ኣብ ግጭት ምብራቕ የሩሳሌም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ቆሲሎም

የሩሳሌም 22 ሚያዝያ 2021

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ የሩሳሌም ወጥሪ ሰፊኑ እዩ ቀንዩ

ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ኣብ መንጎ ሕሉፋት የማናውያን ኣይሁድ፡ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልነ ብዝተፈጥረ ሓያል ግጭት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ቆሲሎም።

ብሓሙስ ብኣማኢት ዝቑጸሩ "ሞት ንኣዕራብ" እናበሉ ዝጭርሑ ሕሉፋት ሃገራውያን ኣይሁድ ምስ ፍልስጤማውያን ሰልፈኛታት ኣብ ከባቢ 'በሪ ደማስቆ' እዮም ተጋጭዮም።

ንኽልቲኦም ጉጅለታት ክፈላሊ ዝፍትን ዝነበረ ሓይሊ ፖሊስ ናይ ድምጺ ቦምባን መንብዒ ጋዝን ኣብቶም ሰልፈኛታት ክትኩስ እንከሎ፡ ገለ ካብ'ቶም ሰልፈኛታት ኣእማንን ጠራሙስን ከም ዝሰንደው ተገሊጹ።

ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም ኣለው።

ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም፡ ብውሕዱ 100 ፍልስጤማውያን ከም ዝቖሰሉ ክገልጽ እንከሎ እቶም 21 ናብ ሕክምና ክኸዱ ከምዝተገደዱ ሓቢሩ።

ብሓሙስ፡ ፍልስጤማውያን እቲ ንቡር ናይ ረመዳን ምትእኽኻባቶም ኣብ 'በሪ ደማስቆ' ከየካይዱ ፖሊስ ከም ዝኸልከሎም ከሲሶም።

ፖሊስ "ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ናዕቢ ተሪር ስጉምቲ ከም ዝወስድ" ምጥንቃቑ፡ ሮይተርስ ንሓደ ኣፈኛ ፖሊስ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

የሩሳሌም ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ምብራቕ የሩሳሌም፡ ብሃይማኖታት ኣይሁድ፡ እስልምናን ክርስትናን ቅዱሳት ዝበሃሉ ብርክት ዝበሉ ስፍራት ዝርከብዋ ብመንደቕ ዝተሓጽረት ጥንታዊት ከተማ እያ።

እስራኤል ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዮርዳኖስ ዝነበረ ክፋል፡ ኣብቲ ኣብ 1967 ዝነበረ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ምቁጽጻራ፡ ንብምልእቲ እታ ከተማ ዘይትመቓቐል መዲና ምዃና ትገልጽ።

ፍልስጤማውያን ብወገኖም ምብራቕ የሩሳሌም ናይታ ናይ መጻኢ ሃገረ ፍልስጤም ርእሰ ከተማ ምዃና ይገልጹ።