ኣብ ኢትዮጵያ ነፋሪት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ወዲቓ

እታ ዝወደቐት ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, ቤት ጽሕፈት ህ/ርክባት ወረዳ ኮምቦልቻ

ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ኮምቦልቻ ከም ዝወደቐት ተገሊጹ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም እታ ነፋሪት ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ፡ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ረድኤት ጽዒና ካብ ጅጅጋ ናብ ድሬዳዋ እናበረረት እንከላ ከም ዝወደቐት ገሊጹ።

እቲ ትካል ኣብታ ነፋሪት ክልተ ሰራሕተኛታት ውሃብቲ ረድኤትን ሓደ ኣብራርን ተሓጋጋዚኡን ብሓፈሻ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝነበሩን በቲ ሓደጋ ከቢድ ዝብሃል ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዘይበጸሖምን ጠቂሱ።

እቲ ትካል ብምስዓብ ኣርባዕቲኦም ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ሕክምናዊ መርመራን ናብዮትን ይግበረሎም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ዞባ ምብራቕ ሃገርጌ ወረዳ ኮምቦልቻ፡ ብወገኑ እታ ነፋሪት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ቄረንሳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቀበሌ ከም ዝወደቐት ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ምስሊ ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ኣሰንዩ ብምውጻእ፡ ኣብታ ነፋሪት ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ኣብቲ ሓደ መጠናዊ መጉዳእቲ ከጋጥም እንከሎ ኣብቶም ሰለስተ ግን ዝኾነ ዘጋጠመ መጉዳእቲ ከም ዘየለ ሓቢሩ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም እታ ብኣገልግሎት በረራ ኣቢሲንያ እትውነን ነፋሪት ዝወቀደቐትሉ ምኽንያት የጻሪ ከም ዘሎ ትማሊ ኣማስይኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ትካል ብምስዓብ እቲ መርመራ ብኣገልግሎት በረራ ኣቢሲንያ፣ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ብብዓል መዚ ኣቭየሽን ክካድ ምዃኑ'ውን ጠቂሱ።