ቶርሎኒያ ሰልብስ: 'እቲ ብሓመድን ርስሓትን እተሸፈነ ብዋጋ ዘይትመን ሓወልቲ'

እቲ ሓወልቲ ኣብ ሓደ ኣዝዩ ረሳሕ መኻዚኖ እዩ ተደርብዩ ኔሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ጥንታዊ ግሪኽን ሮሜን እተረኽበ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓወልታት እምነ በረድ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ርእሲ ከተማ ኢጣልያ ንምርኢት ቀሪቡ ኣሎ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዳቪድ ዊለይ፡ ሓደ ካብቶም ነቲ ሓወልቲ ኣቐዲሞም ዝረኣዩዎ ሒደት ሰባት እዩ። ትዕዝብቱ ድማ ብኸምዚ ይገልጽ።

እቲ ዘገርም፡ ድሕሪ 40 ዓመት እየ፡ ከምኡ ንዝኣመሰለ ቶርሎኒያ እምነ በረድ ዝርኢ ዘለኹ። እቲ ሓወልቲ እምነ በረድ፡ ኣብ ሓደ ብደሮናን ሓርኢ ኣናጹን ዝመልአ እኹል ብርሃን ዘይብሉ ጸልማት ክፍሊ'ዩ ተሰናድዩ ነይሩ።

እቲ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ክቡር ስርሓት ስነ-ጥበብ ኣብ ዘሰምብድ ረሳሕ ኩነት፡ ብዘይ ኣገባብ ተደርብዩ ክትርኢ ናይ ብሓቂ ዘሰምብድ እዩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣነ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ቀደም ቤተ መዘክር ቶርሎንያ ኣብ ዝነበረ ኣፓርታማ እየ እነብር ነይረ። ኣብቲ መደያይቦይ ከኣ ሓደ ዓብይ ናይ ሓጺር ማዕጾ ረኣኹ።

ነቲ ሓላዊ ህንጻ፡ ድሕሪ እቲ ማዕጾ እንታይ ከም ዘሎ ሓተትክዎ። ሓደ መዓልቲ ከኣ ንኸርእየኒ ፈቕደለይ።

እቲ ልዑል ፡ "ንሓደ ሰብ ዋላ ኣይፈቅድን እዩ" ኢሉ ሕሹኽ በለኒ።

ኣብ መፋርቕ መበል 19 ዘመን፡ እቲ ሓወልቲ እምነ በረድ ጽኑዕ ቦታ ተታሒዙ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ምጅማር እቲ ውግእ ግን ናብ ውሑስ ቦታ ግዒዙ።

እቲ ቤተ-መዘክር፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዝካረ ኣባይቲ ክቕየር ግቡእ እኳ እንተዘይኮነ ብዛዕብኡ ዝግደስ ሰብ ኣይተረኽበን።

እቲ ሓወልቲ ኣብ ሓደ ኣዝዩ ረሳሕ መኻዚኖ እዩ ተደርብዩ ኔሩ።

ምንጪ ስእሊ, David Willey

መግለጺ ስእሊ, እቲ ሓወልቲ ኣብ ሓደ ኣዝዩ ረሳሕ መኻዚኖ እዩ ተደርብዩ ኔሩ።

እቲ ኣብ ጥቓ ፈለግ ጢበር ዝርከብ ህንጻታትና፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ሮማ ዝነበረ ብዙሕ ኣብያተ መንግስቲ ኰይኑ፡ ብስድራ ቤት ቶርሎንያ ዝውነን እዩ ነይሩ።

ኢጣልያ ብ1948 ቅዋማዊት ሪፑብሊክ ምስ ኮነት፡ ኩሎም ናይ ሮማ ልኡላን ዝነበሮም መዓርግ ብወግዒ ኣጥፊኦምዎ እዮም።

እንተኾነ ገለ ካብኦም፡ ክሳብ ሃጸያዊት ሮማ ናብ ዝዝርጋሕ ሓረግ ትውልዶም ወሪዶም ካብ ንቡር ሕግታት ናጻ ከም ዝኾኑ እዮም ዝሓስቡ።

እቲ ኣብ ማእከል ኣትክልቲ ዝርከብ፡ ናብ 90 ንኣሽቱ መንበሪ ኣባይቲ ዝተቐየረ ቤተ-መዘክር ናይ እኽሊ መኽዘን ካብ ዝነበረ ህንጻ ዝተሰሪሑ ኮይኑ ኣብ እዋን ጽድያ ነቲ ቦታ ብምኡዝ ሽትኡ ይእውዶ።

ቶርሎኒያስ ብተነጻጻሪ፡ ናብ ኢጣልያ ድሕሮም ዝመጽኡ ነበርቲ እዮም።

እታ ፈረንሳዊ መበቆል ዘለዋ ስድራ ቤት ቱርሎኒስ፡ ናፖልዮን ንሮማ ቅድሚ ምውራሩ ንጥልያን ዝኣተወት እያ።

እታ ስድራ ንጳጳጳስን ከምኡውን ነቲ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ብዙሕ ስነ ጥበባዊ ስርሓትን ንግዝይኡ ኣብ ፈረንሳ ከምዝዕቆብ ገበረት።

ልዑል ቶርሎኒያ ብ1984

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልዑል ቶርሎኒያ ብ1984

እቲ ቀዳማይ ልኡል፡ ፈለማ ከም ነጋዳይ ዓለባ'ዩ ሃብቲ ደሊቡ። ደሓር ከኣ ከም ቀንዲ ሰራሕተኛ ባንክ ቫቲካን ኮይኑ ካብቲ ዘእትዎ ንላዕሊ ንብረት ይዕድግ ነበረ።

እቲ ውሩይ እኩብ ሓወልትታት ናብ ናይ ቀደሙ ኩነታቱ ተመሊሱ ክርእዮ ሓሲበ ኣይፈልጥን ኢሉ።

ሓደ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሲልቪዮ በርለስኮኒ ንብምሉኡ እቲ ኣብ ዘበናት እተኣከበ ሓወልታት ዓዲጉ ናብ ህዝቢ ጥልያን ንምርኢት ከቕርቦ ሓሲቡ እኳ እንተነበረ እቲ ናይ ዕድጊ ስምምዕ ግን ኣይተወደአን።

እቲ ሓወልታት ጻዕዳ እምነ-በረድ ኣብቲ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ናይ ቀደም ቤተ-መዘክር ንኽንድዚ ዝኣክል ዓመታት ደሮና ኣብ ዝመልኦ ኣጸያፊ መኽዘን ተደርብዩ ምጽንሑ ዘገርም እዩ።

  • ካብቲ 620 ቅርጽታት ዝሓዘ ጥንታዊ እምኒ ዓረን እምነ-በረድ ሓወልታት 92 ቅርጽታት ጸርዩን ተሓዲሱን ንምርኢት ቀሪቡ ኣሎ።
  • እታ ስድራ ቤት፡ ካብ ኩዕታ ዝተረኽበ ሓወልትታት ናይ ብሕቲ ገንዘብ ብምዕዳግ ዝኣኻኽቡዎ እዩ።
  • እቲ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ቪላ ካፋረሊ ኣብ ሮማ እተኸፍተ ምርኢት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ክልተ ሳዕ ተዓጽዩ ጸኒሑ፡ ሕጂ ብ26 ሚያዝያ ዝተኸፍተ ኮይኑ ብ 29 ሰነ ክዛዘም እዩ።
ናብ መንበሪ ኣባይቲ ዝተቐየረ ሙዝየም

ምንጪ ስእሊ, David Willey