ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለው ተገሊጹ

ፍሉይ ሓልታት ዓፋር ኣብ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንዝሓለፉ ልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሕጂ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምልሓኹ መንግስቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝዋግኡ ዕጡቓት ምጉስጓስ ቐጺሉ ይርከብ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብሮቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስ ትግራይ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ብሰለስተ ግንባር ውግእ ከም ዝተኻየደ ገሊጹ።

ገሊኦም ውግኣት ከበድቲ ከም ዝነበሩ ግዛቸው ሙሉነህ ተዛሪቡ። ወሲኹ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎኒ ሓይልታት ኣምሓራ ኮይኑ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ከም ዝተዋግአ ሓቢሩ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣንጻር ህወሓት ይዋግኡ ከም ዘለው ብምግላጽ ኣብ ኩሎም ግንባራት ይዕወቱ ከም ዘለው ተዛሪቡ።

ገሊኦም ናይ ውግእ ሓበሬታታት ግን ብወግዒ ስለ ዘይዝረቡ ህዝቢ ብትዕግስቲ ክጽበ ኣለዎ ምባሉ ይዝከር።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ'ውን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘካይዱዎም ዘለው ውግኣት ይዕወቱ ከም ዘለው ብምግላጽ "ኣብ ቆቦን ዓዲ ኣርቃይ ጨው በርን ዝነበሩ ናይ መወዳእታ ከበድቲ ድፋዓት ተሰይሮም'ዮም" ክብል ገሊጹ።

ብህወሓት ዝምእዘን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ካብ ምምሕዳሩ ዝተኣለየ መንግስቲ ትግራይ ካብ መፈለምታ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣንጻር ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣብ ኲናት ከም ዝተጸምደ ይፍለጥ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንርእሰ ከተማ እቲ ክልል ዝኾነት መቐለ ካብ ዝቆጻጸሩ ንድሓር መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሮም ከም ዘእተው ክገልጹ እንከለው፡ መንግስቲ ፌደራል ድማ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣዊጁ ምህላው ይገልጽ።

ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ሕጂ'ውን ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ገሊጻ።

መንግስቲ ነዚ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተኣወጀ ተኹሲ ጠተው ናይ ምባል ኣዋጅ ከም ዘኽብር'ውን ሓቢራ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ መንግስቲ ፌደራል ንዘተ "ስቱር ድልየት ከም ዘለዎ ብምምሳል" ካብ ዝተፈላለያ ክልላት እታ ሃገር ሓይልታት ብምትእኽኻብ እቲ ጎንጺ ንክጋገድ ይገብር ኣሎ ክብል ይኸስስ።

ህወሓት ቅድም ኢሉ ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝቕበል ክገልጽ እንከሎ፡ ንዝበዝሕ ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ቦትኦም ምስ ዝምለሱ ንዘተ ቕሩብ ከም ዝኸውን ቅድመ ኩነት ኣቕሪቡ።

ትማሊ ዝወጽአ መግለጺ ናይቲ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ'የ ዝብል ኣካል ድማ ደጊሙ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝቕበሎ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ ኣብቲ ክልል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ፣ መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ዝወሃብ ዓመታዊ በጀት 2013/2014 ዓ.ም ከፍቅድ፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዘኽእል ኩለ መዳያዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክኽፈት ዝብሉ ዝርከቡዎም ቅድመ ኩነት ጠሊቡ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ግበረሽበራዊ ጉጅለ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

ማሕበረሰብ ዓለም ተጻብኦታት ጠጠው ክብሉን ሃገራዊ ልዝብ ክጅመርን ጻውዒት ኣብ ዘቕርብሉ ዘለው እዋን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት እቲ ኲናት ኣብ ጎረቤት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቐጺሉ ተራእዩ'ዩ።

እቲ ኲናት ምኽንያት ምዝንባል ሚሊዮናት ሰባት ክኸውን እንከሎ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 400 ሽሕ ዝኾኑ ንሓደጋ ዓጸቦ ከም ዝተቓልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ክልል ዓፋር'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 70 ሽሕ ነበርቲ ከም ዝተመዛበሉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን ሰብ መዚ ምዕራብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ኣብ ልዕሊ 100 ዕጡቓት ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ገሊጹ።

ሓላፊ ኮሚሽን ፖሊስ ዓብዱላዚም መሓመድ ከም ዝበሎ መብዛሕትኦም ኣባላት ዕጡቕ ጉጅለ ግንባር ዴሞክራሲያዊ ህዝቢ ጉሙዝ ኮይኖም ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ብምፍጻም ይኽሰሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ክልል ብዝፍጸም ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ሞንጎ መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ሶማልን ዓፋርን ብዝተላዕለ ግጭት'ውን ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይፍለጥ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እንታይ እዩ ኢሉ?

እቲ ታሽዓይ ወርሑ ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ፡ ናብ ካልኦት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘሊቑ ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዘሎን ወተሃደራት ፌዴራል'ውን ይሳተፉ ከምዘለዉን ካብ'ቶም ክልላት ዝተረኸቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ግን፤ እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ኣመልኪቱ ንዝቀረበላ ሕቶ፤ ወተሃደራት ፌዴራል ኣብ ምክልኻል ዘትኮረ ስጉምቲ እንተዘይኮይኑ፡ "ዛጊድ መጥቃዕቲ ኣይፈነዉን" ኢላ።

"ሰራዊት ምክልኻል፡ እቲ ኣዋጅ ኣኽቢሩ'ውን እንተኮነ ንነፍሱ ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎ" ኢላ።

ኮይኑ ግና፡ ሓይልታት ህወሓት ካብ ወሰናት ክልል ትግራይ ሓሊፎም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክልላት ትንኮያ ይፍጽሙ ኣለዉ ክትብል ከሲሳ።

"ካብቲ ጉጅለ ዝፍኖ ዘሎ ዝኮነ ይኹን ወራር ነታ ሃገር'ውን ዘስግእ እዩ" ክትብል'ውን ወሲኻ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ባእሶም ምስ ሓይልታት መንግስቲ'ምበር ናይ ዝኾነ ይኹን ክልል መሬት ናይ ምጉባጥ ድሌት ከምዘይብሎም ይገልጹ።