓለም ብሰንኪ ኮቪድ-19 በረራታተን ከቋርጻ ብምግዳደን ከቢድ ክሳራታት ኣጋጢምወን ኣሎ።

ገለ ካብኣን ድማ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰራሕተኛታተን ከፋንዋ ተገዲደን ኣለዋ።

"መገሻታት ደው ኢሉ’ዩ። 90 ሚእታዊት ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ደው ኢለን ኣለዋ። እዚ ንሓደ መገዲ ኣየር ከቢድ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ዘኸትል'ዩ። ዝሕባእ ኣይኮነን፤ ተሃሲና ኢና” ኢሉ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣቲዩ እንከሎ'ውን “ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዘሕብን” ስራሕ ከምዝሰርሐ ኣይተ ተወልደ ይዛረብ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ንቡር እዋን ወርሓዊ 5 ቢልዮን ብር ወጻኢ ኣለዎ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ነፈርቲ ንምዕዳግ ንዘወሰዶ ልቓሕ ምስ ወለዱ ክኸፍል ትጽቢት ይግበረሉ።

ብተወሳኺ’ውን ነፈርቲ ዝተኻረየሉ ወርሓዊ ክፍሊት፣ መሃያ ሰራሕተኛታት፣ ረብሓታት፣ ዓስቢ ውዕሎ (ኣበል)፣ ንምሽፋን ዘኽእል “ሓሙሽተ ቢልዮን ብር በብወርሑ ካብ ምንታይ ኢና ክንረኽቦ ንኽእል?” ዝብል ሕቶ ኣዋጢርዎም ከምዘሎ ገሊጹ።

“ዕብየት ምምጻእ ዝብል ዝነበረ ስትራቴጂና ናብ ምውሓስ ህላወ ዝብል ቀይርናዮ” ዝበለ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ፡ ገያሾ ካብ ምጉዕዓዝ ወጻኢ ንዘሎ ዕድል ክፍትሹ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን “ ናይ ኣገልግሎት ጽዕነት ምሃብ” ከምዝወሰኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ዓሰርተ ቦይንግ 777 ከምኡ’ውን ክልተ 737 ዓይነት ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ምስ ኣዝዩ ዓብዪን ክሳብ ሓደ ሚልዮን ቶን ጽዕነት ከተኣናግድ ዝኽእል ተርሚናል ስለዘለዎ ከም ጽቡቕ ዕድል ፈጢሩሉ'ዩ።

እቲ ናይ ካርጎ ተርሚናል ምስ ናይ ኣብ ሲንጋፖር፣ ሆንግኮንግን ኣምስተርዳምን ከምዝወዳደር ይግለጽ።

ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ናውቲ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣዝዩ ዝድለየሉ ስለዝነበረ ነቲ ጠለብ ዕዳጋ ኣብ ረብሕኡ ብምውዓል፡ ናብ ኣውሮጳ፣ ደቡብ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ብዙሕ ንብረት ከበጻጽሕ ከምዝኸኣለ ኣይተ ተወልደ ይገልጽ።

ጠለብ ዕዳጋ እናወሰኸ ብምምጽኡ ድማ እተን ዝነበርኦ ነፍርቲ ጽዕነት እኹላት ክኾና ብዘይምኽኣለን 25 ነፈርቲ መጓዓዝያ መንበረን ብምልዓል ብቕልጡፍ ናብ ናይ ካርጎ ክቕየራ ተገይሩ።

ነዚ ምግባር ኣብ ዝተኽኣለሉ እዋን ዝተረኸቡ ረብሓታት ከኣ ሰራሕተኛታት ዘይምስንባት፣ መሃያ ዘይምንካይ፣ ጥቕማ ጥቕሚ ዘይምጉዳልን ዝኾነ መጠን ገንዘብ ካብ ካልእ ኣካል ብሓገዝ ዘይምሕታትን ከምዝኾኑ ኣይተ ተወልደ ኣረዲኡ።

ከምዚ ብምግባር ከኣ ሰራሕተኛታት ኣብ ምስንባት፡ ማህያ ምንካይን ከምኡ'ውን ካብ ካልእ ኣካል ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ምሕታት ከምዝደሓኑ ገሊጹ።

“ኣብቲ እዋን ንመካየዲ ስራሕ ዝኸውን ገንዘብ ኣይሓተትናን፡ ልቓሕ እንመልሰሉ ክናውሐልና ኣይሓተትናን” ብምባል ነቲ ናይ ለበዳ እዋን ብኸመይ ክሰግርዎ ከምዝኸኣሉ ዘርዚሩ።

ኣስዒቡ ድማ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንስፐይን እውን ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓጊዙ እዩ። ንምክልኻል ኮቪድ-19 ዘገልግሉ ናውቲ ብምብጻሕ ማለት’ዩ። እዚ ከኣ ህይወት ከም ምትራፍ እዩ” ኢሉ።

ኣብ ፖርቱጋል፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ እንግሊዝ፣ ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ብራዚልን ኣፍሪቃን ክበጽሕ ዝነበረ ከቢድ ሓደጋ ንምክልኻል ዝሕግዙ ናውቲ ሕክምና ብእዋኑ ክበጽሕ ብምግባሮም፡ ዝተፈላለያ ሃገራትን ህዝብታትን ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓብዪ ክብርን ውዕለት ኣለዎም ክብል ገሊጹ።

“ካብ ጃክ ማ ፋውንዴሽን ዝተለገሱ ናውቲ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ካብ ቻይና ብምምጻእ ኣብ ውሽጢ 6 መዓልታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣባጺሕና ኢና። እዚ ቅልጣፈና ናእዳ ረኺቡ እዩ” ክብል ጃክ ማን ሃገራት ኣፍሪቃን ነቲ ስራሕ ከምዝነኣዱ ኣይተ ተወልደ ሓቢሩ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ትካል መግቢ ዓለም ንኣዲስ ኣበባ ከም ማእከል መከፋፈሊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ከምዝኸኣለት ብኣብነት ጠቒሱ።

“ንበዓልና ረቢሕና፤ ነቲ መገዲ ኣየር ኣድሒንና፤ ሰራሕተኛታት ከየሰናበትናን መሃያ ከይነከናን ህይወት ክነትርፍ ብምኽኣልና ሓበን ይስምዓና” ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።

እቲ መገዲ ኣየር ቅድም ክብል ሓሙሽተ ሰራሕተኛታቱ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምዝኽኻር ኩሎም ሓውዮም ምውጽኦም ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን ድማ ካልኦት ክልተ ኣባላቱ እቲ ቫይረስ ስለዝተረኸቦም እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዘዳለዎ መወሸቢ ማእኸል ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ መገዲ ኣየር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዙ ስራሕቲ ብግቡእ ከምዘፈጽም ዘሎ ዝተዛረበ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኣይተ ተወልደ “በረራ ብዘይምቁራጽና ነዚ ተሞክሮ ክንረክብ በቒዕና’ለና” ኢሉ።

ኮሮና