ነታንያሁ ዕጡቓት ሓማስ ንዓመታት ናብ ድሕሪት መሊስናዮም ኢና ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል፡ ኣብ ቃዛ ብእትገብሮ ዘላ መጥቓዕቲ ንዕጡቓት ሓማስ ንዓመታት ንድሕሪት ከምዝመለሰቶም ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ፍልስጤምን ንታሽዓይ መዓልቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ክሳብ ሕጂ ኣይሃደአንነ ዘሎ።
ብሰሉስ ዕጡቓት ፍሊስጤም ናብ ደቡበዊ ሸነኽ እስራኤል ብዝተኮስዎ ሮኬት ኣብ ሕርሻ ዝሰርሑ ዝነበሩ ክልተ ወጻእተኛታት ተቐቲሎም ኣለዉ።
እስራኤል ብወገና ኣብ ልዕሊ ቃዛ ዝጀመረቶ ደብዳብ ነፈርቲ ትቕጽሎ ኣላ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ጥቃ ራማላህ ካብቶም ሰለማዊ ሰላፊ ዝካይዱ ዝነበሩ ፍሊስጤማውያን ብውሕዱ ሰለስተ ብፖሊስ እስራኤል ከምዝተቐተሉ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ክልቲኦም ወገናት ቶኵሲ ደው ከብሉ ክቐርብ ዝጸንሐ ምሕጽንታ ፍረ ኣይተረኸቦን ዘሎ።
ፈረንሳ ምስ ግብጽን ዩርዳኖስን ብሙኻን ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ሓጋዚ እዩ ዝበለቶ ሓሳብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ ኣላ።
ፈረንሳ ቅድም ቀዳድም ምልውዋጥ ቶኵሲ ደው ክብል እያ ትጠልብ ዘላ።
እስራኤል ብሰሉስ ናብ ፍልስጤም ረዲኤት ንኽኣቱ ዶባታ እኳ ከፊታቶ እንተነበረት፡ ካብ ወገን ፍልስጤም ሮኬት ምስ ተተኮሳ ግን ደጊማ ነቲ መንገዲ ዓጽያቶ ኣላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ እንታይ እዩ ኢሉ?
ቀዳማይ ሚኒሰትር ቤንጃሚን ነታንያሁ "እቲ ንፍልስጤም ዘመሓድር ዘሎ ሓማስ ዘይተጸበዮ ዕዳ እዩ ተሸኪሙ፡ እስራኤላውያን ምሉእ ንምሉእ ክሳብ ዝረጋግኡ ኸኣ እቲ መጥቃዕቲ ክቕጽል እዩ" ኢሉ።
ኣብ ቃዛ ክሳብ ሕጂ 215 ሰባት ከምዝተቐተሉን ካብኦም እቶም ኣስታት 100 ህጻናትን ደቂ ኣንስትዩን ምኳኖም ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ገሊጹ።
ኣብ እስራኤል ኸኣ ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም 12 ሰባት ከምዝሞቱ እዩ ዝግለጽ።
እስራኤል ካብቶም ብሰሉስ ኣብ ቃዛ ዝተቐተሉ ብውሕዱ እቶም 150 ኣባላት ሓማስ እዮም ክትብል እንከላ፡ ሓማስ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ንዝወረደ ሃስያ ብኣሃዝ ኣይገለጸን።
እቲ ኵናት ክጅምር እንከሎ ክልተ ዕጡቓት ጉጅለ ፍልስጤም ክሳብ 12 ሽሕ ዝኸውን ሮኬት ከምዝነበሮም እዩ ግምት ተዋሂቡ ነይሩ።
እቶም ዕጡቃት ክሳብ ሕጂ ኣስታት 3300 ዝኸውን ሮኬታት ናብ እስራኤል ቶኵሶም ኣለዉ።
ካብዚኦም ካብ 450 ክሳብ 500 ዝኾኑ ሮኬታት ብግስ ምስ በሉ ብጸረ ሮኬት ተሃሪሞም ኣብ ቃዛ ጉድኣት ከምዘውረዱ ውሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







