ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብአን ሃገራት ቅልውላው እየሩሳሌም ክሃድእ ጸዊዐን

ሃገራት ዓለም ዝጉሃሃር ዘሎ ጎንጺ እየሩሳሌም ክሃድእ ጸዊዐን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ብሪጣንያን፡ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ነቲ ኣብ ምንጎኦም ዘሎ ወጥሪ ክህድእዎ ተማሕጺነን ኣለዋ፡፡

ፍልስጤማውያን ሚልሻታት ሰኑይ ምሸት ናብ እየሩሳሌም ሮኬታት ምስ ተኮሱ እቲ ጎንጺ ተጋዲዱ።

እስራኤል ድማ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ኣብ ዝርከቡ ዝተመረጹ ዒላማታት እቶም ሚልሻታት ናይ ኣየር ደብዳብ ብምክያድ ግብረ መልሲ ሂባ።

በቲ እስራኤል ዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ህጻናት ዝርከቡዎም 22 ሰባት ከም ዝቐተሉ፡ ሓለፍቲ ጥዕና ጋዛ ኣፍሊጦም።

እስራኤል ብወገና ካብቶም ዝሞቱ ብውሑድ እቶም 15 ኣባላት እቲ ንጋዛ ዘመሓድር ጉጅለ ሃማስ ከም ዝኾኑ ገሊጻ፡፡

ትማሊ ሰኑይ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ኣብ ሓደ ሃይማኖታዊ ስፍራ ምስ ፖሊስ እስራኤል ብዝተፈጠረ ጎንጺ ጉድኣት ምስ በጽሖም፡ ሃማስ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ተሓንዩ ነይሩ፡፡

ሃማስ ''ቀይሕ መስመር ሓሊፉ'' ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንየሁ፡ እስራኤል ሓያል ግብረ መልሲ ከም እትህብ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

እዚ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተርኣየ ጎንጺ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እቲ ዝኸፈአ እዩ፡፡

እዚ ድማ ኣብታ ጥንታዊት ከተማ እየሩሳሌም ዝገደደ ጎንጺ ከይለዓል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ፡፡

ፍልስጤማውያን ናብቲ ምስ ቅዱስ ቦታ ኣይሁድ ዝኾነ ተምፕል ማውንት ኣብ ሓደ ቀጽሪ ዝርከብ፡ ሳልሳይ ቅዱስ ቦታ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ምዃኑ ዝንገር መስጊድ ኣል-ኣቅሳ ከይኣትዉ ዝግበር ክልከላ ሓያል ቁጠዐ እናፈጠረሎም መጺኡ እዩ፡፡

ብምኽንያት እቲ ኣብ እየሩሳሌምን ዌስት ባንክን፡ ኣብ መንጎ ፖሊስ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ 700 ፍልስጤማውያን ጉድኣት ከም ዝበጸሖም ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ዝተባህለ ትካል ምግባረ ሰናይ ሎሚ ሰሉስ ኣፍሊጡ።