ቅልውላው ትግራይ፡ ሓላፊት ዩኤስኤይድ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ጸቕጢ ንምግባር ናብ ኢትዮጵያ ክትገይሽ’ያ

ምንጪ ስእሊ, USAID
ሓላፊት ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ሳማንታ ፓወር ካብ ጽባሕ ቐዳም ክሳብ ዝመጽእ ሮቡዕ ኣብ ዘለው መዓልታት ናብ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ምብጻሕ ብምግባር ምስ ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ከም እትዘራረብ ተገሊጹ።
እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ክልል "ምጽናት ዓሌት ከይፍጸም ብምስጋእ እቲ ጎንጺ ጠጠው ንምባል ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝርርብ ክግበር ተስፋ ብምግባር ምምሕዳር ጆ ባይደን ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ጸቕጢ ክገብር" ከም ዝደሊ ሓቢሩ።
ወሲኹ ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ከየጋጥም ዝተማልአን ዘይተገደበን ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ምብጻሕ እዩ ኢሉ።
ሳማንታ ፓወር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዋ ጻንሒት ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ከም እትዘራረብ ክግለጽ እንከሎ፡ ዩኤስኤይድን መሓዙትን ትካላትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሑዎም ዘለው ስራሕቲ ቐረብ ሰብኣዊ ረድኤት ክትዕዘብ እያ ተባሂሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እዚ ሰሜን ድሕሪ ዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ'የ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ወሲደ ዝብል ማእከላይ መንግስቲ እቲ ኲናት ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ብዓወት ከም ዝተወድአ'ኳ እንተገለጸ ክሳብ ሕጂ ቐጺሉ ኣሎ።
ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ ድማ መንግስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰራዊቱ ብምስሓብ ምቁራጽ [በይናዊ] ተጻብኦታት ከም ዝኣወጀ ይገልጽ።
እንተኾነ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ጎንጺ ሕጂ ናብ ጎረቤት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒኹ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለው ይግለጽ ኣሎ።
ኣብቲ ኲናት ኣሽሓት ክሞቱ እንከለው፡ ኣስታት ክልተ ሚሊየን ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ተመዛቢሎም፤ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ከኣ ህጹጽ ሓገዝ ይጽበ።
ብተወሳኺ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ዓጸቦ ተቓሊዖም ከም ዘለው ብምግላጽ፡ ናብቲ ክልል ሓገዝ ምብጻሕ ዝክኣለሉ መገዲ ክኽፈት ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ክልል ዓፋር'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 70 ሽሕ ነበርቲ ከም ዝተመዛበሉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሳማንታ ኣብ ትዊተር ኣብ እተስፍሮም ጽሑፋትን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት እተስምዖ ዘረባን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ከፍቅድ ኣለዎ ክትብል ጸኒሓ'ያ።
እንተኾነ ደገፍቲ ማእከላይ መንግስቲ፡ እዚ ጎስጓስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ንምሕዳር ዝዓለመ'ዩ ብምባል ይቃወሙዎ።
ብኻልእ ወገን፡ ሓድሽ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ምብጻሕ ይገብር ኣሎ።
እቲ ሓድሽ ሓላፊ ናብ ትግራይ ብምኻድ በሰንኪ እቲ ኲናት ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ከም ዘዘራርብ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ንዝገብሩ ትካላት ዝበጽሖም ዘሎ ዕንቅፋት'ውን ንምርዳእ ክፍትን ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ሓላፊ፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ብምኻድ ምስ ሰብ ስልጣን እቲ ክልል ንምዝርራብ ትልሚ ከም ዘለዎ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
"ሰብኣዊ ረድኤት ዝልግሱ ትካላት ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ምስ መንግስትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኮይኖም ክሰርሑ ድልዋት እዮም" ኢሉ።
ኣብ ኲናት ትግራይ ብርክት ዝበለ ንብረት ክዓኑ እንከሎ፡ ብሰንኪ እዚ ኲናት ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝሃደሙ ልዕሊ 67 ሽሕ ዜጋታት ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም ይርከቡ።
ሳማንታ ፓወር ናብ ሱዳን ኣብ እትኸደሉ እዋን ድማ ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ከም እትዘራረብን ብምኽንያት ኲናት ትግራይ ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ከም እትበጽሖምን ተሓቢሩ።
ሱዳን ብሲቪል መንግስቲ እናተመርሐት ዴሞክራሲያዊ ስግግር ንክተምጽእ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ዩኤስኤይድ ክገብሮ ዝኽእል ሓገዝ ዝምልከት'ውን ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ክትዝትየሉ እያ።
ኣብዚ ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣካቢ ሉኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርናን ካልኦት ሰብ መዝን ክትራኸብ እያ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







