ጎንጺ ጋዛ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብ ጋዛ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከምዝቕጽል ተሓንዩ

መጥቃዕቲ ሮኬት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደ እስራኤላዊ ዝተቐተለሉ መጥቃዕቲ ሮኬት

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ ኣብቲ ሻብዓይ መዓልቲ ኣቑጺሩ ዘሎ ጎንጺ ጋዛ፡ ሃገሩ ንዝፍጸማ መጥቃዕቲታት ሮኬት፡ ናይ ሓይሊ ግብረ መልሲ ምሃብ ከምእትቕጽል ኣፍሊጡ።

እስራኤል ናብ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘውግሕ፡ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ብውሑድ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰበስልጣን ጥዕና ገሊጾም ኣለዉ።

ሚልሻታት ፍልስጤም ብወገኖም ናብ ከተማ ቴልኣቪቭ ዘነጻጸሩ ሮኬታት ዝተኮሱ ኮይኖም፡ ነበርቲ እታ ከተማ ናብ መዕቆቢታት ክህድሙ ተገዲዶም እዮም።

ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝጎሃሃር ዘሎ ጎንጺ ክሃድእ እዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

ብቐዳም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁን ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ኣባስን ብስልኪ ዝተዘራረበ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ጎንጺ ከምዘሻቐሎ ገሊጹሎም። ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ሎሚ ሰንበት ከምዝእከብ ተሓቢሩ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ብሰኑይ ዝተጀመረ ጎንጺ፡ ብወገን ፍልስጤም 148 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰበስልጣን ጥዕና እንትሕብሩ፡ እስራኤል ድማ ክልተ ህጻውንቲ ዝርከቡዎም 10 ሰባት ከምዝሞቱዋ ገሊጸ ኣላ። እስራኤል ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሚልሻታት ቀቲለ ትብል'ኳ እንተሃለወት፡ ሰበስልጣን ጥዕና ፍልስጤም ግና ካብቶም ግዳያት 41 ህጻናት ከምዝርከቡዎም ይገልጹ።

ትማሊ ቀዳም ኣብ ቴሌቪዥን ሃገሩ መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ቢንያሚን ነታንያሁ፡ ሃገሩ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ኣየር "ከም ኣድላይነቱ" ከምእትቕጽሎን መጉዳእቲ ሰላማውያን ሰባት ንምቕናስ ከምእትጽዕርን ኣፍሊጡ።

ኣብ ምብራቓዊ እየሩሳሌም ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዝነበረ ምፍጣጥ ስዒቡ፡ እስላምን ኣይሁድን ኣብ ዘምልኹሉ ሃይማኖታዊ ከባቢ ዝተፈጠረ ጎንጺ፡ ነቲ ዓሰርተታት ዝሞትሉን ሓያሎ ንብረት ዝዓነወሉን ናይዚ ሰሙን ጎንጺ ወሊዱ እዩ።

እቲ ጎንጺ ንምንታይ ብቐዳም ተጋዲዱ?

እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ከተማ ጋዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ብዘካየደቶ ድብዳብ ነፋሪት 10 ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ተቐቲሎም።

በቲ ደብዳብ ኣዲኡ፣ ኣርባዕተ ኣሓቱ፥ ሓትንኡን ኣርባዕተ ደቂ ሓትንኡን ዝሞትዎ፡ ወዲ 5 ወርሒ ኦማር ኣል-ሃዲዲ፡ በይኑ እዩ ካብ ሞት ተሪፉ።

ኦማር ኣል-ሃዲዲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ወዲ 5 ወርሒ ኦማር፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ስድርኡ ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብህይወት ዝተረፈ እንኮ ሰብ እዩ

ኣቡኡ መሓመድ ኣል-ሃዲዲ ኣብቲ እዋን ኣብ ገዛ ኣይጸንሐን።

ንሱ "ኣብቲ ቦታ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እምበር ሮኬት ኣይነበረን፤ በዓል ዒድ ዘኽብሩ ሰላማውያን ህጻውንቲ እዮም። እንታይ ስለዝገበሩ ነዚ ተፈድዮም?" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ሚልሻታት ፍልስጤም ናብ ደቡባዊ እስራኤል 278 ሮኬታት ተኲሶም ገዛውቲ ከምዝሃረሙ እንትገልጹ፡ ንብዙሓት ሮኬታት እውን ከምዘምከኑ ሓቢሮም። ኣብ ጥቓ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዝወደቐ ሮኬት ድማ ሓደ ሰብ ከምዝቐተለ ተሓቢሩ እኡ።

እስራኤል፡ ቀዳም ንጉሆ ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ማዕከናት ሚድያ ኣሶሽየትድ ፕረስን ኣልጀዚራን ካልኦት ቤት ጽሕታትን ዝርከቡሉ ነዊሕ ህንጻ ኣዕንያ።

እቲ ህንጻ ወታሃደራዊ ኣቑሑት ናይቲ ንጋዛ ዘመሓድር ጉጅለ ሃማስ መቐመጢ ከምዝነበረ ምክልኻል እስራኤል ዝገለጸ ኮይኑ፡ በዓል ዋና እቲ ህንጻ ግና ሓቂ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ድማ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ህንጻ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ከምዝተሃወኸ" ሓቢሩ እዩ።