ጣልያን ነቲ ጅግና ተምሃራይ ዜግነት ክትህቦ እያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጣልያን፡ ንመማህርቱ ካብታ ተጨውያ ብሓዊ ዝነደደት ኣውቶቡስ ዘድሐነ ተምሃራይ፡ ዜግነት ከምእትህቦ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ማቲዮ ሳልቪኒ ገሊጹ።
ራሚ ሺሃታ ዝተብሃለ ወዲ 13 ዓመት ተምሃራይ፡ ገናሒ እታ መኪና ብሓይሊ እንትወስዶም፡ ካብ ስልኩ ናይ ሓደጋ ምልክት ዘስመዐ እንትኾን፡ ንሱን ካለኦት ሓምሳ ተምሃሮን ካብታ ዝነደደት ኣውቶቡስ፡ ከምልጡ ክኢሎም እዮም።
ንዝፈጸሞ ናይ ጅግና ተግባር ድማ፡ ዜግነት ክወሃቦ ክምዝግባእ ማትዮ ሳልቪኒ ንማዕኸናት ዜና ውሽጢ ሃገር ተዛሪቡ።
ወላዲኡ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 2001፡ ካብ ግብጺ ተሰዲዱ ዝመጸ ራሚ፡ ኣብ ጥልያን እኳ ዝተወለደ እንተኾነ፡ ዜግነት እታ ሃገር ግን ኣይነበሮን።
ብሕጊ ጥልያን፡ ኣብታ ሃገር ዝተወለደ ስደተኛ ቆልዓ፡ 18 ዓመት ክሳብ ዝመልኦ ዜግነት ኣይወሃቦን።
ካሊእ ኣዳም ኢል ሃሚም ዝተብሃለ ሞሮካዊ ስደተኛ ተምሃራይ፡ ናብ ሰብ መዚ ብምድዋል ዝተሓባበረ እንትኾን፡ ወላዲኡ ንዕኡ'ውን ዜግነት ክወሃቦ ኣለዎ ይብል።
መንግስቲ ጥልያን፡ ዛጊድ ብዛዕባ ኣዳም ዝበሎ ነገር የለን።
ራሚ ዜግነት ከምዝወሃቦ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ ሰበ ስልጣን ጣልያን ዝተነገሮ እንትኾን፡ መራሒ 'ኣንቲ-ኢሚግሬሽን ሊግ ፓርቲ' ሳልቪኒ ግን ዕሽሽ ኢሉዎ ነይሩ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቅድሚ ውሳነ ምሃብ፡ ናይ ወላዲ ራሚ ድሕረ ባይታ ምጽራይ ከምዘድሊ ገሊጹ ዝነበረ ማቲዮ ሳልቪኒ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ግን ሓሳቡ ብምቕያር ተሰማሚዑ እዩ።
ራሚን ኣዳምን ዝርከቡዎም 5 ተምሃሮ፡ ምስ ማቲዮ ሳልቪኒ ከምዝተራኸቡን፡ ጣልያን ኣብ ዘካየደቶ ጸዋታ መጻረዪ ኩዕሶ ዩሮ 2020 ከምዝተዓደሙን ሰበስልጣን ጣልያን ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጽንዓት እቶም ተምሃሮ
ማዕኸን ዜና ውሽጢ ሃገር 'ኣንሳ' ከምዝሓበሮ፡ ኣዳምን ራምን ናብ ፖሊስ ደዊሎም።
ራሚ ጸሎት ዝገብር መሲሉ፡ ናብ ኣቡኡ ብዓረብኛ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
እቲ ወዲ 47 ዓመት ገናሒ መኪና፡ ሓደ ሰብ ብህይወት ከምዘይተርፍ ተዛሪቡዎም ነይሩ።
እቶም ተምሃሮ ምስዓበዩ ፖሊስ ክኾኑ ከምዝደልዩ ድማ ኣብ ቴሌቪዥን ተዛሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፖሊስ ነታ ኣውቶቡስ ተኸታቲሉ ጠጠው ምስ ኣበላ፡ እቲ ገናሒ ነታ ነዳዲ ዛዕዚዑላ ዝጸንሐት ኣውቶቡስ፡ ብሓዊ ኣቃጺሉዋ።
ፖሊስ ድማ ቀልጢፉ ዳሕረዋይ መሳኹቲ እታ ኣውቶቡስ ብምስባር፡ ነቶም ተምሃሮ ከድሕን ክኢሉ እዩ።
እቶም ተምህሮ ንነብሶም ንምድሓን ዝነበሮም ጥንካረ አዐርዩ ከምዝንእድ፡ ኣብቲ ምድሓን ዝተሳተፈ ፖሊስ ሮቤርቶ ማኑሲ ይገልጽ።
''ኣብ ባሕሪ ዝበጽሕ ዘሎ ሞት እንተዳኣ ጠጠው ዘየቢልኩምዎ ህልቂት ክፍጽም እየ''
እቲ ዜግነት ጣልያን ዘለዎ ትውልደ ሴኔጋላዊ፡ ኦሰንዩ ሳይ ዝተብሃለ ገናሒ መኪና፡ ኣብ ባሕሪ ዝበጽሕ ዘሎ ሞት ኣፍሪካውያን ብምቅዋም እዩ ነቲ ሓደጋ ክፍጽም ወሲኑ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከምዝገለጾ ድማ፡ እቲ ገናሒ መኪና ''ኣብ ባሕሪ ዝበጽሕ ዘሎ ሞት እንተዳኣ ጠጠው ዘየቢልኩምዎ፡ ህልቂት ክፍጽም እየ'' እናበለ ይዛረብ ነይሩ።
እቲ ገናሒ መኪና ምስ ዝኾነ ጉጅለ ርክብ ከምዘይብሉ ዝገልጽ ሓላፊ ጸረ ሽብር ኣልቤርቶ ኖቢሊ፡ '' ናይ ውልቀይ ድልየት እዩ። ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ህጻናት ብ ዓሳ እናተበልዑ፡ ጥኑሳት ኣንስቲ እናሞታ ክርኢ ኣይደልን'' ክብል ምዝራቡ ሓቢሩ።
ጥልያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝነበራ ቅዋም፡ ከምዘጠንከረት ዝፍለጥ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Italian Police / AFP




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







