እስራኤልን ፍልስጤምን ንስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ተግባራዊ ጌረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤልን ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስን ንዝበጽሕዎ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ተግባራዊ ጌሮም።
እቲ ዓርቢ ወጋሕታ ዝጀመረ ምቁራጽ ተዅሲ ነቲ ንልዕሊ 240 ሰባት ዝቐተለን ን11 መዓልታት ዝቐጸለን ደብዳብ መኸተምታ ገይሩሉ ኣሎ።
እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ድሕሪ ምዃኑ ፍልስጤማውያን ናብ ጎደናታት ክወጹ እንከለው፡ ሓማስ ኣጻብዕቱ "ኣብ ቃታ" ምህላው ኣጠንቂቑ።
ክልቲኦም ወገናት ማለት እስራኤልን ሓማስን ነቲ ጎንጺ ከም ዝተዓወቱሉ ይዛረቡ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እቲ ምቁራጽ ተዅሲ ንገስጋስ "ትኽክለኛ መገዲ" ዘርሑ ምዃኑ ተዛሪቡ።
እስራኤል ብሓሙስ ኣብ ቃዛ ንዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ሓማስ ዕላማ ዝገበረ ልዕሊ 100 ናይ ኣየር መጥቃዕታት ክተካይድ እንከላ፡ ሓማስ ብወገኑ ሮኬታት ናብ እስራኤል ተዂሱ።
ኣብ ምብራቓዊ እየሩሳሌም ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ንሰሙናት ዝቐጸለ ምፍጣጥ እናዓረገ ድሕሪ ምኻዱ፡ ብ10 ግንቦት 2021 እዩ ኣብ ቃዛ ኲናት ተወሊዑ።
ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌም ዝርከብ ኣስላምን ኣይሁዳውያንን ዝሰሓሓቡሉ ቅዱስ ቦታ ጠንቂ እቲ ግጭት እዩ።
ሓማስ፡ እስራኤል ካብቲ ቦታ ክትወጽዕ ብምጥንቃቕ፡ ሮኬታት ክትኩስ ድሕሪ ምጅማሩ እስራኤል ብናይ ኣየር መጥቃዕትታት ግብረ መልሲ ሂባ።
ኣብ ቃዛ ብውሕዱ ልዕሊ 100 ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዝርከብዎም 232 ሰባት ከም ዝተቐትሉ፡ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ይገልጽ።
እስራኤል ግና ካብ መንጎ እቶም ኣብ ቃዛ ዝተቐትሉ ብውሕዱ እቶም 150 ዕጡቓት ምንባሮም ትሕብር።
ሓማስ ብዛዕባ ኣብ ሓይልታቱ ዝወረደ ጉድኣት ኣይገልጽን።
ኣብ እስራኤል፡ ክልተ ቆልዑ ዝርከብዎም 12 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ። እስራኤል ከባቢ 4,000 ሮኬት ካብ ቃዛ ከም ዝተተኮሰላ እያ ትሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክልቲኦም ወገናት እንታይ ይብሉ?
ካቢነ ፖለቲካዊ ጸጥታ እስራኤል ነቲ ተዅሲ ንምቁራጽ ዝቐረበ ምኽረ ሓሳብ "ብምሉእ ድምጺ ከም ዝተቐበሎ" ተዛሪቡ።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ቤኒ ጋንዝ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ በቲ ኣብ ቃዛ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ "ተራእዩ ዘይፈልጥ ወተሃደራዊ ዓወት" ምምጽኡ ተዛሪቡ።
ሓደ በዓል ስልጣን ሓማስ ንኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ብእስራኤል ዝተኣወጀ ምቁራጽ ተዅሲ ንፍልስጤማውያን "ዓወት" ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ቤንያሚን ነታንያሁ ድማ ስዕረት ምዃኑን ተዛሪቡ።
እቲ ተዅሲ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ዓርቢ ሰዓት 2፡00 ወጋሕታ ድሕሪ ምቁራጹ፡ ብዙሓት ፍልስጤማውያን ሓጎሶም ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ውሒዞም።
ኣባል ቤት ምኽሪ ሓማስ ኣብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ዝኾነ ባስም ናኢም ግና ዘላቕነት እቲ ስምምዕ ዘጠራጥር ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ፍልስጤማውያን ፍትሒ ከይረኸቡ፡ ወረራ እስራኤል ደው ከይበለን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣብ እየሩሳሌም ትፍጽሞ ዓመጽ ከይተቋረጸን፡ እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ኣብ ዝኾነ እዋን ክጠሓስ ይኽእል እዩ" ኢሉ።
ኣባል ፖለቲካዊ ቢሮ ሓማስ፡ ኤዛት ኣል-ረሺቕ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ንእስራኤል ኣጠንቂቑ።
"ብልክዕ እቲ ኲናት ሎሚ ደው ይብል ኣሎ፤ እንተኾነ ነታንያሁን መላእ ዓለምን ኣጻብዕትና ኣብ ቃታ ከም ዘሎን ናይ ምክልኻል ኣቕምና ክነሕይሎ ምዃናን ክፈልጡ ይግባእ" ኢሉ።
ወሲኹ'ውን "ነታንያሁን ሰራዊትካን ንነግረኩም ኣሎና፤ እንተተመሊስኩም ክንምለስ ኢና" ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







