ቅልውላው ትግራይ፡ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ዝዓግት ዘሎ ነገር እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ እቲ ከም ብሓድሽ ዝተወልዐ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ብድሆ የጋጥመን ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5 ሚልየን ሰባት ኣብ ዘስካሕክሕ ትፅቢት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝርከቡ ገሊፁ'ዩ።
ሓገዝ ንምብፃሕ ዘይተኻእለሎም ከባቢታት ኣየኖት እዮም?
ዋላ'ኳ ኣብ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ እንተድለየ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ትግራይ ሓገዝ ምብፃሕ ኣዝዩ በዳሂ ኮይኑ'ዩ ፀኒሑ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ሰሜናዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ ትግራይ ንምሓዝ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ደማዊ ኲናት ተኻይዱ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ውግእ ናብታ ናብ ትግራይ ንምእታው ብሕታዊት መገዲ ዝኾነት ናብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ተሳሒቡ ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ሓድሽ ጎንፂ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁፀሩ ሰባት ዝተመዛበሉ እንትኾኑ፡ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ የድልዮም።
ሓገዝ ምብፃሕ ዝከኣለለን ከባብታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ (ህወሓት) ዝርከባ ኣለዋ እየን።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ኣብ ትግራይ ሓገዝ ዘድልዮም 75 ሚእታዊት ምብፃሕ ከምዝከኣል'ዩ ዝገልፅ፤ እዚ ኣሃዝ ኣብ ወርሒ ጉንበት 30 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ኔሩ።
እንተኾነ፡ ኣብዞም ከባብታትን ብቀጥታ ምብፃሕ ዘይከኣሉን ከባብታት፡ "እቲ ዘሎ ቀረብ ብቕልጡፍ ይመናመን ከምዘሎ" ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።
ኣብዚ ወርሒ መኻይን ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ጥራሕ እየን ብዕዉት መገዲ ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ምብፃሕ ክኢለን።
ኣብቲ ዝሓለፈ 12 ሓምለ 54 መኻይን ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት "ድሕሪ ናይ መዓልትታት ምኽልካል መገዲ" ምግብን ካልኦት ወሰንቲ ሓገዝን ናብ ከተማ መቐለ ኣትየን'የን።
እንተኾነ ኣተሓባባሪት ኤጀንሲ ልምዓት (USAID) ሳማንታ ፓወር፡ እዚ ረድኤት፡ ኣብዚ ወርሒ ካብ ዘድልይ ሓገዝ ምግቢ ሓደ ሚእታዊት ጥራሕ'ዩ ኢላ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ቅልውላው ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝ በብመዓልቱ ብውሑዱ 60 መኻይን ሓገዝ ክኣትዋ ከምዝግባእ እዩ ዝገልፅ።
ምዕጋት መኻይን ሓገዝ
ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሑ ጉንበት ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝግበሩ በረራታት ኣየር ተቛሪፆም እዮም፤ እዚ ማለት ብኣየር ሓገዝ ናብ ትግራይ ምግዓዝ ኣይከኣልን።
ስለዝኾነ ድማ ኩሎም ቀረባት ብመገዲ ተጓዒዞም ክኣትዉ ግድን ይገብሮ፤ እንተኾነ መብዛሕትኦም መስመራት ተዓፅዮም'ዮም።
ኣብቲ ኵናት ምስ መንግስቲ ፌደራል ወጊኖም ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ብደቡባዊ ትግራይ ሓገዝ ከይኣቱ ይኽልክሉ ኣለዉ። ኣብቲ ዝሓለፈ 29 ሰነ 29 መኻይን ሓገዝ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም በዞም ሓይልታት ካብ መገዲ ክምልሳ ከምዝተገደዳ ፀብፃባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ብወገን ሱዳን'ውን ናብቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ጉጅለ ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ ሓገዝ ምቕራብ ዘይከኣል እዩ ኮይኑ ፀኒሑ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ስለዝኾነ ከኣ፡ ክሳብ ቀረባ ግዘ ናብ ትግራይ ሓገዝ ንምብፃሕ እቲ ብሕታዊት መገዲ ብሸነኽ ምብራቕ፡ ክልል ዓፋር ጥራሕ እያ ኔራ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ናብ ዓፋር ብምልብዑ፡ በዚ ክልል ሓገዝ ምብፃሕ ሓደገኛ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ዝፀዓና 10 መኻይኑ መጥቃዕቲ ምስተፈፀመ፡ ብዓፋር ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዘብፅሖ ሓገዝ ኣቋሪፁ።
ነዚ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈፀሞ ዋላ'ኳ ግልፂ እንተዘይኾነ፡ ተዓዘብቲ ግና ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ምልሻታት ከምዝፈፀምዎ እዮም ዝገልፁ።
ትካል ምግቢ ዓለም፡ ካልኦት ተወሰኽቲ 20 መኻይን ሓገዝ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ተዳልየን'ኳ እንተሃለዋ፡ ኩነታት ፀጥታ ክሳብ ዝመሓየሽ ግና እተን መኻይን ናብ ትግራይ ከምዘይኸዳ ኣፍሊጡ።
ክስታት መንግስቲ
ኮምሽነር ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣይተ ምትኩ ካሳ፡ መኻይን ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይበፅሓ ህወሓት ኣብ ዓፋር ይገትአን ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ'ውን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሸነኽ ዓፋር ናብ መቐለ ከይበፅሕ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብኸቢድ ብረት መንገድታት ብምድብዳብ ይዓግቱ ኣለዉ ብምባል ከሲሱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት ነዚ ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ኣይሃበሉን፤ ቅድም ቅብል ግና፡ "ድሕንነትን ውሕስነትን ሰራሕተኛታት ረድኤት ንምውሓስ ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ ኩሉ ከምዝገብር" ኣፍሊጡ'ዩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን ናብ ትግራይ ኣብ ዝወስዱ መስመራት ንዝኸዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ኣብ ኬላታት ምድንጓያት ከምዘሎ ገሊፁ።
ንትካላት ረድኤት ክነቅፍ ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኩለን ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ኣብ ኬላታት ክፍትሻ ይግባእ ይብል።
ሚኒስቴር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሬድዋን ሑሴን፡ ስሞም ዘይፀርሖም ትካላት ሓገዝ "ምስ ህወሓት ይሰርሑ ኣለዉ፡ መንግስቲ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣፅዋርን ናውትን የብፅሑ ኣለዉ'ዮም" ኢሉ ምኽሳሱ ስዒቡ'ዩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ኣብ ኬላታት ክፍትሻ ይግባእ ዝበለ።
ኣይተ ሬድዋን ብተሌቬዥን እታ ሃገር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "እቲ ዘሎ ጎንፅን ናዕብን ንምንዋሕ፡ ሓገዝ ዝብል ሽፋን ተጠቒሞም፡ ንሓይልታት ህወሓት ከዕጥቑ'ዮም ፀኒሖም" ኢሉ።
ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሓገዝ ዝግበር ዘሎ ምጥርጣር፡ "ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ድሕንነቶምን ኣብ ሓደጋ የውድቖ" ከምዘሎ ገሊፁ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕቡራት ሃገራት፡ ኲናት ትግራይ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ 12 ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ'ዩ።
መራኸብታት ደስኪሎም
ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ 5 ሓምለ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንሰብኣዊ ሓገዝ በረራታት ከምዝፈቅድ ኣፍሊጡ ኔሩ።
እንተኾነ፡ ነዞም በረራታት ንምክያድ፡ ኩሎም ዝግበሩ በረራታት ቅድሚ ናብ ትግራይ ብቐጥታ ምብራረን ንምቁፅፃር ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ክዓርፋ ግድን እዩ ዝብል ፅኑዕ ረቛሒ'ዩ ኣንቢሩ።
ክሳብ ሕዚ በዞም በረራታት ብዘይካ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ዝበፅሐ ሓገዝ ምግቢ የለን።
ዓለምለኻዊ ትካል ቀይሕ መስቀል (ኣይሲኣርሲ)'ውን ፡ ፅንኩር ፋይናንሳዊ ሕፅረት የጋጥሞ'ሎ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሕዚ ክሳብ ዝመፅእ ወርሒ ታሕሳስ፡ 435 ሚልየን ዳላር ተወሳኺ ገንዘብ ከምዘድልዮ የአንፍት።
መራኸብታትን ሓይሊ ኤሌክትሪክን መብዛሕትኦም ከባብታት ትግራይ ተቛሪፁ'ዩ፤ እዚ ድማ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ በዳሂ ጌርዎ ይርከብ።
ሕቡራት ሃገራት፡ "ሕፅረት ነዳድን ገንዘብን፣ ምድስካል መራኸብታትን፡ ንቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዮም የተኣጓጉሉ ኣለዉ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







