ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 767 ብዘጋጠማ ጸገም ብህጹጽ ክትዓልብ ተገዲዳ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian air lines
ካብ ሰኔጋል- ዳካር ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠማ ጸገም ብህጹጽ ክትዓልብ ተገዲዳ።
ብቁጽሪ በረራ ET 908 ዝተመዝገበት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 767-300፡ መበገሲኣ ዋና ከተማ ሰኔጋል ንዝኾነት ዳካር ብምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ነይራ።
ሎሚ ሰሉስ ካብ ሰኔጋል ተላዒላ ብማሊ፡ ባማኮ፡ ኣቢላ ናብ ኢትዮጵያ ክትበጽሕ ዝተሓሰበት ነፋሪት ግን፡ ናብቲ ዝተበገሰትሉ ዓለምለኸ ማዕርፎ ነፈርቲ 'ዲያስ' ተመሊሳ ንክትዓልብ ዘገደደ ጸገም ከም ዘጋጠማ'ዩ ተገሊጹ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብትዊተሩ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ብህጹጽ ንኽትዓልብ ዝተገደደትሉ ምኽንያት ኣብ በረራ እናሃለወት ብዘጋጠማ ቴክኒካዊ ጸገም ከም ዝኾነ ገሊጹ'ሎ።
ወኪል ዜና ፈረንሳ (ኤ-ኤፍ-ፒ) ንሰበስልጣን'ቲ መገዲ ኣየር ብምጽራሕ ኣብ ዘቃልሖ ዜና፡ እታ ነፋሪት ናብቲ ዝተበገሰትሉ ቦታ ተመሊሳ ክትዓልብ ዝኸኣለት፡ ኣብ ሓደ ሞተራ ጸገም ስለዘጋጠማ ከም ዝኾነን ሓዊ ከም ዝተርኣየን ኣመልኪቱ።
ፓይለት ቦይንግ 707 ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ንኽዓልብ ምስተነገሮ፡ ነቲ ዝተበሃሎ ከም ዝፈጸመ፡ ወሃቢ ቓል ማዕርፎ ነፈርቲ ሰኔጋል ቲድያን ታምባ፡ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።
ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 90 ተጓዓዝትን ኣባላት በረራን ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከምዘይበጽሖም ተፈሊጡ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በዚ ክስተት ንዝተኣጓጎሉ ዓማዊሉ፡ ኣብ ትዊተር ብዝዘርግሖ መልእኽቲ ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







