ጎንጺ እስራኤል-ጋዛ፡ ሂዩማን ራይትስዎች ኣብ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ገበን ኲናት ተፈጺሙ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ፖሊስ እስራኤልን ዕጡቓት ፍልስጤምን ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ገበን ኲናት ክብሃሉ ዝኽእሉ ግህሰታት ከም ዝተፈጸሙ ሂዩማን ራይትስዎች ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘካየዶ መርመራ ብሰለስተ ወተሃደራዊ መጥቃዕታት እስራኤል 62 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ክገልጽ እንከሎ፡ እቶም መጥቃዕታት ወተሃደራዊ ዒላማ ዝገበሩ ምንባሮም ዘርኢ መረጋገጺ ኣይተረኽበን ኢሉ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ግን ወተሃደራዊ ቦታታት ጋዛ እየ ዒላማ ገይረ ይብል።
ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስዎች ወሲኹ ዕጡቓት ፍልስጤም ናብ እስራኤል ብዝተኮሱዎም 4300 ሮኬታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ኣብጺሖም እዮም ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ን11 መዓልታት ኣብ ዝነበረ ግጭት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጋዛ ብውሑድ 260 ሰባት ክቕተሉ እንከለው ኣብ እስራኤል ድማ 13 ሰባት ተቐቲሎም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጋዛ ብውሑድ 129 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይሕብር።
ሰራዊት እስራኤል 200 ዕጡቓት ሓማስ ቀቲለ'ኳ እንተበለ፡ ንጋዛ ዝቖጻጸረ ሓማስ ግን 80 ዕጡቓት ከም ዝሞቱዎ'ዩ ዝገልጽ።
እቲ ሕጂ ሂዩማን ራይትስዎች ትኹረት ዝገበረሉ መርመራ እስራኤል ብዝፈጸመቶ ሰለስተ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ዝበሎም ሰላማውያን ሰባት እዩ።

- ብ10 ግንቦት - እስራኤል ዝተኮሰቶ ሚሳይል ኣብ ቤይት ሃኑን ብዘብጽሖ ጉድኣት ኣርባዕተ መንበሪ ኣባይቲ ክሃርም እንከሎ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም ይብል።
- ብ15 ግንቦት - ኣብ ልዕሊ መዕቆቢ ስደተኛታት ሻቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ ሰለስተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ክዓኑ እንከሎ 10 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ መርመራ እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል የመልክት።
- ብ16 መጋቢት - ኣብ ጋዛ ብተኸታታሊ ዝፍጸሙ ዝነበሩ መጥቃዕታት ነፈርቲ ኣብ መገዲ ኣል ዋዳ ዝርከቡ ሰለስተ ህንጻታት ከም ዘፍረሱን 44 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ይገልጽ።
መጽናዕቲ ሂዩማን ራይትስዎች ግን ሰለስቲኦም መጥቃዕታት ኣብ ዝበጽሖም ከባቢታት ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ምንባሩ ዘመላኽት ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ የለን ይብል።
ወሲኹ ሰላማዊ ሰባት መጥቃዕቲ ከይበጽሖም ጥንቃቐ ምግባር ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ መጠንቀቕታ ምሃብ ኣገዳሲ'ዩ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል "እቶም መጥቃዕትታት ወተሃደራዊ ቦታ ዒላማ ዝገበሩ'ዮም፤ ተሳተፍቲ ዘይኾኑ ሰባት ጉድአት ከይበጽሖም ከኣ ጥንቃቐ ገይርና ኢና" ምባሉ እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
ብሰሉስ ሰራዊት እስራኤል ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ሂዩማን ራይትስዎችን ካልኦትን፡ ሓማስ ናብ ከተማታት እስራኤል ሮኬት ብምትኳስ ዝፈጸሙዎ ገበናት ዓለምለኻዊ ግህሰት ሕጊ ኣብ ክንዲ ምኹናናን ቅድሚ ሕጂ መልሲ ዝሃብናሉ ክሲ ክሕዙ መሪጾም" ኢሉ።
ሂዩማንራይትስዎች ግን ጉጅለ ሓማስ ዝፈጸሞም መጥቃዕታት ዝድህስስ ጸብጻብ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ወግዓዊ ክገብር እየ ኢሉ።
ጉጅለ ሓማስ ብወገኑ "ዋላ'ኳ ሰራዊት እስራኤል ጃምላዊ ጨፍጫፍ እንተፈጸመ ብዝተኽኣለ መጠን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከይበጽሕ ጥንቃቐ ገይርና ኢና" ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







