ጎንጺ ቃዛ ካብ ዝጅመር ትማሊ ሰንበት ዝበዝሐ ሰብ ከምዝተቐተለ ሰበስልጣን ገሊጾም

ቃዛ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ሓድሽ ጎንጺ ካብ ዝጅመር፡ ትማሊ ሰንበት ዝበዝሑ ሰባት ዝተቐትሉላ መዓልቲ ከምዝኾነት ሰበስልጣን ቃዛ ገሊጾም።

እስራኤል ትማሊ ኣብ ቃዛ ብዘካየደቶም ደብዳባት ኣየር፡ ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝተቐተሉ እቶም ሰበስልጣን ገሊጾም።

ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ድማ፡ ሚልሻታት ፍልስጤም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብጠቕላላ ልዕሊ 3 ሽሕ ሮኬታት ናብ እስራኤል ከምዝተኮሱ ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ እቲ ጎንጺ እንተቐጺሉ ነቲ ዞባ ናብ 'ፈጺሙ ዘይሃድእ' ቅልውላው ከእትዎ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ፡፡

ንሱ እቲ ‘‘ፍጹም ዘስካሕክሕ’’ ዝበሎ ጎንጺ ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ።

ናብ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውግሕ፡ ሚልሻታት ሃማስ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ሮኬታት ድሕሪ ምትኳሶም፡ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከተማ ቃዛ 80 መጥቃዕትታት ፈጺመን ኣለዋ፡፡

ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ ቃዛ ሕጽረት ነዳዲ ከጋጥም ከምዝኽእልን ብሰንኩ ድማ ሆስፒታላትን ካልኦት ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን ምቁራጽ ሓይሊ ኤልክትሪክ ከጋጥሞም ከምዝኽእልን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ፡፡

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ከባቢ ነዳዲ ከቕርብ ንሰበስልጣን እስራኤል ከምዝሓተተ ዝገለጸት ሓንቲ ሓላፊት እቲ ውድብ፡ እንተኾነ ካብ እስራኤል እቲ ቦታ ውሑስ ኣይኮነን ዝብል ምላሽ ከምዝተውሃቦም ኣፍሊጣ፡፡

በቲ ትማሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ 16 ደቂ ኣንስትዮን 10 ህጻናትን ዝርከቡዎም 42 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰበስልጣን ቃዛ ገሊጾም፡፡

እስራኤል ብወገና እቲ ጎንጺ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ ዝጅምር፡ ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም ዓሰርተ ዜጋታታ ከምዝተቐተሉዋ ሓቢራ፡፡

ክሳብ ሐዚ በዝሒ ኣብ ጋዛ ዝተቐተሉ ሰባት 188 ዝበጸሐ ኮይኑ፡ ካብዚኦም 55 ሓሙሽተን ህጻናትን 33 ደቂ ኣንስትዮን ይርከቡዎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 1230 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጸሖም ሃማስ ዝቆጻጸሮ ሚኒስትሪ ጥዕና ይገልጽ።

እስራኤል ብወገና ካብቶም መወትቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ከምዝርከቡዎም እያ ትሕብር፡፡

ትማሊ ሰንበት ኣብ ጋዛ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም ተባሂሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብሰንበት እንታይ ኣጋጢሙ?

ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሕ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ፡ እስራኤል ምንቅስቓስ ኣብ ዝበዘሐሉ ጎደና ጋዛ ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ብውሑድ ሰለስተ ህንጻታት ዝዓነዉ ኮይኖም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት እውን ተቐቲሎም፡፡

ሃማስ ብግዲኡ ካብ ለይቲ ጀሚሩ ክሳብ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ናብ እስራኤል ሮኬታት ከዝንብ ውዒሉ፡፡

ብዙሓት እስራኤላውያን ድምጺ መጠንቀቕታ ሰሚዖም ናብ መዕቆቢ ከባቢታት ዝሃደሙ ኮይኖም፡ ተመሳሳሊ ጥንቃቕ ንምውሳድ ዝፈተኑ ፍልስጤማውያን ግና ኣብቲ ዝተጨናነቐን መሰረተ ልምዓት ዝወሓዶን ከባቢ ዝዕቆብሉ ውሑስ ቦታ ኣይረኸቡን፡፡

ንሮይተርስ ቃሉ ዝሃበ ሪያድ ኢሽኩንታና፡ ደቁ እቲ ሓደጋ ኣይረኽበንን ኢሉ ኣብ ዝሓሰቦ ክፍሊ ከምዘቐመጠን ገሊጹ፡፡ ኮይኑ ግና ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ዝተረፈት ሱዚ እትበሃል ጓል ሽደሽተ ዓመት ጓሉ ጥራሕ እያ፡፡ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲለን፡፡

‘‘ ነተን ቆልዑት ክርእየን እናጎየኹ ከይደ’’ ዝብል ኢሽኩንታና ‘‘ በዓልቲ ቤተይ ነቲን ቆልዑት ሓቑፋ ዘሊላ ካብቲ ገዛ ክትወጽእ፡ እቲ ገዛ ካልኣይ ብነፋሪት ተሃሪሙ፡፡ እቲ ናሕሲ ተደርሚሱ፡ ኣነ ድማ እቲ ፍርስራስ ጸቒጡኒ’’ ኢሉ፡፡

ኣብ ልዕሊ እቶም ሚልሻታት ዝንሳቐሱሉ ውሽጣ ውሽጢ መገዲ (ታነል) ደብዳብ ከምዝፈጸመ ዝገለጸ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ ጉርጓሕ ብምፍራሱ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበሩ ገዛውቲ ከምዝፈረሱን፡ ዘይተሓሰበ ሞት ሰላማውያን ሰባት ከምዘጋጠመን ኣፍሊጡ፡፡

ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል፡ መራሕቲ እቶም ሚልሻታትን ዝጠቀሙሎም መሰረተ ልምዓታትን ዒላማ ዝገበሩ ደብዳባት የካይድ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ መራሒ ሃማስ ያሕያ ሲንዋርን ሓዉ መሓመድ ሲንዋርን ደብዳብ ከምዘካየደ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡