ዕጡቕ ጉጅለ ፍልስጤም ሓማስ መን እዩ?

ፍሊስጤማውያን መበል 31 ዓመት ምምስራት ሓማስ እናጸንበሉ [16 ሚያዝያ 2018]

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

መግለጺ ስእሊ, ፍሊስጤማውያን መበል 31 ዓመት ምምስራት ሓማስ እናጸንበሉ [16 ሚያዝያ 2018]

ኣብ ፍሊስጤም ካብ ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታት እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ ሰብን ኣጽዋርን ዘለዎ ጉጅለ ሓማስ'ዩ።

እቲ ሓማስ ዝብል ስም ብዓረብ ኮይኑ ምንቅስቃስ ዓረባዊ ጉጅለ ዝብል ትርጉም ኣለዎ።

እዚ ኣብ 1987 ዝተመስረተ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ጎላጉልን ጋዛን ዝሓዘቶ ቦታታት ንምምላስን ንእስራኤል ንምድምሳስን ዓሊሙ ዝተላዕለ ጉጅለ እዩ።

ሓማስ ክምስረት እንከሎ ክልተ ቀንዲ ዕላማታት ሒዙ እዩ ተበጊሱ።

በቲ ብብርጌድ ኢዘዲን ኣል ቃሲም ዝፍልጥ ወተሃደራዊ ክንፊ ኣንጻር እስራኤል ቃልሲ ምክያድን፡ ማሕበራዊ ድሕነት ፍሊስጤማውያን ንምውሓስን እዩ።

ሓማስ ብውሽጣዊ ዓቕሞም ሮኬታት ከፍርዩ ጀሚሮም እዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ 2005 እስራኤል ወተሃደራታን ሰፋሮኣን ካብ ጋዛ ምስ ሰሓበት ግን ሓማስ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ፖለቲካ ተሰጋጊሩ።

ኣብ 2006 ኣብ ዝተኻየደ ሕጋዊ ምርጫ ተዓዊቶም።

ብድሕሪ እዚ ነቲ ብፕረዚደንት መሓሙድ ዓባስ ዝምራሕ ፋታሕ ዝተባህለ ጉጅለ ክደፍእዎ ጀሚሮም።

ድሕሪ እዚ ክስተት እቶም ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ዕጡቓት ኣንጻር እስራኤልን እታ ጸግዒ እስራኤል ብምዃን ንሓማስ ንምንጻል እትሰርሕ ግብጽን ሰለስተ ግዜ ኵናት ኣካይዶም።

ሓማስ ከም ዕጡቕ ብእስራኤል፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሓይልታትን ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።

ነብሰ ቅትለታዊ መጥቓዕትታት

እቲ ብዙሓት ሰዓብቲ ዝነበርዎ ውድብ ናጽነት ፍሊስጤም (Palestine Liberation Organisation) ኣብ 1990ታት ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ምስ ከተመ'ዩ ፍሊስጤማውያን ንሓማስ ከም ሓደ ካልእ ኣገዳሲ ምርጫ ክርእይዎ ጀሚሮም።

ጉጅለ ሓማስ ኣብ ምዕኳኹ ዋላ'ኳ ካብ እስራኤል ተደጋጋሚ መጥቃዕትታትን ድብያታትን ይፍጸሞ እንተነበረ፡ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕትታት ብምክያድ ህላውኡ ከምስክር ተራእዩ።

ሓደ ካብ መስራሕቲ ነቶጉቲ ናይ ሓማስ ዝነበረ የሕያ ኣያሽ ኣብ ታሕሳስ 1995 ብእስራኤል ምስ ተቐተለ፡ ሓማስ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ወርሒ ለካቲትን መጋቢትን 1996 ኣብ ኣውቶቡሳት ብዙሕ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕትታት ብምክያድ ኣስታት 60 እስራኤላውያን ክቀትል ክኢሉ።

እቲ ተደጋጋሚ መጥቃትታት፡ እስራኤል ካብቲ ዝፈረመቶ ውዕል ሰላም ንክትወጽእ ቀሲብዋ፡ ቤንጃሚን ነታንያሁ'ውን ኣብቲ ዓመት እቲ'ዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።

ሓማስ ኣብ ህዝባውያን መጓዓዝያታት እስራኤል ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ እዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ብድሕሪ እቲ ኣብ ኦስሎ ዝተኸመ ውዕል ኣብ 2000'ውን ካምፕ ደቪድ ዝተሰመየ ብፕረዚደንት ቢል ክሊንተን ዝምራሕ ዘተ ሰላም ተፈቲኑ ነይሩ እዩ፤ እንተኾነ እዚ'ውን ርኡይ ለውጢ ከምጽእ ኣይክኣለን።

ጉጅለ ሓማስ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዓቕምታት እናደለበ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከካይድ ጀሚሩ።

ኣብ ፍሊስጤም'ውን ነቶም ብእስራኤልን ብብልሹው እቲ ፋታሕ ዝተዓብለለ ምሕደራ ሰብ መዚ ፍሊስጤምን ዝተሃሰዩ ዝበሎም ፍሊስጤማውያን ዝውዕል ክሊኒካትን ኣብያተ ትምህርትን ክኸፍት ጀሚሩ።

እዚ ኸኣ ብዙሓት ፍሊስጤማውያን ሰዓብቲ ንኸጥሪ ሓጊዝዎ።

መንፈሳዊ መራሒ ሓማስ ሸኽ ኣህመድ ያስን ኣብ መበል 15 ዓመት ጽንብል ምምስራት ሓማስ [27 ታሕሳስ 2002]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መንፈሳዊ መራሒ ሓማስ ሸኽ ኣህመድ ያስን ኣብ መበል 15 ዓመት ጽንብል ምምስራት ሓማስ [27 ታሕሳስ 2002]

ኣብ ሚያዝያ 2004 ናይ ሓማስ መንፈሳዊ መራሕ ዝኾነ ሸኽ ኣሕመድ ያሲንን ምክትሉ ዓንደል ዓዚዝ ኣል ራንተሪስን ኣብ ቃዛ ካብ እስራኤል ብዝተተኮሰሎም ሚሳኤል ተቐቲሎም።

መራሒ ፋታሕ ዝኾነ ያሲን ዓራፋት'ውን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2004 ምስ ሞተ ሞሓመድ ዓባስ ሓዲሽ መራሒ ፍሊስጤም ኮይኑ ተመሪጹ።

ኣብ 2006 ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ ሓማስ ዝለዓለ ዓወት ምስ ኣመዝገበ እቲ ኣንጻር ፋታሕ ዘካይድዎ ቅልስ ካልእ መልክዕ ክሕዝ ጀሚሩ።

ሓማስ፡ ፍሊስጤም ካብቲ ኣቐዲማ ምስ እስራኤል ዝኸተመቶ ውዕላት ከተንሳሕብን ጸቕጢ ክፈጥር ጀሚሩ።

ቻርተር 1988

ሓመስ ኣብ ዘጽደቆ ቻርተር፡ ፍሊስጤምን እቲ እስራኤል ዘላቶን ዓረባዊ መሬት ምዃኑ ብምእዋጅ፡ ምስ ኣይሁዳዊት ሃገር ዝተገበረ ዝኾነ ዓይነት ውዕል ሰላም ተቐባልነት ከም ዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ቻርተር ብምስዓብ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ተወለድቲ ኣይሁድ መጥቃዕቲ ክውሰድ ይጉስጉስ።

ኣብ 2017 ሓመስ ዘውጽጾ ሓዲሽ ፖሊስ ካብቲ ኣቐዲሙ ኣብ 1988 ዘውጽኦ ቻርተር ልዝብ ዝበለ ቃላት እዩ ተጠቒሙ።

ኣብቲ ናይ 2017 መግለጺ፡ ንሃገረ እስራኤል እኳ ከም ሃገር እንተዘይተቐበላ ሃገረ ፍሊስጤም ኣብ ጋዛ፡ ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቅ እየሩሳሌምን ክትምስርት እማመ ኣቕሪቡ።

እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ 1967 ዝነበረቶ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ሓማስ ዝገብሮ ቃልሲ ኣንጻር ኣይሁዳውያን ዘይኮነ ኣንጻር እቶም ጎበጥቲ ዝኾኑ ጽዩናውያን ከም ዝኾነ ምስ ገለጸ እስራኤል ጉጅለ ሓማስ "ንዓለም ከዐሽዋ ይሓስብ ኣሎ" ብምባል መልሲ ሂባትሉ።

ዳታት

እቲ ብሓማስ ዝምራሕ መንግስቲ እቲ ንሱ ዝኽተሎ ኣካይዳ ካብ ዓለም ብዓቢኡ ኸኣ ካብ እስራኤል ተቃውሞ ስለ ዘስዓበሉ ተሪር ዝኾነ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን እግዳታት ተነቢርዎ።

ሓማስ ነቶም ምስ ፋታሕ ዝደናገጹ ዕጡቓት ኣብ 2007 ካብ ጋዛ ምስ ጸራረጎም፡ እስራኤል ነቲ ናብ ጋዛ ዘዳውብ ቦታታት ብተሪር ዓጻጽያ ንሓማስ ኣብ ፍጹም ከባባ ኣእትያቶ።

ብድሕሪ እዚ ካብ ፍሊስጤም ናብ እስራኤል ዝትኮስ ሮኬታትን እስራኤል ናብ ፍሊስጤም እተካይዶ ናይ ኣየር ደብዳብን ኣይተቋረጸን።

እስራኤል ካብ ቃዛ ዝውንጨፈላ ሮኬታት ሓማስ ከምዝትኩሰላ እያ ትግለጽ፡ ነዚ ንምዕጋት ኸኣ ዶብ ብምስጋር ሰለስተ ግዜ ኣብ ቃዛ መጥቃዕትታት ኣካይዳ።

ሓማስ ኣብ 2007 እዩ ንፍሊስጤም ምሉእ ንምሉእ ተቆጻጺርዋ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓማስ ኣብ 2007 እዩ ንፍሊስጤም ምሉእ ንምሉእ ተቆጻጺርዋ

ኣብ ታሕሳስ 2008 እስራኤል ብዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ኣብቲ 22 መዓልታት ዝወሰደ ኵናት ልዕሊ 1300 ፍሊስጤማውያን ክቅተሉ እንከለዉ 13 እስራኤላውያን ሞይቶም።

ኣብ ሕዳር 2012 እስራኤል ካብ ቃዛ ዝፍነወላ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ንምቁጻይ ንሸሞንተ መዓልታት ዝቀጸለ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ብምክያድ ኣዛዚ ብርጌድ ቃሲም ናይ ሓማስ ዝኾነ ኣህመድ ጃብሪ ዝርከቦም መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባት ዝኾነ ኣስታት 170 ሰባት ክትቐትል እንከላ ብወገን እስራኤል ከኣ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም።

ሓማስ ንክልቲኦም መጥቃዕትታት ናይ እስራኤል ብምምካት ክወጽእ እንከሎ፡ ብዙሓት ፍሊስጤማውያን፣ ሓማስ ንእስራኤል ክምክት ብምኽኣሉ ብምውዳስ ክስዕብዎ ጀሚሮም።

ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሰነ ናይ 2014 እስራኤል፡ ሰለስተ ትሕተ ዕድመ እስራኤላውያን ተቐቲሎም ብምባል ናብ ምዕራባዊ ገማግም ሰጊራ ብዙሓት ኣባላት ሓማስ ምስ ኣሰረት ሓማስ ካብ ቃዛ ናብ እስራኤል ሮኬታት ክውንጭፍ ጀሚሩ።

ካብ ቃዛ ናብ እስራኤል ዝውንጨፍ ሮኬታት [15 ሕዳር 2012]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ቃዛ ናብ እስራኤል ዝውንጨፍ ሮኬታት [15 ሕዳር 2012]

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ሓማስ ነቲ ናብ እስራኤል ዝተፈነወ ሮኬታት ሓላፍነት ከምዝወስደሉ ምስ ገለጸ፡ እስራኤል ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብቲ 50 መዓልታት ዝወሰደ መጥቃዕቲ 1462 ሰለማውያን ሰባት ዝርከብዎም 2251 ፍሊስጤማውያን ቀቲላ፡ ብወገን እስራኤል ኸኣ 67 ወተሃደራትን ሽዱሽተ ሰለማውያን ሰባትን ተቐቲሎም።

ካብ 2014 ጀሚሩ ሓሓሊፉ ምልውዋጥ ቶኵሲ እኳ እንተነበረ ብሞንጎኝነት ግብጺ፣ ቐጠርን ሕቡራት ሃገራትን ክሃድእ ክኢሉ ነይሩ።

ኣብ ቃዛ ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ዝዓነወ ገዛ [1 ነሓሰ 2014]

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቃዛ ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ዝዓነወ ገዛ [1 ነሓሰ 2014]

ሓማስ ዋላ እኳ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን እግደታት እንተተገበረሉ ኣብ ውሽጡ ሮኬታት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ግን ከጥሪ ክኢሉ እዩ።

ሓማስ፡ ምስቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ፈታሕ ግን ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሕ ኣይክኣለን።

ኣብቲ ኣስታት 2 ሚልዮን ፍሊስጤማውያን ዝርከብዎ ቃዛ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እዩ እናኸፈአ ዝኸይድ ዘሎ።

ህዝቢ ብሕጽት ቀረብ ማይ፤ኤለትሪክን መድሃኒትን ይሳቐ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።