ቦይንግ፡ ንስድራ ግዳያት ሓደጋታት ማክስ 8 ነፈርቲ ክኽሕስ'ዩ

ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ተደፊኣ ትሓዝን ዘላ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ በረራ ኢቲ302 ዝነበሩ 157 ተጉዓዝቲ፡ እታ ነፋሪት ምስ ተበገሰት ኣብ ውሽጢ ለዘዋ ውሑዳት ደቓይቕ ብዘጋጠመ ጸገም ሓደጋ በጺሑዋ መይቶም'ዮም

ኩባንያ መፍረዪ ነፈርቲ ቦይንግ፡ ንቤተሰብ ግዳያት ሓደጋ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ነፈርቲ መንገዲ ኣየራት ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ክክሕስ ምዃኑ ኣፍሊጡ

እዚ ገንዘብ፡ ክልቲኦም መገዲ ኣየራት ብዘጋጠሞም ሓደጋ ናይ ዝሞቱ 346 ስድራ ግዳያት ዝወሃብ'ዩ።

እዚ ገንዘብ፡ ስድራ ግዳያት ብቤት ፍርዲ ንዘቕረቡዎ ኽሲ ዘይኮነ፡ እቲ ትካል ካብ ከይዲ'ቲ ፍርዲ ወጻእ ዘቕረቦ ክፍሊት'ዩ።

እዚ ኣብ ነዊሕ እዋን ክኽፈል ዝተብሃለ ካሕሳ ገንዘብ፡ ናይ ትምህርትን ካልኦት ወጻኢታቶምን ንምሽፋን ዝውዕል ምኻኑ ቦይንግ ሓቢሩ።

ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት፡ ቦይንግ ማክስ 737፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ብርክት ዝበላ ሃገራት ካብ በረራ ኣጊደንኦ'የን።

ዋንነት መገዲ ኣየር ኢንዶኖዢያ ዝኾነ ቦይንግ ማክስ 737፡ ናብ ጃካርታ ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ሓደጋ ምሕምሻሽ ኣጋጢሙዎ። ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዕድመ ዝገበረ ዝተብሃለ ዋንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነ ተመሳሳሊ ፍርያት ድማ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬኒያ ኣብ ዝበረሉ እዋን ተሓምሺሻ።

መርመርቲ እዞም ሓደጋታት፡ ኣብ ስርዓት ምቁጽጻር ብምትኳሮም፡ ቦይንግ እዚ ሶፍትዌር ኣብ ምምሕያሽ ክሰርሕ ጸኒሑ። እንተኸነ፡ ቦይንግ ማክስ 737 መዓዝ'ዩ ዳግም በረራ ዝጅምር ዝብል ንጹር ኣይኮነን።

ቦይንግ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ገንዘብ "ስድራ ግዳያት ንትምህርቲ፣ ካብ ጸገም ንምውጻእ ከምኡ'ውን ግዳያት እቲ ሓደጋ ዝኾኑ ስድራ ዕለታዊ ወጻኢኦም ንምሽፋንን ንቑጠባዊ ልምዓትን ዝውዕል'ዩ። ቦይንግ እዞም ጉዳያት ንምፍታሕ፡ ምስ መንግስታውን ምንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ብሓባር ክሰርሕ'ዩ። እዚ ናይ መበገሲ ኢንቨስትመንት ድማ ኣብ ቐጸልቲ ሰለስተ ዓመታት ግብራዊ ክኸውን'ዩ" ኢሉ።

ቦይንግ፡ ብስድራ ግዳያት ሓደጋታት መገዲታት ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶኖዢያን ብዙሓት ክስታት ተመስሪትሉ'ዩ።

እቲ ኩባኒያ ድማ፡ ሽሕ'ኳ እቶም ስድራ ግዳያት ንክሰማምዑ ድሉዋት እንተዘይኮኑ፡ ምስ ስድራ ግዳያት ብምልዛብ ብስምምዕ ክውድኦን ገንዘብ ንክኸፍልን ይዘራረብ ኣሎ።