ላምፓዱሳ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ደሴት ኢጣልያ ኣትዮም

ደሴት ላምፓዱሳ፡ ሓንቲ ካብተን ስደተኛታት ዝዓርፉላ ደሴት ኢጣልያ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደሴት ላምፓዱሳ፡ ሓንቲ ካብተን ስደተኛታት ዝዓርፉላ ደሴት ኢጣልያ እያ

ማዕከናት ዜና ኢጣልያ፡ ትማሊ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት ልዕሊ 1,000 ስደተኛታት ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ኢጣልያ ከም ዝኣተው ሓቢረን።

ሓንቲ ጃልባ ጥራይ ኣስታት 400 ደቀንስትዮን ቖልዑን ሒዛ ምንባራ ማዕከን ዜና ኢጣልያ ኣንሳ ሓቢሩ።

ከንቲባ እታ ደሴት ቶቶ ማርቴሎ፡ እቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ምስ ኩነታት ኣየር ከም ዝዛመድን ክውስኽ ከም ዝኽእልን ሓቢሩ።

ላምፔዱሳ እታ ቀንዲ መዓልቦ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ዝደልዩ ሰባት እያ።

ኣብ ጥቓኣ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ማልታ ድማ፡ ሓገዝ ዘድልዮም ስደተኛታት ናይ ርድኡና ጻውዒት ከም ዝገበሩ ተፈሊጡ።

"ሓደ ጉጅለ ምድሓን ንኣስታት 231 ሰባት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣውጸኢዎም" ከኣ ይብል ካብ ኣባላት ናይ ምድሓን ጉጀለ።

ካብ ምጅማር ናይዛ ዓመት ድሮ ኣስታት 11,000 ስደተኛታት ኣብታ ደሴት ኣትዮም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ወቕቲ 4,105 ሰባት ከም ዝኣተው ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር እዚ ቑጽሪ ካብቲ ኣብ 2015 ዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝወሓደ እዩ።

እዚ ትማሊ ሰንበት ዝተራእየ ሃንደበታዊ ወሰኽ፡ ንፖፕሊስት ፖለቲከኛ ማትዮ ሳልቪኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ማርዮ ድራጊ ክዘራረበሉ ኣኼባ ሓቲቱ ኣሎ።

"ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኢጣልያውያን ኣብ ጸገም እናሃለው፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከነአንግድ ኣይንኽእልን" ድማ ኢሉ ።

ሚስተር ሳልቪኒ፡ ኣብ ነሓሰ 2019 ልዕሊ 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ላምፔዱሳ ከይትኣቱ ብዝተኸልከለት ናይ ድሕነት መርከብ ብዝተኣሳሰር ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ፍርዲ ቤት ቆጸራታት ኣለዎ።

ኣብ ሲሲሊ ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ነበር ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ስደተኛታት ብምፍጻሙ ይኸሱዎ።

ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ከኣ እቲ ጉዳይ ክሳዕ 15 ዓመት ማእሰርቲ ከቕጽዕ ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

ቢቢሲ ነታ ማይግራንት/ ፍልሰተኛ እትብል ቃል፡ ንኹሎም እቶም ሕጋዊ መስርሕ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ መገሻ/ ምንቅስቓስ ንዝርከቡ ሰባት ንምምልካት ከም ዝተጠቕመላ ይሕብር።

እዚ ጉጅለ'ዚ፡ ካብተን ብውግእ ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ዝሃድሙ፡ ናይ ዑቕባ መሰል ክወሃቦም ዝኽእል ስደተኛታት፡ ከምኡ እውን ንዝሓሸ ስራሕን ህይወትን ዝደልዩ፡ እተን ዝኣትውወን መንግስታት ምናልባት ከም ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ክርእየኦም ዝኽእሉ ሰባት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ የረድእ።