ቅልውላው ትግራይ፡ ኦቻ ናብ መቐለ ኣብ ዝነበሮ በረራ ኣገደስቲ ኣፋውስ ምውሳድ ከም ዝተኸልከለ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, THE MINISTRY OF FOREIGN AFFAIRS OF ETHIOPIA
ብ15 ሓምለ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዝነበረ ፈላማይ በረራ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራሕተኛታቱ ኣገደስቲ ኣፋውስ ንምውሳድ ከም ዝተኸልከሉ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት [ኦቻ] ኣፍሊጡ።
መድሃኒት ጸረ ዓሶ ሓዊሱ፡ መዐገሲ ቓንዛ፣ መድሃኒታት ልብን ሽኮርን ዝርከቡዎም መሰረታዊ ኣፋውስ ሒዝካ ምኻድ ስለ ዘይተፈቕደ ክልተ ሰራሕተኛታቱ ከም ዝተረፉ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እዞም ሰራሕተኛታት ኣብዞም መድሃኒታት ጽግዕተኛታት ዝኾነ ኩነታት ጥዕና ስለ ዘለዎም ድማ ናብቲ ከባቢ ከይተጉዓዙ ከም ዝተረፉ ገሊጹ።
እታ ነፋሪት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጽኑዕ ተፍትሽ ከም ዝገጠማ ዝገልጽ ኦቻ፡ ናይ ውልቂ መድሃኒታት፣ ላፕቶፕ፣ ዩኤስቢ ድራይቭን ካልኦት ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰሩ እታወታትን ከይወስዱ ከም ዝተኸልከሉ'ዩ ገሊጹ።
ኣብዚ በረራ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስታዊ ዘይኮኑ ዓለምለኻዊ ትካላትን ሓዊሱ 34 ሰራሕተኛታት ረድኤት ከም ዝነበሩ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ኣብቲ እዋን፡ ነፍሲ ወከፍ ተጉዓዚ ናብ ትግራይ ሒዙዎ ክጉዓዝ ዝተፈቕደሉ መጠን ገንዘብ 225 ዶላር [10 ሽሕ ብር] ጥራሕ ኮይኑ እዚ ኣብ ትግራይ ንዝህልዎም ጻንሒት እኹል ኣይኮነን ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ባንክን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎትን ስለ ዝተቛረጸ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዝገጠሞ ሓቢሩ።
እዚ ኦቻ ኣጋጢሙኒ ዝብሎ ዝምልከት ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መብርሂ የለን።
ቅድም ኢሉ፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘኽእል ኩለ መዳያዊ ፍቓድ ከም ዝሃበ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰብኣዊ ምቁራጽ [በይናዊ] ተጻብኦ እውን ከም ዝኣወጀ ክገልጽ ጸኒሑ።
ብሮቡዕ ወሃቢት ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት 4.5 ሚልዮን፣ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ን4.2 ሚልዮን ተተሊሙ፣ ሳልሳይ 4.9 ሚልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሖም ተገይሩ'ዩ ኢላ።
እዚ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ ከም ዝተገብረ'ውን ገሊጻ ነይራ።
ካብ 22 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት በረራ ከይህሉ ዝተኸልከለ ኮይኑ፡ መንግስቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከቕርቡ ንዝደልዩ ፍቓድ ከም ዝህብን በረራታት'ውን ካብ 28 ሰነ 2013 ጀሚሩ ከም ዝጀመሩን ገሊጹ ነይሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ንክገብር'ኳ እንተተፈቐደሉ፡ እቲ ትካል ግን ድሕሪ እታ ናይ መጀመርታ በረራ ካልእ ፍቓድ ኣይረኸብኩን ይብል።
መንግስቲ ብፍሉይ ሰብኣዊ በረራታት ቅድሚ ምክያዶም፡ ናይ በረራ ቑጽሪ፣ ዓይነት ነፋሪት፣ ዕላማ በረራ፣ ዝርዝር ተጉዓዝትን ጽዕነትን ዝገልጽ መረዳእታ ክቐርብ ከም ዘለዎ ምግላጹ ይዝከር።
ብተወሳኺ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝለዓላን ዝመጽኣን ነፈርቲ፣ ብናይ ጽዕነት ነፈርቲ፣ ተጉዓዝቲ፣ ሰራሕተኛታትን ፍተሻን መርመራን ክግበረሎም ዝእዝዝ መምርሒ'ዩ ኣዳልዩ።
ከምኡ'ውን ገዘፍቲ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ዝምልከት ክኽፈቱ ዝግብኦም እንተኾይኑ እዚ'ውን ተግባራዊ ክኸውንን ስሩዕን ደረጅኡ ዝሓለወን ተፍትሽ ክግበር እዩ ይብል።
ኣብ ትግራይ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንነጀው ልዕሊ 2.1 ሚልዮን ነበርቲ እቲ ክልል ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም'ዮም። ኣብ ሱዳን ልዕሊ 67 ሽሕ ሰባት ዕቑባ ክሓቱ እንከለው፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ኣለው ተባሂሉ ይስጋእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







