መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ መገዲ ኣየር

ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፋሪት ፅዕነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዘጋጠሞ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኣብ ስንባደ'ኳ እንተሃለወ፡ ሕዚ'ውን ግን ኣብ ኣፍሪቃ ዕውት መገዲ ኣየር ዝብል ዓለማዊ ተቐባልነቱ ከም ዘሎ'ዩ።

ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ብሉፅ መገዲ ኣየር ብዝብል ክሕረ ከሎ፡ ብርትዓውነት ዋጋ ትኬት፣ ብቕዓት ኣገልግሎት፣ ድሕነት በረራን በዝሒ መስመራት በረራን ብዝብሉ መዕቀንታት

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ስታር ኣሊያንስ ናብ ዝተበሃለ ዓለማዊ መርበብ [ኔትወርክ] መገዲ ኣየር ብኣባልነት ክጥርነፍ ምኽኣሉ፡ ናብብዙሓት መስመራት ንምብራር ዘኽእሎ ዕድል ፈጢርሉ።

ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ መገዲ ኣየር ክኸውን ከሎ፡ ኣብታ ኣህጉር ብኣትራፍነት ካብ ዝልለዩ መገድታት ኣየር'ውን ሓደ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ዓመተ በጀት 2017/2018 ኣስታት 10.6 ሚልዮን ሰባት ብምጉዕዓዝ 245 ሚልዮን ዶላር ክስቢ ረኺቡ።

ኣብ 1945 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ብሃፀይ ሃይለስላሰ ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን፡ ዘመናውነት ንምትእትታውን ብድኽነት ዝልለ ሕማቕ ምስሊ እታ ሃገር ንምቕያርን ዝዓለመ ምንባሩ ይዝረብ። ፈላማይ [መኽፈቲ] በረራ ድማ ኣብቲ ዓመት ብኣስመራ ገይሩ ናብ ካይሮ - ግብፂ በፂሑ።

Presentational grey line

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቑፅርታት

  • 74 ዓመት ዕድመ
  • 111 ነፈርቲ
  • 127 ዝበፅሓሎም ቦታታት [ደስቲኔሽንስ]
  • 10.6 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ኣብ በጀት ዓመት 2017/2018
  • 3.1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ኣብ በጀት ዓመት 2017/2018
  • 245 ሚልዮን ከስቢ
Presentational grey line

ኣብ ናይ ምስፍሕ ስራሕቲ ብምህላዉን 111 ነፈርቲ ብምውናኑን ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መገዲ ኣየር ይገብሮ። ናብ 106 ዓለማዊ ከምኡ'ውን 23 ሃገራዊ [ናይ ውሽጢ ዓዲ] በረራታት'ውን ኣለውዎ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ቦይንግ 787 'ድሪም ላይነር'ን 757 [ዓይነት ናይ ፅዕነት ነፈርቲ] ብምዕዳግ ኣብ ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ይስራዕ። ዝህቦ ኣገልግሎት ዘመናዊ ንምግባርን ዓቕምታቱ ንምስፋሕን ዓበይቲ ስራሕቲ የሳልጥ ኣሎ።

ዝነውሐ ዕድመ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 5.4 ዓመታት ኮይኑ፡ ምስ መገዲ ኣየር ብሪቲሽ (13.5)፣ መገዲ ኣየር ዩናይትድ (15)ን መገዲ ኣየር ኣሜሪካ (10.7) ዓመታት ክነፃፀር ከሎ ዝነኣሰ እዩ።

ካብ ኣፍሪቃ ብድሕነት በረራ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዑ ሓደ'ዩ። ይኹን ደኣ'ምበር ኣብ ታሪኹ ኣርባዕተ ዓበይትን ከበድትን ሓደጋታት ኣጋጢሞምዎ ኣለዉ።

እቲ ንመወዳእታ ግዜ ዘጋጠመ ብ2010 ኣብ ልዕሊ ቁፅሪ በረራ ET409 ዝበፅሐን ካብ ቤይሩት ምስ ተበገሰት ድሕሪ ሓሙሽተ ደቓይቕ ሓዊ ዝፈጠረትን ኮይና፡ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ብምጥሓላ ንኣባላት በረራ ሓዊሱ 89 ሰባት ሞይቶም።

ሽዑ ኣባላት ምርመራ ሊባኖስ ኣብራሪ ብዝፈጠሮ ስሕተት ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ክገልፁ ከለዉ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ነዚ ቅቡል ኣይገበረን።

ኣብ 1988 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ፡ ናብ ሞተራ ኣዕዋፍ ዝኣተውኣ ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ባህርዳር ክትዓልብ ብዝተፈጠረ ሓዊ፡ 35 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ 1996 ኣ.ኣ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ኬንያ ይበርር ዝነበረ ቦይንግ 767 ተጨውዩ ናብ ካልእ መስመር ክበርር ስለዝተገደደን ኣብ ሞንጉኡ ነዳዲ ስለዝወደአን፡ ኣብ ጥቓ ደሴታት ኮሞሩሮስ ውቅያኖስ ህንዲ ተሓምሺሹ፡ ካብ 175 ተጓዓዝቲ እቶም 125 ህይወቶም ሓሊፉ።

ኮኾብ ኣፍሪቃ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንኻልኦት ኣፍሪቃውያን መገዲ ኣየራት ኣብ ምሕጋዝ'ውን ተሳትፎ ብምግባር ይልለ።

ንመገዲ ኣየር ማላዊ ብምንቕቓሕ 49 ሚኢታዊት ብፅሒት ክውንን ኪአሉ። ብተመሳሳሊ ኣብ መገዲ ኣየር ዛምቢኣ 45 ሚኢታዊት ብርኪ(ብፅሒት) ኣለዎ። ኣብ ሞዛምቢክ እውን ሓድሽ መገዲ ኣየር ንምኽፋት ሓገዝ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ'ዩ።

ኣብ ጂቡቲ፣ ጫድ፣ ኢኳቶሪያል ጊኒን ኣናኣሽቱ ዞባዊ መዋፈርታት ንምጥያሽ ይዘራረብ ኣሎ።

እቲ መገዲ ኣየር ሓደሽቲ ስትራቴጂታት ዕዳጋ ይኽተል ዘሎ ይመስል። ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ኣብረርቲ ክሳብ መተኣናገድቲ (ሆስትስ) ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝመርሕኦ በረራ ኣዲስ ኣበባ - ኦስሎ ነዚ የርእይ።

ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝግበሩ በረራታት ድማ ዱባይ ከም መሰጋገሪት ኮይና ትመርሖ ንዝነበረት ዕዳጋ ክቆፃፀሮ ኪኢሉ።