ፍልስጤም ምስ እስራኤልን ኣሜሪካን ዝተበጽሐ ስምምዓት ከም ትስርዞ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ኣባስ፡ ምስ ኣሜሪካን እስራኤልን ዝተበጽሐ "ኩሉ ስምምዓት" ከም ዝስርዞ ተዛሪቡ።
እዚ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣሜሪካን እስራኤልን፡ ንገለ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ናብ እስራኤል ንምጽንባር ዘውጽእኦ ትልሚ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።
ሕጂ እስራኤል "ነቲ ቦታ ተቖጻጺራቶ ብምህላዋ፡ ኩሉ ሓላፍነት ክትስከም ይግባእ" ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ተመሳሳሊ መጠንቀቕታት ክወሃብ እኳ እንተጸንሐ ከም ዘይተተግበረ እዩ ዝግለጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ፡ ኣብ ሰፈራታት ኣይሁድን ለሰ ዮርዳኖስን፡ ሉኣላውነት እስራኤል ከተግብር እዩ ዝደሊይ።
እዚ ምስቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝዘርግሖ "ውጥን ሰላም" እስራኤልን ፍልስጤምን ዝሳነይ እዩ።
ውጥን ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ 70% ምዕራባዊ ገማግምን መላእ ቃዛን ተደኲና ወሰናስን ምብራቕ የሩሳሌም ዝርእሰ ከተማኣ ሃገረ ፍልስጤም ክትምስረት ዝእምም እዩ።
ፍልስጤማውያን ግን መላእ ምዕራባዊ ገማግም፡ ቃዛን ምብራቕ የሩሳሌምን ብምጥላብ፡ እቲ እማመ ናብ እስራኤል ዝወገነ ብምባል ነጺጎምዎ እዮም።
እስራኤል ካብ 1967 ጀሚራ'ያ ነቲ ከባቢታት ተቖጻጺራቶ። ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቕ የሩሳሌምን ኣብ ዝተደኮኑ 40 ሰፈራታት፡ ልዕሊ 600000 ኣይሁድ ይቕመጡ።
ዝበዝሐ ክፋል ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ሰፈራታት ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ዘይሕጋዊ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ እስራኤል ነዚ ኣይትቕበሎን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







