ቅልውላው ትግራይ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ 'ኣጽዋር ውግእ ኣይጽዓንኩን' ኢሉ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ'ታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ትግራይ ኣጽዋር ውግእን ወተሃደራት መንግስትን ኣመላሊሱ ዝብሉ ጸብጻባት 'ኣይወዓልኩዎምን' ክብል ነጺጉ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ናብቲ ክልል ዝግበሩ ተቛሪጾም ዝነበሩ በረራታት ምስ ተኸፍቱ ሲቪል ሰባት ጥራይ ከም ዘመላለሰ ኣብ መግለጺኡ ኣብሪሁ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ኣብ ትግራይ ኲናት ምጅማሩ ስዒቡ፡ ካብን ናብን'ቲ ክልል ዝግበሩ በረራታት ጠጠው ኢሎም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

እቲ በረራ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 መሊሱ'ኳ እንተጀመረ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ድማ ሓይልታት ትግራይ ንመቐለን ካልኦት ከባቢታትን ትግራይን ምስ ተቖጻጸሩ ዳግም ጠጠው ኢሉ'ዩ።

እቲ መንገዲ ኣየር ከም ዝብሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብቲ ክልል ዝኾነ በረራ ኣካይዱ ከም ዘይፈልጥ ኣረዲኡ።

ዓለም ለኸ ሕጊታት ሲቪል ኣቬሽን ብምጥሓስ ናብ'ቲ ኲናት ዝካየደሉ ከባቢ ኣጽዋርን ወተሃደራትን ኣመላሊሱ ዝብሉ ብኣሳእል ዝተደገፉ ክስታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቕርብሉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እቲ መገዲ ኣየር ግን፡ እቶም ከምዚ ዓይነት ጸብጻባት ንስም እቲ መገዲ ኣየር ከጸልሙ ካብ ዝህቅኑ ሰባት ዝመጽኡ ዘለው'ዮም ብምባል ጠቐነ እዩ ክብል ነጺጉዎ።

እቶም ወተሃደራዊ ክዳን ኢትዮጵያ ገይሮም ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተልዓሉ ኣሳእል ድማ፡ ናይ ቀደም ከም ዝኾኑን ናብቲ ተጻብኦታት ዘለዎ ከባቢ፡ ወተሃዳራት ኣመላሊሱ ከም ዘይፈልጥን'ውን ሓቢሩ።

ካብ 22 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት በረራ ከይህሉ ዝተኸልከለ ኮይኑ፡ መንግስቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከቕርቡ ንዝደልዩ ፍቓድ ከም ዝህብን በረራታት'ውን ካብ 28 ሰነ 2013 ጀሚሩ ከም ዝጀመሩን ገሊጹ ነይሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ንክገብር'ኳ እንተተፈቐደሉ፡ እቲ ትካል ግን ድሕሪ እታ ናይ መጀመርታ በረራ ካልእ ፍቓድ ኣይረኸብኩን ይብል።

መንግስቲ ብፍሉይ ሰብኣዊ በረራታት ቅድሚ ምክያዶም፡ ናይ በረራ ቑጽሪ፣ ዓይነት ነፋሪት፣ ዕላማ በረራ፣ ዝርዝር ተጉዓዝትን ጽዕነትን ዝገልጽ መረዳእታ ክቐርብ ከም ዘለዎ ምግላጹ ይዝከር።

ብተወሳኺ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝለዓላን ዝመጽኣን ነፈርቲ፣ ብናይ ጽዕነት ነፈርቲ፣ ተጉዓዝቲ፣ ሰራሕተኛታትን ፍተሻን መርመራን ክግበረሎም ዝእዝዝ መምርሒ'ዩ ኣዳልዩ።

ከምኡ'ውን ገዘፍቲ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ዝምልከት ክኽፈቱ ዝግብኦም እንተኾይኑ እዚ'ውን ተግባራዊ ክኸውንን ስሩዕን ደረጅኡ ዝሓለወን ተፍትሽ ክግበር እዩ ይብል።

ኣብዚ በረራ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስታዊ ዘይኮኑ ዓለምለኻዊ ትካላትን ሓዊሱ 34 ሰራሕተኛታት ረድኤት ከም ዝነበሩ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ኣብ ትግራይ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንነጀው ልዕሊ 2.1 ሚልዮን ነበርቲ እቲ ክልል ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም'ዮም።

ኣብ ሱዳን ልዕሊ 67 ሽሕ ሰባት ዕቑባ ክሓቱ እንከለው፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ኣለው ተባሂሉ ይስጋእ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክመልስን ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክኽፈትን ጻውዒት ይቐርበሉ ኣሎ።