ጥልያን፡ መራሒ መኪና ተምሃሮ ዝሓዘት ኣውቶቡስ ብምጭዋይ ብሓዊ ኣቃጺልዋ

እታ ዝተቃጸለት ኣውቶቡስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, እታ ኣውቶቡስ እቲ ምራሒ መኪና ካብኣ ቅድሚ ምውጽኡ ምሰ ሰለስተ ተሽከርከርቲ እዩ ኣጋጭይዋ።

ኣብ ጣልያን፡ ከተማ ሚላኖ 51 ተምሃሮ ዝሓዘት መኪና ብመራሒኣ ድሕሪ ምጭዋያ ብሓዊ ተቃጺላ።

ጉጅለ ሂወት ኣድሕን መስኮት'ታ መኪና ብምስባር ነቶም ተምሃሮ ከድሕንዎም እንከለዉ፡ ገለ ካብቶም ተምሃሮ ተኣሲሮም'ዮም ጸኒሖሞም። ብምልኦም ነቶም ተምሃሮ ነጻ ከውጽእዎም እንከለዉ፡ ካብ መንጎ 'ቶም ተማሃሮ 14 ናይ ብትኪ ምዕፋን ፎኪስ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም።

እቲ ወዲ 47 ዓመት መራሒ መኪና ፡ ናይ ጣልያን ዜግነት ዘለዎ ተወላዲ ሴኔጋል ኮይኑ፡ ኣብ ትሒቲ ቁጽጽር ፖሊስ ኣትዩ ኣሎ።

ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ከተማ ሚላኖ፡ ፍራንሲስኮ ግሬሶ "ምድሓኖም ተኣምር እዩ" ኢሉ።

ኣብ ሞንጎ እቶም ተምሃሮ ዝነበረ ሓደ ምምህር ብዝሃቦ ናይ ቃል ፡ እቲ መራሒ መኪና ጣልያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ትኽተሎ ዘላ ፖሊሲን ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ዘለዉ ስደተኛታትን ኣናልዓለ የንጸርጽር ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ መራሒ መኪና "ብዓውታ ኣብ ባሕሪ ዝኽሰት ዘሎ ሞት ደው ይበል፡ እንተዘይኮይኑ ህልቂት ክፍጽም'የ" ይብል ምንባሩ ውሃቢ ቃል ፖሊስ ጣልያን ማርኮ ፓልመሪ ገሊጽ።

ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ከተማ ሚላኖ፡ ፍራንሲስኮ ግሬሶ፡ እዚ መራሒ መኪና ብጭውያ፡ ብፈተነ ጃምላዊ ህልቂት፡ ኢዱ ንክህብ ኣይፋል ብምባሉ ክሲ ከም ዝቀርበሉ ሓቢሩ።

እዚ ክስተት ከምይ ኢሉ'ዩ ሚሩ?

ኣብ ክልተ ክፍሊ ዝምሃሩ ተምሃሮን ሓደ ተቆጻጻሪኦምን (መምህር) ካብ ቤት ትምህርቶም ናብቲ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ዝገብርሉ እንክኸዱ እንከለዉ፡ መራሒ መኪና ነታ ኣውቶቡስ ናብ ካልእ መንገዲ ወሲድዋ።

እቲ መራሒ መኪና ንቶም ተምሃሮ ብኻራ ከፈራርሖም ምስ ጀመረ ሓደ ተምሃራይ ተሓቢኡ ብምድዋሉ ፖሊስ ብመገዲ እቶም ወለዱ ሓበሬታ በጺሕዎም።

ፖሊስ ነታ ኣውቶቡስ ክዓግትዋ ኣብ ዝፈተንሉ፡ መራሒ መኪና ጠኒኑ ናብተን ናይ ፖሊስ መካይን ኣትዩ።

ተምሃሮ ካብ መጭወይቲ ድሕሪ ምድሓኖም ምስ ወለዶም እናተራኸቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA

እታ ኣውቶቡስ ደው ድሕሪ ምባላ፡ መራሒ መኪና ካብታ ኣውቶቡስ ዘሊሉ ብምውራድ ሓዊ ኣእትዩላ።

ኣብ ቀርባ ዝጸንሑ ኣባላት ፖሊስ፡ መሳኹቲ ናይታ ኣውቶቡስ ብምስባር ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ዝነበሩ ተምሃሮ ከድሕንዎም ክኢሎም።

ሚኒሰትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ነቲ ጥርጡር (መራሒ መኪና) ናይ ዓዲ ጣልያን ዜግነቱ ንምሕዳግ ምጽራይ ይገብሩ ምህላዎም ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

መግለጺ ቪድዮ, ውቁብ ኪነ ህንጻ ቆንስላ ጣልያን ኣብ ዓድዋ