ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ጣልያን ከይትኣቱ ዝኸልከለ ሚኒስተር ናብ ፍርዲ ክቐርብ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ዓዲ ጥልያን ነቲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ማቴዮ ሳልቪኒ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ዓዲ ጣልያን ከይትኣቱ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሳምንቲ ስለዝኸልከለ፡ ኣብ ሕጊ ክቀርብ ከምዝድግፉ ገሊጾም።
እታ ልዕሊ 100 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ዘድሓነት መርከብ ገባሪ ሰናይ ‘ኦፕን ኣርም’፡ ንልዕሊ 19 መዓልታት ናብ ወደባት ጣልያን ከይትኣቱ ተኸልኪላ ነይራ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ሲሲሊ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ማቴዮ ሳልቪኒ፡ እቲ ዝገበሮ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ደቂ ሰባት ምዃኑ ብምሕባር፡ ክሳብ 15 ዓመታት ከእስሮ ከምዝኽል ሓቢሮም።
እቲ ኣንጻር ስደተኛታት ብዝወስዶ መርገጺ ዝፍለጥ ሚኒስተር ‘ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ደቂ ሰባት’ ብዝብል ክሲ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዝቐርብ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።
ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ዓዲ ጣልያን 149 ብ 141 ድምጺ እዮም በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽልካል እታ ስደተኛታት ዝጽዓት መርከብ፡ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ወሲኖም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ወዲ 47 ዓመት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ማቴዮ ሳልቪኒ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ዓዲ ጣልያን ከይኣትዉ ምኽልካል ኣብ እዋኑ ናይ መንግስቲ ፖሊሲ ምንባሩ እዩ ጠቒሱ።
ንሱ “ንሃገረይ ምክልኻለይ ገበን ኣይኮነን፡ ኣነ በቲ ዝገበርክዎ ሕቡን እየ፡ ሕጂ’ውን ምገበርክዎ ብሕጂ’ውን ክገብሮ’የ” ድማ ኢሉ።
ማቴዮ ሳልቪኒ፡ ነቲ ስጉምቲ እቲ ምስ ወሰደ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ልፍንታዊ መንግስቲ በቲ ውሳነ ኣብ ክልተ እዩ ተገማሚዑ።
እቲ ማቴዮ ሳልቪኒ ዝነበሮ ሊግ ፓርቲ፡ ምስ ፋይቭ ስታር ብምዃን እዩ ልፍንቲ መስሪቱ ነይሩ።
ንሱ፡ ኣብዚ እዋን ኣባል ባይቶ ናይ ሓደ ተቓዋሚ ውድብ እዩ ዘሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







