ኣምባሳደር ቻይና ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, MVS.GOV.UA
ኣምባሳደር ቻይና ኣብ እስራኤል ዱ ዌ፡ ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ሞይቱ ከምዝተረኸበ መራኸብቲ ሓፋሽ እስራኤል ጸብጺበን።
እቲ ወዲ 58 ዓመት ኣምባሳደር፡ ኣብ ዓራቱ ሞይቱ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ምኽንያት ሞቱ ዛጊት ኣይተገለጸን።
እቲ ኣምበሳደር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት እዩ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ እስራኤል ኮይኑ ተሸይሙ።
ቅድም ክብል ድማ፡ ኣብ ዩክሬን ልኡኽ ቻይና ኮይኑ የገልግል ነይሩ።
እቲ ኣምባሳደር በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝሞተሉ እዋን ግን ስድርኡ ኣብ እስራኤል ኣይነበሩን ተባሂሉ።
ኣብ ርአሰ ከተማ እስራኤል፡ ቴልኣቪቭ፡ ፍሉይ ስሙ ሄርዝልያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ዝነብር ነይሩ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ እስራኤል ንወኪል ዜና ሬውተርስ "ከምቲ ልሙድ ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ሞት ዘጋጠመሉ ቦታ ተዋፊሮም ኣለዉ" ኢሉ።
ካልእ ናይ እስራኤል ቴሌቪዥን ድማ፡ ስሞም ዘይጸርሖም ኣብ ሕክምና ዘለዉ ምንጭታቱ ብምጥቃስ፡ ብዝተገበረሉ ምርመራ እቲ ኣምባሳደር ብድቅሱ እንከሎ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ከምዝሞተ ዘመላኽት እዩ ክብል ጸብጺቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



